ንኣኽልብቱ 'ዘይሕጋዊ' ሽም ዝሃበ ሰብኣይ ተኣሲሩ

ምንጪ ስእሊ, Beijing News
ንኣኽልብቱ "ዘይሕጋዊ" ስማት ዝሃበ ሰብኣይ ኣብ ምብራቓዊ ቻይና ከም ዝተኣሰሩ ተገሊፁ።
ከም ፀብፃብ ስሙይ ጋዜጣ ቤጂንግ ኒውስ፡ እዚ ወዲ 30 ዓመት፡ ባን ዝተብሃለ ውልቀሰብ ኣብ ምብራቓዊ ቻይና ግዝኣት ኣንሁይ ከልቢ ዘርብሕ እንትኸውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዩ።
ባን ክልተ ሓደሽቲ ኣኽልብቲ ከምዘለውኦን፡ ቸንጉኣን ዢንግዋን ኢሉ ከምዝሰየመን ኣብ ሞባይል መሰንጀር ድሕሪ ምግላፁ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
እዚ ሰብኣይ ንኣኽልብቱ ዝሃቦ ስያመ፡ ኣብ መንግስትን ህዝባዊ ዘፈራትን ናይ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ምዃኑ ድማ ኣካታዒ ኮይኑ ኣሎ።
"ቸንጉኣን" ኣብ ከተማታት ዝፍፀሙ ንኣሽቱ ገበናት ኣብ ምክልኻል፡ "ዢንግዋን" ድማ ኣብ ማሕበረሰባዊ ስራሕቲ ትራፊክ ብምሕጋዝ እዮም ዝሰርሑ።
ኣይተ ባን እዚ ስያመ ንኣኽልብቱ ዝሃበን፡ ካብ ዘለዎ "ኣድናቖት" ምዃኑ እኳ እንተገለፀ፡ ሰብ መዚ ግና ብኣድናቖት እዩ ዝብል ምኽንያት ኣይተቐበልዎን።
ፖሊስ ያንጉዙ፡ "ሕጊ ንዘኽብር ሰብ ብምፅራፍን ሕጊ ብምጥሓስን" ብዝብል፡ ብቀጥታ እዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ውልቀ ሰብ ምርመራ ጀሚሩ።
ብመሰረት ሕጊ ሪፐብሊክ ቻይና ህዝባዊ ድሕንነት ብምጥሓስ፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ን10 መዓልቲ ክእሰር ግድን ከምዝኾነ፡ ፖሊስ ቻይና ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Yingzhou Police
ኣባል ፖሊስ ሊ ከምዝሓበርዎ፡ እዚ ውልቀ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝፀሓፎም ፅሑፋት "ኣብ ዜጋታትን ምሕደራ እታ ከተማን ጉዳት ዘብፅሕ እዩ" ኢሎም።
ኣይተ ባን ብተግባሩ ዝተጥዓሰ እንትኸውን፡ "ከምዚ ዓይነት ሕጊ ከምዘሎ ኣይፍልጥን ነይረ፡ ዘይሕጋዊ ምዃኑ እውን ኣይፈልጥን" ኢሉ።
እዚ ጉዳይ ንገለ ተጠቐምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዘስሓቐ ኣጋጣሚ እንትኸውን፤ ገሊኦም ድማ ኣየናይ ሕጊ ከቕፅዖም ከም ዝኽእልን ከም ዘየቕፅዖምን ክካትዑ ተራእዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







