ኣብ ውሽጢ ገዛና ዘሎ ኣየር፡ ጠንቂ ጥዕናና ከይኸውን እንታይ ንግበር?

ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝቕመጡ ዝተፈላለዩ ተኽሊታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብኽለት ኣየር፡ ብዙሓት ሃገራት ዘጸግመን ዘሎ ጉዳይ ኾይኑ፡ በብዓመቱ ክሳብ ሸውዓተ ሚሊዮን ዝበጽሑ ሰባት፡ ምስ ብኽለት ኣየር ብዝዛመዱ ጸገማት ይሞቱ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ፡ ካብ ዓሰርተ ሰባት እቶም ትሸዓተ፡ ብዝትንፍሱዎ ኣየር፡ መንሽሮ ሳንቡእ ንዝኣመሰሉ ሕማማት ይቃልዑ።

እዞም ብዓይኒ ዘይርኣዩ በከልቲ ንጥረ ነገራት፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ እንትኾን ድማ ሳዕቤኖም ከቢድ'ዩ።

ብመሰረት ሓድሽ ዝወጽአ መጽናዕቲ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ብዘጋጥም ብኽለት ዝበጽሕ ጉድኣት፡ ካብቲ ደገ ዘሎ እንትነጻጸር፡ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ዕጽፊ ይዛይድ ይብል።

ኾይኑ ግና፡ እቲ ሳዕቤን ንምንካይ ዝተፈላለየ መገዲ ምጥቃም ይከኣል'ዩ። እዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ነጥቢታት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ከጋጥም ንዝኽእል ብኽለት ኣየር ንምክልኻል ዝጠቅም ሓበሬታ ኣለዎም።

1. ኣየር ብዝግባእ ክዘዋወር ምግባር

ኣየር ኣብ ውሽጢ ገዛ ብዝግባእ ዘይዘዋወር እንተኾይኑ፡ እቶም በከልቲ ዝኾኑ ንጥረ ነገራት ኣብ ውሽጢ ገዛ ተዓፊኖም'ዮም ዝተርፉ።

በርን መስኮትን እንተውሓደ ኣብ መዓልቲ ክልተ ወይ ሰለስተ ግዘ ተኸፊቶም፡ ን20 ደቓይቕ ንፋስ ክረኽቡ ብምግባር፡ በከልቲ ንጥረ ነገራት ካብቲ ገዛ ክወጽእሉ ዝኽእል ዕድል ሰፊሕ'ዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ መግቢ ድሕሪ ምብሳልን ነብስኻ ድሕሪ ምሕጻብን፡ እቲ ገዛ ክናፈስ ምግባር ኣገዳሲ'ዩ።

ኣየር ብዝግባእ ክዘዋወር ምግባር ኣገዳሲ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

2. ኣብ ውሽጢ ገዛ ተኽሊ ክህሉ ምግባር

ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝቕመጥ ተኽሊ ዚያዳ ንዓይኒ ዝፈጥሮ ሃሴት፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ንዝህልው በከልቲ ንጥረ ነገራት ኣብ ምውጋድን፡ ካርበን ዳይ ኦክሳይድ ዓቢጡ ኣብ ምሓዝን ልዑል ግደ ኣለዎ።

ኾይኑ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝቕመጡ ኣትኽልቲ ግቡእ ክትትል ዘይግበረሎም እንተድኣ ኾይኑ፡ ጎዳእቲ ዝኾኑ ንጥረ ነገራት ናብ ኣየር ክሰዱ ይኽእሉ'ዮም። ስለዝኾነ፡ ኩል ግዘ ማይን ጽቡቕ ኣየርን ክረኽቡ ምግባር ኣገዳሲ'ዩ።

3. ጨና ዘለዎም ፈሰስቲ ምውጋድ

ኣብ ዝኾነ ሰዓት፡ እትጥቀሙሎም ጨና ዘለዎም ነገራት ገዲፎምዎ ዝኸዱ ጎዳኢ ንጥረ ነገር ኣሎ። እዚ ድማ፡ ኣብ ሰውነትና ብፍላይ ድማ ሳንቡእና ዘሕድሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ልዑል'ዩ።

ኣብ ውሽጢ ገዛ ሽጋራ ምትካኽ ልዑል ጉድኣት ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

4. ኣብ ውሽጢ ገዛ ሽጋራ ዘይምትካኽ

ሽጋራ ምትካኽ ባዕሉ ጉድኣቱ ኸቢድ ኾይኑ እናሃለወ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ምትካኽ ድማ፡ ሓደግኡ የኽብዶ።

ናይ ሽጋራ ጡሽ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ እንትእከብ፡ (ብፍላይ ድማ በርን መስኮትን ዝተዓጸወ እንተኾይኑ) ኣይኮነን እንዶ ንዘትክኽ፡ ንዘየትክኽ'ውን ከቢድ ሓደጋ ኣለዎ።

ኣብ ውሽጢ ገዛ ሽጋራ ካብ ዘትክኹ ስድራ ዝውለዱ ህጻናት ድማ፡ ንሃንደበታዊ ሞት ዝተቓልዑ'ዮም።

5. ጽሬት ገዛኻ ምሕላው

•እትድቅስሉ ዓራት መዓልታዊ ኣጽርዩ

•ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝህሉ ራሕሲ ምንካይ

•መንጸፍ ብተደጋጋሚ ምጽራይ

•ሓጻቢት ክዳን መሽን እንተድኣ ሃልያ ድማ፡ ኣብ ጥቓ መስኮት ክትቕመጥ ኣለዋ

•ናብ ውሽጢ ገዛ ርስሓት ከይኣቱ ዝከላኸል ድማ ምቕማጥ