ጉግል ብምኽንያት ጾታዊ ግህሰት ብዙሓት ሰራሕተኛታት ሰጒጉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጉግል፡ ካብ 2016 ጀሚሩ፡ ብምኽንያት ጾታዊ ግህሰት 13 ነባራት ሓለፍቲ ስራሕ ዝርከብዎም፡ 48 ሰራሕተኛታቱ ሰጒጉ።
ፈጻሚ ስራሕ እቲ ትካል፡ ሰንዳር ፒቻይ፡ ምስጓግ ሰራሕተኛታቱ ብደብዳበ ዘፍለጠ እንትኾን፡ ንከምዚ ዓይነት ኣጸያፊ ግብሪ ቦታ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።
ምስ'ዚ ጉዳይ ተዛሚዱ ኣዘራራቢ ዝኾነ፡ ጉዳይ ኣንዲ ሩበን'ዩ። ሩበን መሃሪ "ኣንድሮይድ" ዝተብሃለ ቴክኖሎጂ ኮይኑ፡ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ክወጽእ እንከሎ፡ 90 ሚልዮን ዶላር መሰናበቲ ገንዘብ ሒዙ'ዩ ወጺኡ።
ሩበን፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ጉግል ምስ ዝቐርቡ ኽሲታት፡ ጾታዊ ግህሰት'ውን ሽሙ ሓቢሩ ይለዓል።
እንተኾነ ግና ወሃቢ ቃል ሩበን፡ ሳም ሲንገር እዚ ኽሲ ነጺጉዎ'ዩ።
"ሩበን ኣብ 2014 ካብ ጉግል ክወጽእ እንከሎ፡ ስንብታ ናይ ጀግና'ዩ ተገይርሉ" ድማ ኢሉ።
ፈጻሚ ስራሕ ጉግል ሰንዳር ፒቻይ ግና፡ እዚ ንኒውዮርክ ታይምስ ዝተውሃበ ርኢይቶ፡ "ክተንብቦ'ውን ዘጸግም" ብምባል፡ ጉግል ውሕስና ዘለዎ ናይ ስራሕ ቦታ ኣብ ምፍጣር ሰኒፉ ከም ዘይፈልጥ ገሊጹ።
"ንሕና ኩሉ እቲ ይፍጸም'ዩ ተባሂሉ ነቐፌታ ዝቐርቦ ዝነበረ ጉዳይ ጾታዊ ግህሰት ብዝግባእ ኣጻሪና ኢና ስጉምቲ ወሲድና" ኢሉ።
ከም ጸብጻብ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ እንተኾይኑ፡ ክልተ ሽሞም ዘይተረቑሐ ሓለፍቲ ስራሕ ጉግል ከም ዝበሉዎ፡ ናይቲ ሽዑ እዋን ኣካያዲ ስራሕ ጉግል፡ ሩበን ብደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ይቐርብ ብዝነበረ ክስታት ጾታዊ ግህሰት ካብ ስርሑ ክለቅቕ ሓቲቱዎ'ዩ ኢሎም።
ሩበን ግና፡ ሕዚ'ውን ናይ ስራሕ ንምጅማር እምበር ጾታዊ ግህሰት ኣብጺሐ ኣይኮንኩን ካብቲ ትካል ወጺአ'ዩ ዝብል።
እቲ ጋዜጣ ሒዙዎ ዝወጽአ ጸብጻብ ካብ ዝቃላሕ፡ ጉግል ኣብ ኒው ዮርክ ዘለዎ ብጽሒት ዕዳጋ፡ ብሰለስተ ሚኢታዊት ነክዩ ኣሎ።
መኽስቡ ግና ሕጂ'ውን ኣብ ቦትኡ'ዩ ዘሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







