ንኣኽልብቱ 'ዘይሕጋዊ' ሽም ዝሃበ ሰብኣይ ተኣሲሩ

ኣካታዒ ስም ዝረኸት ቻይናዊት ከልቢ

ምንጪ ስእሊ, Beijing News

መግለጺ ስእሊ, እዛ ንእሽተይ ከልቢ ዝተውሃበ ስም፡ ንወናነኒኣ ኣብ ፀገም ዘእተወ ኮይኑ ኣሎ

ንኣኽልብቱ "ዘይሕጋዊ" ስማት ዝሃበ ሰብኣይ ኣብ ምብራቓዊ ቻይና ከም ዝተኣሰሩ ተገሊፁ።

ከም ፀብፃብ ስሙይ ጋዜጣ ቤጂንግ ኒውስ፡ እዚ ወዲ 30 ዓመት፡ ባን ዝተብሃለ ውልቀሰብ ኣብ ምብራቓዊ ቻይና ግዝኣት ኣንሁይ ከልቢ ዘርብሕ እንትኸውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዩ።

ባን ክልተ ሓደሽቲ ኣኽልብቲ ከምዘለውኦን፡ ቸንጉኣን ዢንግዋን ኢሉ ከምዝሰየመን ኣብ ሞባይል መሰንጀር ድሕሪ ምግላፁ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እዚ ሰብኣይ ንኣኽልብቱ ዝሃቦ ስያመ፡ ኣብ መንግስትን ህዝባዊ ዘፈራትን ናይ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ምዃኑ ድማ ኣካታዒ ኮይኑ ኣሎ።

"ቸንጉኣን" ኣብ ከተማታት ዝፍፀሙ ንኣሽቱ ገበናት ኣብ ምክልኻል፡ "ዢንግዋን" ድማ ኣብ ማሕበረሰባዊ ስራሕቲ ትራፊክ ብምሕጋዝ እዮም ዝሰርሑ።

ኣይተ ባን እዚ ስያመ ንኣኽልብቱ ዝሃበን፡ ካብ ዘለዎ "ኣድናቖት" ምዃኑ እኳ እንተገለፀ፡ ሰብ መዚ ግና ብኣድናቖት እዩ ዝብል ምኽንያት ኣይተቐበልዎን።

ፖሊስ ያንጉዙ፡ "ሕጊ ንዘኽብር ሰብ ብምፅራፍን ሕጊ ብምጥሓስን" ብዝብል፡ ብቀጥታ እዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ውልቀ ሰብ ምርመራ ጀሚሩ።

ብመሰረት ሕጊ ሪፐብሊክ ቻይና ህዝባዊ ድሕንነት ብምጥሓስ፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ን10 መዓልቲ ክእሰር ግድን ከምዝኾነ፡ ፖሊስ ቻይና ሓቢሩ።

ንኣኽልብቱ ኣካትዓይ ስም ዝሃበ ኣእተ ባን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Yingzhou Police

መግለጺ ስእሊ, ኣይተ ባን ንኣኽልብቱ ብዝሃቦ ኣካታዓይ ስም ን10 መዓልቲ ተኣሲሩ

ኣባል ፖሊስ ሊ ከምዝሓበርዎ፡ እዚ ውልቀ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝፀሓፎም ፅሑፋት "ኣብ ዜጋታትን ምሕደራ እታ ከተማን ጉዳት ዘብፅሕ እዩ" ኢሎም።

ኣይተ ባን ብተግባሩ ዝተጥዓሰ እንትኸውን፡ "ከምዚ ዓይነት ሕጊ ከምዘሎ ኣይፍልጥን ነይረ፡ ዘይሕጋዊ ምዃኑ እውን ኣይፈልጥን" ኢሉ።

እዚ ጉዳይ ንገለ ተጠቐምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዘስሓቐ ኣጋጣሚ እንትኸውን፤ ገሊኦም ድማ ኣየናይ ሕጊ ከቕፅዖም ከም ዝኽእልን ከም ዘየቕፅዖምን ክካትዑ ተራእዮም።