ፊሊስ ኦሚዶ፡ ንኣፍረይት ባትሪ 'ሊድ'ን በከልትን ሞጊታ ዝረትዐት ጓል ኣንስተይቲ

ተሓላቒት ከባቢ መንግስቲ ኬኒያ ፍሊስ ኦሚዶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ን10 ዓመታት ተሓላቒት ስነ ከባቢ ኮይና ተሟጊታ።

ብሳላ ሽምጣ ገቲራ ሓደ ፋብሪካ ብዘስዓቦ ብኽለት 'ሊድ' ንዝተጠቕዑ ሕብረተሰብ ዝተቓለሰት ድማ 12 ሚሊዮን ዶላር ሽልማት ተዓዊታ።

ብ2009 ተሓላቒት ከባቢ ፊሊስ ኦሚዶ፡ ካብቲ ፋብሪካ ዝወጽኡ ነገራት ንነበርቲ "ቀተልቲ" ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ነቲ ባትሪ ዳግም ኣብ ረብሓ ኣብ ምውዓል ዝሰርሕ ተቖጺራ እትሰርሓሉ ትካል መዘኻኸሪ ሓሳባ እንተካፈለቶ'ውን፡ ካልኣይ መዓልቲ ከምዚ ክትብሊ ከይንሰምዓኪ ዝብል ምላሽ እዩ ሂቡዋ።

እዚ፡ ዳርጋ ኣብ ህይወታ ኣፍኪ ሓዚ ዝተባህለትሉ ኣጋጣሚ እኳ እንተኾነ፡ ንሳ ግን ሓሳብ ልቦም ክትመልእ ትም ክትብል ኣየፍቀደትን።

እዛ ምርቕቲ ምምሕዳር ቢዝነስ፡ ጓል 31 ዓመት ምስ ኮነት ኣብ ትካል ምፍራይ ሓጺን ኬኒያ ተቖጺራ ስራሕ ጀሚራ።

እዚ ኣብ ሞምባሳ ዝርከብ ትካል፡ 'ሊድ' ንምርካብ ዝኣረጉ ባትርታት ዳግም ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ዝገብር ትካል እዩ።

መርዛም ዒግታ/ትኪ

ካብቲ ትካል ዝወጽእ ተረፈ ምህርቲ ኣብቲ ከባቢ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ንምፍላጥ መጽናዕቲ ክትገብር ተኣዚዛ።

ዳይሬክተራት እቲ ትካል ግን፡ ነቲ ዝተረኽበ ውጽኢት መጽናዕቲ ተደሪኾም ስርሖም ብኣግባቡ ክሰርሑ ኣይደለዩን ወይ ኣይክኣሉን።

እቲ ባትሪ ኣብ ዝመከሉ እዋን ሓያል መርዛም ዒግታን ፈሳስን እዩ ዝወጽእ። እዚ ድማ፡ ነቶም ኣብ ጥቕኡ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ነበርቲ ኦዊሞ ኡህሩ ኣዝዩ ሓደገኛ ነይሩ።

ማይን ኣየርን ስለ ዝብክል፡ እቶም ነበርቲ ክርድኦም ብዘይክእል ሕማማት ክጥቅዑ ጀሚሮም።

እዚ ኣብ ሰራሕተኛታት'ውን ተመሳሳሊ ጉድኣት የብጽሕ ነይሩ።

ብ2009 ግን፡ ፊሊስ ኦሚዶ እቲ ትክእን ካብቲ ፋብሪካ ዝወጽእ ረሳሕ ፈሳስን ኣብቲ ከባቢ ኮነ ጥዕና ሕብረሰተብ ብዛዕባ ዘብጽሖ ዘሎ ጉድኣት እትፈልጦ ሓቂ ኣይነበራን።

ህጻናት ባህሪያቱ ብዘይፍለጥ ሕማምን ሕማማት ቆርበትን ይጥቅዑ ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, CJGEA

ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተወት ኣብ ዙርያ ስነ ከባቢ ዘድህብ ትምህርቲ ክትመሃር እኳ ባህጊ እንተነበራ፡ ቅድሚ 15 ኣዲኣ ምስ ሞተት ከዕብዩዋ ዝወሰዱዋ ስድራ ግን ቀልጢፋ ስራሕ ክትረኽበሉ እትኽእል ትምህርቲ ክኸውን ኣለዎ ብምባሎም ምምሕዳር ቢዝነስ ከተጽንዕ ተገዲዳ።

ሚስጢራዊ ሕማም

ካብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተመረቐት ዝኣተወቶ ስራሕ ግን፡ ኣብ ሓደ ነቲ እትፈትዎ ከባቢ ዝጭነቕ ዘይመስል ኩባኒያ እዩ ኮይኑ።

ከምዚ ኢላ ስርሓ ትቕጽል፤ ብ2010 ግን ወዲ ክልተ ዓመት ወዳ ይሓምም።

ናብ ሕክምና እናተመላለሰ ክትትልን መርመራን እንተተገበረሉ'ውን እንታይ ዓይነት ሕማም'ዩ ዝብል ክፍለጥ ኣይክኣለን።

እቲ ሕማም እናበርትዖ ምስ ከደ ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ፤ መርመራ ብኽለት 'ሊድ' ክገብር ከም ዘለዎ ድማ ተነጊሩዋ።

እቲ ህጻን፡ ኣብ ደሙ ሓደገኛን ሓያልን መጠን ሊድ ከም ዘሎ ብምርመራ ይረጋገጽ።

A test tube with a lead test
Getty Images
Lead poisoning

  • The metal is toxicand can contaminate the soil causing health problems

  • Blood and kidneysas well as other organs call all be affected

  • Childrenare particularly vulnerable to the impact on the brain

  • Battery recycling,e-waste and paint are among the biggest sources of poisoning

Source: WHO, Pure Earth
Transparent line

እዚ፡ ካብ ጸባ ጡብ ዝመጽአ ከም ዝኾነ ምስ ተነገራ ድማ ኣዝያ ትስንብድ።

ሓሪቓ፤ እቲ ኩባኒያ ወጻኢታት ሕክምና ወዳ ክሽፍን ጸቕጢ እናገበረት ስርሓ ደው ኣቢላ።

ካልኦት ሰለስተ ህጻናት እቲ ከባቢ'ውን ክምርመሩ ገይራ። ሕጂ'ውን እቲ ውጽኢት መርመራ ነቲ ውሽጣ ዝፈርሖ ዝነበረ ብኽለት ዘረጋግጽ እዩ ኮይኑ።

'ባዕልኺ ትፍሕስዮ ዘለኺ'ዩ'

ነዞም ውጽኢታት መርመራ ብምሓዝ፡ ፊሊስ ኦሚዶ መንግስታዊ ትካላት ነዚ ብኽለት ደው ንምባል ጸቕጢ ክገብሩ ደብዳቤታት እንተጽሓፈት'ውን፡ ቆላሕታ ዝገብር ኣካል ኣይተረኽበን።

በዓል መዚ ሃገራዊ ምምሕዳር ስነ ከባቢ ኬኒያ "መልሲ ጽሒፉለይ'ዩ፤ ግን ድማ እቲ እትብልዮ ዘለኺ ፈጠራ እዩ ብምባል ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክካታዕ ከም ዝኽእል እዩ ገሊጹለይ" ኢላ።

እቲ ትካል ካብዚ በዓል መዚ እዩ ፍቓድ ስራሕ ተዋሂቡዎ።

ንሳ ግን፡ እቲ እትብሎ ዘላ ሓቂ ምዃኑ ብቀጻሊ ንምእማን ካብ ትካላት ሓለዋ ስነ ከባቢ ገንዘብ ብምትእኽኻብ ተወሳኺ መርመራ ብክለት ሊድ ክግበር ምንቅስቓስ ጀሚራ።

ፊሊስ ኦሚዶ ዝወደበቶም ሰልፊታት ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, CJGEA

መግለጺ ስእሊ, ፊሊስ ኦሚዶ ዝወደበቶም ሰልፊታት ተቓውሞ

በዚ ምኽንያት ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈላለዩ መጥቃዕታት ክበጽሑ ጀሚሮም።

"ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ሰልፊ ይውድብ። ግን ድማ ሓደ መዓልቲ ምስ ተኣሰርኩ ንዋሕስ ዝኸውን ገንዘብ'ውን ኣይነበረንን። ካልኦት 17 ብዋሕስ ከውጽኦም ዘለኒ ሰባት'ውን ነይሮም" ትብል።

ብ2012 ንሓደ ለይቲ ተኣሲራ ክትሓድር እንከላ፡ ኣብ ሞምባሳ ሰልፊ ብምውዳብ ዓመጽ ከተልዕል ፈቲና ዝብል ክሲ ቀሪቡላ።

ኣብዚ ግዜ፡ ክልተ ትካላት ሓገዝ ፍትሒ ጠበቓታት ብምዃን እንትካትዑላ ገንዘብ'ውን ከፊሎምላ። ካልኦት ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፉ ሰባት መረዳእታ ክርከብ ስለ ዘይክኣለ ተፈቲሖም።

ማህረምቲ

ፊሊስ፡ ተስፋ ቖሪጻ ዝጀመረቶ ቃልሲ ጠጠው ከተብሎ ዝደለየትሉ መዓልቲ ነይሩ'ዩ።

ሰበ ስልጣን ዝተፈላለየ ግህሰት የብጽሑላ ብምንባሮ ሰጊኣ ክትገድፎ ኣብ ጫፍ በጺሓ ከም ዝተመለሰት እያ ተዘንቱ።

ሓደ መዓልቲ ኣብ ጥቓ ገዝኣ ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ዕጡቕ ሰብ ድሕሪ ዘብጽሐላ መጥቃዕቲ ንኣዋርሕ ካብ ገዝኣ ከይወጽአት ተሓቢኣ እቲ ናይ ጭንቂ እዋናት ኣሕሊፋቶ እያ።

"ጎረባብተይ ስለ ዘርከቡለይ'የ ተሪፈ። ናይ መኪንኡ መብራህቲ ናብቲ ተወቒዐ ዝወደቕኹሉ ባይታ ኣዐርኡ የብርህ ነይሩ፤ ወደይ ድማ ብኣውያት ሓገዝ ይጽውዕ ነይሩ" ኢላ።

በዚ ምኽንያት፡ ካልእ ተሪፉ ንውላዳ ኣይትግደስን እያ ብዝብል ስድርኣ በቲ ንሳ እትገብሮ ጎስጓስ ሕጉሳት ኣይነበሩን።

ህጻናት ብዝተፈላለዩ ክድሕኑ ዘይክአሉ ሕማማት ቆርበት ይጥቅዑ

ምንጪ ስእሊ, CJGEA

ግን ድማ፡ "ብዙሓት ብኣይ ዝተኣማመኑ ሰባት ነይሮም፤ ብዙሕ ዋጋ'ውን ስለ ዝኸፈሉ ጠጠው ከብሎ ኣይደለኹን" ኢላ።

ብ2011፡ ፖሊስ ኣብ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ነበርቲ መንብዒ ጋዝ ምጥቃሙ ሓደ ካብ እትዝክሮም "ልቢ ዝትንክፉ" ተጓንፎታት እዩ።

"ሽዑ ኣብ ገዛ ዝተሓብአ ዘይሕጋዊ ነገር ኣሎ ክንፍትሽ ኢና ብዝብል ብዙሓት ናይ ሰባት መንበሪ ገዛ ዘሚቶም። እዞም ሰባት ግን ትሑት እቶት ዝረኽቡ ድኻታት እዮም ነይሮም። ኣብ ክንድኦም ንዓይ ምኣሰሩኒ ኢለ ተመንየ" ትብል።

ፊሊስ ኦሚዶ፡ ከምዚ እናበለት ንልዕሊ 10 ዓመታት ተቓሊሳ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዳቶ።

እዚ ሕጂ ዝተዓወተትሉ 12 ሚሊዮን ዶላር ድማ፡ ሓላፍነቶም ንጎኒ ገዲፎም ብዝተባህሉ ትካላት መንግስትን ዳይሬክተራት እቲ ብ2014 ዝተዓጸወ ኩባኒያን እዩ ክኽፈል።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ከባቢ ኦዊኖ ኡሁሩ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ከጽርዮ ኣዚዙ፤ እዚ እንተዘይተፈጺሙ ብገንዘብ ክቕጻዕ እዩ።

"ገንዘብ ነቲ ኹሉ 3000 ሕብረሰተብ እቲ ከባቢ ዝሓለፎ መከራ ዘከሓሕሶ ኣይኮነን። ይኹን'ምበር ወጻኢታት ሕክምና ኣብ ምሽፋን ክሕግዝ ይከውን" እያ ትብል።

መንግስቲ'ውን ዝተፈረዶ ካሕሳ ኣብ ምኽፋል ጽቡቕ ድሕረ ባይታ ስለ ዘይብሉ እዚ ገንዘብ እኹል ካሕሳ እዩ ኢላ ኣይትኣምን።

ክሳብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ዕድኡ ንክኸፍል ግዜ ተዋሂቡዎ ኣሎ። እዚ እንተዘይኮይኑ ኦሚዶ ዳግም ቓልሳ ክትጅምሮ እያ።