ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ውሽጢ 90 ደቒቕ ውጽኢት ዝህብ መመርመሪ ኮቪድ-19ን ጉንፋዕን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ብሪጣንያ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ኣብ ውሽጢ 90 ደቒቕ ውጽኢት መርመራ ኮሮናቫይረስን ጉንፋዕን ዘፍልጥ መመርመሪ፡ ናብ ኩሎም ቤተ ፈተነን ናይ ክንክን ቦታታትን ክባጻሕ እዩ።
እዚ ካብ ጎሮሮ ብዝውሰድ ቅምሶን ቅምሶ ደምን [ዲኤንኤ] ዝግበር መርመራ ድማ፡ ኮቪድ-19ን ወቕቲ ሓልዮም ዘጋጥሙ ሕማማትን ኣብ ምፍላይ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ።
ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር፡ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን "ዝለዓለ ረብሓ" ክህበና እዩ ይብሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 75 ሚኢታዊት ውጽኢት ናይቲ ምርመራታት ኣብ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክፍለጥ ክኢሉ'ዩ።
ክንክን ዘድልዮም ሰባት ኣብ ዝናበዩሎም ማእከላት ምርመራታት ንምግባር ሕጽረት የጋጥም ምህላዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ፡ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሩ ግን ኣስታት ፍርቂ ሚሊዮን እዚ ሓድሽ መመርመሪ ኣቕሓ፡ ናብ ኣብያተ ፈተነን መሐብሐቢ ማእከላትን ክለኣኽ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ካብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ዲኤንኤን መመርመሪ ናውቲ ኣብ መላእ ናይ መንግስቲ ሆስፒታላት ክህልዋ ክግበር እዩ።
ኣብ ዝመጽእ ወርሒ፡ ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾና መመርመሪ ናውቲ፡ ውጽኢት መርመራ 5.8 ሚሊዮን ቅምሶታት ኣብ ምፍላጥ ክሕግዛ ምዃነን ሰብ መዚ ጥዕና ብሪጣንያ ኣፍሊጦም።
ሚኒስትሪ ጥዕና ማት ሃነኮክ፡ ነዚ ምህዞ መመርመሪ ኮሮናቫይረስ፡ "መድሕን ህይወት" ክብል ገሊጹዎ።
"90 ደቒቕ ኣብ ዘይመልእ ውጽኢት መርመራ ሚሊዮናት ቅምሶታት ክሕብር ዝኽእል ስለ ዝኾነ፡ ብቕልጡፍ ነቲ ናይ ምትሕልላፍ ዕድላት ክንዓግቶ ክሕግዘና'ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሞንጎ ኮቪድ-19ን ጉንፋዕን ዘሎ ውጽኢት ብቐሊሉ ዝፈሊ ምዃኑ፡ ሕሙማት ትኽክለኛ ማዕዳ ሓኪም ንክረኽቡን ንርእሶም ክሕልውን ኣብ ምግባር ዓብዪ እጃም ኣለዎ" ኢሉ።
ትማሊ ኣብ ብሪጣንያ 8 ሰባት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ክሞቱ ከለው፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 46 ሽሕን 201 በዚ ቫይረስ ሞይቶም።
ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ድማ 744 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







