ናይ ስሙይ ፈረንሳዊ ገጣሚ ሻርል ቦድሌር ወረቐት ኑዛዘ ብጨረታ ተሸይጡ

ሻርል ቦድሌር

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሻርል ቦድሌር፡ ፈረንሳይ ኣለዉኒ ካብ እትብሎም ስሙያት ገጠምቲ ሓደ እዩ

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን፡ ገጣሚ ዝነበረ ፈረንሳዊ ሻርል ቦድሌር፡ ንገዛእ ርእሱ ከምዘጥፍእ ዝፀሓፈሉ ብጣስ ወረቐት፡ 7.3 ሚልየን ብር ተሸይጡ።

እዚ መዘከርታ፡ 30 ሰነ 1845 ከም ኣቆፃፅፃራ ኣውሮጳውያን፡ ንኣፍቃሪቱ ዣን ዱቫል እዩ ተፃሒፉ።

ኣብቲ እዋን፡ ሻርል ወዲ 24 ዓመት ዝነበረ እንትኸውን፡ እዛ ደብዳበ ኣብ ዝፀሓፈሉ እዋን፡ ንገዛእ ርእሱ ከጥፍእ ፈቲኑ፡ ኣይተሳኽዐሉን።

ከምዚኦም ዓይነት ጨረታታት ዘፋልጥ ድሕረ ገፅ ኦዝና፡ እዚ ብውሩይ ገጣሚ ሻርል ዝተፅሓፈ ደብዳበ፡ ካብ ዝተገመተሉ ዋጋ ሰለስተ ዕፅፊ ንሓደ ውልቀ ሰብ ከምዝተሸጠ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ደብዳበ፡ ንኣፍቃሪቱ "እዚ ደብዳበ እንትበፅሐኪ ሞይተ ኣለኹ" ዝብል መልእኽቲ ፅሒፉላ ነይሩ።

"ናይ ምንባር ድሌተይ ካብ ውሽጠይ ስለዝተፀንቀቐ ወይ ድማ ደቂስካ ምልዓል ዝለዝተሃከየኒ እየ፡ ንገዛእ ርእሰይ ዘጥፍእ ዘለኹ" ክብል ኣብቲ ደብዳበ ተናዚዙላ ነይሩ።

7 ነጥቢ 3 ሚሊዮን ብር ዝተሸጠ ኑዛዘ ወረቐት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ስሙይ ፈረንሳዊ ገጣሚ ሻርል ቦድሌር ነዚ ደብዳበ ዝፀሓፈ፡ ናይ ገንዘብ ፀገም ስለዝነበሮ እዩ

ቦድሌር ብውርሲ ዝረኸቦ ገንዘብ፡ ኣባኺኑ ኣብ ፀገም ድሕሪ ምጥሓሉ፡ ንገዛእ ርእሱ ንምቕታል፡ ኣብ ኣፍ ልቡ ዝወግአ እንትኸውን፡ ፈተንኡ ግና ንዝኸፍአ ጉድኣት እንከየሳጥሖ ተሪፉ።

ይኹን እምበር ንገዛእ ርእሱ ንምጥፋእ ካብ ዝፈተነላ ዕለት ብድሕሪኡ፡ ን 22 ዓመታት ነቢሩ እዩ። ሻርል ቦድሌር 'ሌ ፍለር ዱ ማል' ብዝብል ተኸታታሊ ፅሑፉ ኣዝዩ ህቡብ ኮይኑ ነይሩ።

ብናይ ግጥሚ ስራሕቱ ኣብ ስነ-ፅሑፍ ፈረንሳይ፡ ፅዕንቶ ከምዝፈጠረ ዝዝረበሉ ሻርል ቦድሌር፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1867፡ ብፆታዊ ርክብ ብዝመሓላለፍ ሕማም እዩ ህይወቱ ሓሊፉ።