ናይ ስሙይ ፈረንሳዊ ገጣሚ ሻርል ቦድሌር ወረቐት ኑዛዘ ብጨረታ ተሸይጡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን፡ ገጣሚ ዝነበረ ፈረንሳዊ ሻርል ቦድሌር፡ ንገዛእ ርእሱ ከምዘጥፍእ ዝፀሓፈሉ ብጣስ ወረቐት፡ 7.3 ሚልየን ብር ተሸይጡ።
እዚ መዘከርታ፡ 30 ሰነ 1845 ከም ኣቆፃፅፃራ ኣውሮጳውያን፡ ንኣፍቃሪቱ ዣን ዱቫል እዩ ተፃሒፉ።
ኣብቲ እዋን፡ ሻርል ወዲ 24 ዓመት ዝነበረ እንትኸውን፡ እዛ ደብዳበ ኣብ ዝፀሓፈሉ እዋን፡ ንገዛእ ርእሱ ከጥፍእ ፈቲኑ፡ ኣይተሳኽዐሉን።
ከምዚኦም ዓይነት ጨረታታት ዘፋልጥ ድሕረ ገፅ ኦዝና፡ እዚ ብውሩይ ገጣሚ ሻርል ዝተፅሓፈ ደብዳበ፡ ካብ ዝተገመተሉ ዋጋ ሰለስተ ዕፅፊ ንሓደ ውልቀ ሰብ ከምዝተሸጠ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ደብዳበ፡ ንኣፍቃሪቱ "እዚ ደብዳበ እንትበፅሐኪ ሞይተ ኣለኹ" ዝብል መልእኽቲ ፅሒፉላ ነይሩ።
"ናይ ምንባር ድሌተይ ካብ ውሽጠይ ስለዝተፀንቀቐ ወይ ድማ ደቂስካ ምልዓል ዝለዝተሃከየኒ እየ፡ ንገዛእ ርእሰይ ዘጥፍእ ዘለኹ" ክብል ኣብቲ ደብዳበ ተናዚዙላ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቦድሌር ብውርሲ ዝረኸቦ ገንዘብ፡ ኣባኺኑ ኣብ ፀገም ድሕሪ ምጥሓሉ፡ ንገዛእ ርእሱ ንምቕታል፡ ኣብ ኣፍ ልቡ ዝወግአ እንትኸውን፡ ፈተንኡ ግና ንዝኸፍአ ጉድኣት እንከየሳጥሖ ተሪፉ።
ይኹን እምበር ንገዛእ ርእሱ ንምጥፋእ ካብ ዝፈተነላ ዕለት ብድሕሪኡ፡ ን 22 ዓመታት ነቢሩ እዩ። ሻርል ቦድሌር 'ሌ ፍለር ዱ ማል' ብዝብል ተኸታታሊ ፅሑፉ ኣዝዩ ህቡብ ኮይኑ ነይሩ።
ብናይ ግጥሚ ስራሕቱ ኣብ ስነ-ፅሑፍ ፈረንሳይ፡ ፅዕንቶ ከምዝፈጠረ ዝዝረበሉ ሻርል ቦድሌር፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1867፡ ብፆታዊ ርክብ ብዝመሓላለፍ ሕማም እዩ ህይወቱ ሓሊፉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







