'ናይ ንጉሆ ሰባት'፡ ትሑት ተቓላዕቲ መንሽሮ ጡብ'ዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራመርቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ንጉሆ ትትስእ ጓል ኣንስተይቲ፡ ንመንሽሮ ጡብ ዘለዋ ተቓላዕነት ትሑት'ዩ ኢሎም።
እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ዝርከብ ጉጅለ፡ ድቃስ ንጥዕና ዘለዎ ረብሓ'ውን ክዝንጋዕ የብሉን ኢሉ።
ኩሉ ሰብ፡ ናይ ነብሱ ሰዓት ዘለዎ እንትኾን፡ እዚ ሰብነትና ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ከመይ ክሰርሕ ከምዘለዎ ዝገንሕ'ዩ።
እዚ ሰዓት፡ ካብ እንድቅሰሉ ጀሚሩ ክሳብ፡ ዝህልወና ስምዒታትን ጸገም ጥዕና ልብን ዝቆጻጸር'ዩ።
እንተኾነ ግና፡ ናይ ኩሉ ሰብ ናይ ነብሲ ሰዓት ሓደ ዓይነት ሰዓት ኣይነግርን።
ናይ ንጉሆ ሰባት፡ ካብ ድቃሶም እንክትስኡ ኣንጊሆም'ዩ፤ ቐትሪ ድማ ቶሎ ዝረፍዶም፣ ምሸት'ውን ቐልጢፎም ዝደኽሙ ዓይነት ሰባት'ዮም።
ናይ ምሸት ሰባት ድማ፡ ንጉሆ ምትሳእ ዝዕቅቦም፣ ረፋድ ዚያዳ ኣፍረይቲ ኮይኖም፡ ቐልጢፎም ምድቃስ ዘይመርጹ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣባል እቶም ጉጅለ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል፡ ዶክተር ርብቃ ሪችሞንድ፡ "ኩነታትን ሰዓትን ድቃስ ክመሓየሽ ዝኽእል ብምዃኑ፡ በብግዝኡ ዝርከቡ ውጽኢታት መጽናዕቲ ጠቐምቲ'ዮም" ትብል።
"ቅድም ኢሎም ዝካየዱ ዝነበሩ መጽናዕታት፡ ናይ ስራሕ ሽፍቲ ዘለዎ ጽልዋ ዘተኮሩ ነይሮም፤ እዚ ናይ ሕጂ ግና፡ ድቃስ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ጽልዋ ዝጠመተ'ዩ"።
ዕድመን ድሕረ ባይታ ስድራን፡ ንመንሽሮ ጡብ ምኽንያት'ዮም ካብ ሞንጎ ዝበሃሉ'ዮም። ብመሰረት ሓበሬታ መጽናዕቲ መንሽሮ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ኣስታት ርብዒ ሕማማት መንሽሮ ምክልኻል ዝከኣሉ'ዮም።
ዶክተር ርብቃ ከምእትብሎ ድማ፡ እቶም ዝወጽኡ ውጽኢታት መጽናዕቲ ማእኸል ጌርካ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ግልጺ ዝኾነ ማዕዳ ዝልገሰሉ እዋን ገና'ዩ እየ ኣትብል።
"ሕጂ'ውን ናይ ምሸት ሰባት ዚያዳ እቶም ናይ ንጉሆ ሰባት፡ ብመንሽሮ ጡብ ዝጥቅዓሉ ምኽንያት ክንፍለጥ ይግባእ" ትብል።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







