ኮሮናቫይረስ፡ ትካል ጥዕና ዓለም ክታበት ንምርካብ 'ዕውት መፍትሒ' የለን ክብል ኣጠንቂቁ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብልክዕ እቲ ክታበት ኮቪድ-19 ንምርካብ ዘሎ ተስፋ ዋላ ሓደ'ውን ከይተረኸበ ክተርፍ ይኽእል'ዩ ክብል ትካል ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።
ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ትካል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ ኣጸጋሚ ኩነታት ዝኸውን ቀጥታውን ዕውትን መፍትሒ የለን፤ ከይህሊ'ውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ህዝቢ ዓለም ከም ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላው፣ ኢድካ ብማይን ሳሙናን ምሕጻብን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃምን ዝበሉ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምክልኻል ዝወሃቡ መምርሒታት ተግባራዊ ክገብር ኣለዎ ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ዓለም ልዕሊ 18 ሚሊዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፤ ካብዚኦም እቶም 689 ሽሕ ከም ዝሞቱ ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የመልክት።
"ሕጂ፡ ብርክት ዝበሉ ክታበታት ኣብ ፈተነ ይርከቡ። ካብዚኦም መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ንምክልካል ዝሕግዝ ክታበት ክንረክብ'ውን ተስፋ ንገብር። ግን ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋላ ሓደ ዕውት ክታበት የለን፤ ከይክርከብ'ውን ይኽእል'ዩ" ብምባል'ዩ ዶክተር ቴድሮስ ኣጠንቂቑ።
ብተወሳኺ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ዓቕሚ ምምርማር ምዕባይ፣ ምውሻብን ሕሙማት ምሕካምን ከምኡ'ውን ኣሰር ዝተተናኸፉ ምርካብን ሓገዝቲ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን እቲ ዳይሬክተር፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዓ ወይ'ውን ዝተጠርጠራ ኣዴታት ደቀን ከጥቡዋ ክተባብዓ ከም ዘለወን ገሊጹ።
ኣብ ቀረባ፡ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ መበገሲ እዚ ለበዳ ዝኾነት ቻይና ዘካየዶ መጽናዕቲ ተዛዚሙ ኣሎ። ክኢላታት ተመሓላለፍቲ ሕማማት እዚ ቫይረስ መጀመርታ ካብ እንስሳት ናብ ሰብ ከም ዝተመሓላለፈ ይኣምኑ።
ቀንዲ ትኹረቶም ድማ ኣብ መበገሲ እቲ ለበዳ ዝኾነ ዕሙር ዕዳጋ ውሃን ኮይኑ፡ እቲ መጽናዕቲ ዘካይድ ዝነበረ ጉጅለ ስርሑ ወዲኡ ኣሎ። ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ መዓስ ዕላዊ ይኸውን ዝብል ግን ገና ኣይተፈልጠን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







