“ኮቪድ-19 እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው ጥዕና እዩ” ውድብ ጥዕና ዓለም

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ለበዳ ኮቪድ-19 እቲ ዝኸፍአን ሓደገኛን ነቲ ውድብ ዘጋጠሞ ናይ ጥዕና ቅልውላው ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ቅድሚ ሕዚ ‘ሓደገኛ ናይ ጥዕና ቅልውላው’ ኢሉ ካብ ዝረቑሖም ሕማማት፡ ኮሮናቫይረስ እቲ ዝበኣሰ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣብ ጀኔቫ፡ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዛጊድ ኣስታት 16 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉን ልዕሊ 640 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ሓቢሩ።

ዶ/ር ቴድሮስ፡ እዚ ጸብጻብ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበ ኾይኑ፡ “እቲ ለበዳ ቕልጡፍ ምስፍሕፍሑ ቀጺሉ እዩ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ሰሙናት ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተትሐዙ ሰባት ብዕጽፊ ወሲኹ” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ጥራሕ ሓደ ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ይዝረብ።

ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ድማ፡ ኣብ ብራዚል ጥራሕ 55 ሽሕ፣ ኣብ ኣመሪካ 53 ሽሕ፣ ኣብ ህንዲ ድማ 48 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣፍሊጡ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ምስ ኣበጋግሳ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓዝ ንቻይና ወጊኑ ብዝብል ካብ ፕረዚደንት ትራምፕን ካልኦት ሰብ ስልጣን ኣመሪካን ሓያል ነቐፌታ በጺሑዎ ነይሩ። ኣመሪካ ነቲ ትካል እትገብሮ ፋይናንሳዊ ድጋፍ'ውን ጠጠው ኣቢላ።

እንተኾነ፡ እቲ ዓለማዊ ትካል እቲ ዝቐረቦ ነቐፌታ ዝነጸጎ እንትኸውን፡ ሃገራት ዓለም ነቲ ለበዳ ብሓድነት ክቃለሰኦ ምምሕጻኑ ዝዝከር እዩ።