ገፅ ሰባት ርእየን ዝሕጎሳ ኣጣል?

ምንጪ ስእሊ, Andia
ኣጣል፤ ሕጉስ ገፅ ዘለዎም ሰባት ቀልበን ከምዝገዝአን፡ ሓደ መፅናዕቲ ሓቢሩ።
እዚ ጉጅለ መፅናዕቲ፡ ነዚ ምርምር ንምክያድ ካብ ሞንጎ ዝተጠቐምሎም መንገድታት ድማ፡ ዝተፈላለየ ስምዒታት ዘርእይ ናይ ሓደ ሰብ ናይ ገፅ ፎቶ ብሓደ ነጥቢ ሰለስተ ሜትሮ ርሕቐት ኣረሓሒቑ ብምቕማጥ ነተን ኣጣል ምርኣይ እዩ።
ብመሰረት እዚ ድማ እተን ኣጠል፡ ካብ ካልኦት ፎቶታት ብዝተፈለየ፡ ሓጎስን ፍሽኽታን ናብ ዘርእይ ፎቶ ከምዝተኣከባ ሓቢሮም።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ እዘን ኣጣል በዚ ፍሽኽታ ዝተመልኦ ገፅ ዘርእይ ስእሊ ተሳሒበን፡ ንነዊሕ ግዘ ከምዝጠመትኦ ምስክርነቶም ይህቡ፡ እዞም ጉጅለ መፅናዕቲ።
ካብ ሞንጎ እዞም ተመራመርቲ ዶክተር ኣለን ማክኤልጋት፡ እዚ መፅናዕቲ ንደቂ ሰባት ቀረባ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ኣፍራስን ኣኽልብትን ብተወሳኺ፡ ካልኦት እንስሳት እውን፡ ስምዒት ሰባት ናይ ምንባብ ዓቕሚ ከምዘለዎም ኣፋፍኖት ዝህብ ከምዝኾነ ገሊፆም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







