ኣርባዕተ፡ ኣብዚ ሰሙን ዝህልው ፍጻሜታት

ሸውዓተ መዓልታት እዚ ሰሙን ዝተፈላለዩ ዓለማዊ ዛዕባታት ከተኣናግዱ'ዮም።

1) ወሳኒ ምርጫ ኣሜሪካ

ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ

ኣሜሪካውያን ጽባሕ ኣብ ዝህሉ ናይ ፍርቂ-ወቕቲ ምርጫ ድምጾም ክህቡ'ዮም።

እዚ ኣብ ናይ ኣርባዕተ ዓመት እዋን ፕሬዝደንታዊ መሪሕነት ኣብ ዘለው ክልተ ዓመታት ዝካየድ ምርጫ፡ ብዛዕባ እቶም ዝተርፉ ዓማውቲ ፕሬዝደንት ትራምፕ ዝውስኑ ክኾኑ'ዮም።

ድምጾም ዝህቡ ሰባት ድማ፡ ኣባላት ሰኔትን ወከልቲ ህዝብን ክመርጹ'ዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝድግፉ ኣባላት'ዮም ኣባላት ክልቲኡ ኮንግረንስ።

ኮይኑ ግና፡ ኣባላት ዲሞክራት ክልቲኡ ወይ ሓዲኡ እንትድኣ ዝዕወቱ ኾይኖም፡ መደባት ትራምፕ ጠጠው ከብሉ ወይ ከዘናግዑዎ ይኽእሉ'ዮም።

2) ዝኽሪ ኲናት ዓለም

ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ 100 ዓመት መሊኡዎ

ምንጪ ስእሊ, PA

ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ ዝመጽእ ሰንበት 100 ዓመት ክመልኦ'ዩ።

እዚ መዓልቲ ዝኽሪ እቲ ኲናት፡ ኣብ 1918 ዓመተ ፈረንጂ ዝተበጽሐ 'ውዕሊ ኣርሚስቲክ' ንምዝካር እንትኾን፡ እዚ ውዕሊ እቲ ንኣርባዕተ ዓመት ዝተኻየደ ውግእ ጠጠው ከብል ገይሩ'ዩ።

ጀርመን መሻርኽታ ምስ ዝነበራ ሃገራት ዝፈረመቶ እዚ ውዕሊ፡ ኣብ ኣውሮጳ ዝምዘዛ ዝነበራ ኣፈ ሙዛት ክዓርፋ ገይሩ'ዩ።

ኣብቲ እዋን ልዕሊ 30 ሃገራት ኲናት ዝኣወጃ እንትኾን፡ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ወተሃደራትን ስቪላትን ሞይቶም'ዮም።

3) ፌስቲቫል ዲዋሊ

ዲዋሊ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንሓሙሽተ መዓልቲ ዝበዓል ፌስቲቫል ሂንዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፌስቲቫል ሂንዱ ዲዋሊ፡ ሮቡዕ ክጅመር'ዩ።

እዚ ኣብ ደቡብ ኤዥያ ኣዝዩ ፍሉጥ በዓል ኮይኑ፡ ቡድሂስት፣ ጃይንስ፣ ሲክሽን ሂንዱን ዘብዕሉዎ ፌስቲቫል'ዩ።

ኣባይቲ፣ ሹቓትን ህዝባዊ ቦታታትን ብዝተፈላለዩ መመላኽዒታትን ባህላዊ ሙዚቃን ይምዕርጉ።

ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ መዓልታት ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ክበዓል'ዩ።

4) ምትእኽካብ ደቂ ኣንስትዮ ፖለቲከኛታት

ሓወልቲ ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሚሊሴንት ጋሬቴ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መጻኢ ሓሙስ፡ ልዕሊ 100 ደቂ ኣንስትዮ ፖለቲከኛታት ዓለም ኣብ ፓርማላ ብሪጣኒያ ክራኸባ'የን።

ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ፓርላማ ዝርከባሉ እዚ ኮንፈረንስ፡ ካብ ባንግላድሽ፣ ኣፍጋኒስታንን ብራዚልን ዝመጽኣ ፖለቲከኛታት ሓዊሱ ከሳትፍ'ዩ።

አኣብዚ ዕለት፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካ ዝገጥመን ዘሎ ዓጸቦን፡ ከመይ ቑጽሪ ኣባላት ፓርላማ ደቂ ኣንስትዮ ምዕባይ ይከኣልን ዝብሉ ጉዳያት ክዝተየሎም'ዩ።