ዩ-ትዩብ ሙዚቃ ዘቕርበሉ ሓድሽ መተግበሪ ክኸፍት'ዩ

ሓዱሽ መተግበሪ ሙዚቃ ዩ-ትዩብ

ምንጪ ስእሊ, YouTube

ዩ-ትዩብ ምስ ሙዚቃ ኣፕልን ስፖቲፋይን ንምዉድዳር፡ ቪድዮን ድምጽን ኣወሃሂዱ ዘቕርብ ሓዱሽ ኣገልግሎት መተግበሪ ሙዚቃ ዕላዊ ክገብር'ዩ።

እዚ ሓድሽ መተግበሪ 'ሙዚቃ ዩ-ትዩብ' ብሚሊየናት ብዝቑጸሩ ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ ድረ ገጽ ዝተሰቐሉ ወግዓዊ ዝኾኑ ሙዚቃታትን ኣዋሃሂዱ ብስሩዕ መዝገብ ናብ ተጠቀምቱ ከቕርቦም'ዩ።

ልክዕ ከም ስፖቲፋይ፡ ዩ-ትዩብ ብናጻ መላለዪ ዝተሓገዘ መተግበሪ ምስ ናይ ሓደ ወርሒ 9.99 ዶላር ክፍሊት ምዝገባ ዓማዊል ከቕርብ'ዩ።

ብኩባኒያ ጎግል ዝመሓደር ዩ-ትዩብ፡ እዚ ሓዱሽ መተግበሪ ሙዚቃ ሒዙ ኣብ ቀረባ ናብ ኣዉሮጳ ክመጽእ'ዩ ኢሉ።

እንታይ ሒዙ'ዩ ክመጽእ?

ኣካያዲ ስራሕ ስራሕቲ ሙዚቃ ዩ-ትዩብ ኤሊያስ ሮማን፡ "ኣብ ሞንጎ ሙዚቃታትን ዩ-ትዩብን ዝፍጠር ናይ መላለዪ ምትዕንቓፍ ድሕሪ ሕጂ ከብቅዕ'ዩ። ክተዳምጹ ወይ ክትርእዩ እንተድኣ ደሊኹም እነሀለ" ኢሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ዩ-ትዩብ ብርክት ዝበሉ ንጽል ዜማታት፣ ኣልበማት፣ ብቐሊሉ ዘይርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዳግም ዝተሰርሑ፣ ናይ መድረኽ ሙዚቃን ካልኦት ናይ ሙዚቃ ምስሊታትን ከምዘቕርብ ሓበሬታ ሂቡ።

ሙዚቃ ዩ-ትዩብ ኣብ ቀረባ ንጎግል ፕለይ ሙዚቃ ክትክኦ'ዩ።

ተጠቀምቲ ጎግል ፕለይ ድማ ብናጻ ብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ክበጽሖም'ዩ።

ገለ ኣብ 2017 ዝለዓለ መጠን ስራሕቶም ዝሸጡ ኣርቲስታት

ብዘይካ ኣብ ቻይና፡ ዩ-ትዩብ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ሙዚቃ ዝቐርበሉ መዳይ'ዩ።

እዚ መርበብ በብወርሑ ልዕሊ ቢሊየን ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ናይ ምስሓብ ኣቕሚ እንትህልዎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተጠቀምቲ መሰል ዋንነት ኣብ ምርግጋጽን ክፍሊት ብእዋኑ ኣብ ምፍጻምን ጸገም ስለዝርኣዮም ብተደጋጋሚ ብሙዚቃ ኢንዳስትሪ ተጠቒዑ'ዩ።

በብወርሒ ልዕሊ ሓደ ቢሊየን ሰባት ኣብ ዩ-ትዩብ ሙዚቃ ይለቁ።

እተን ሓሙሽተ ሃገራት

ሕዚ ዝቐርበሎም ዘለዉ ቅዲታት ጎግል ፕለይን ዩ-ትዩብ ሬድን፡ ሸዉዓተ ሚሊየን ኸፋላይ ተጠቃሚ ኣለዎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ስፖትፋይ፡ 75 ሚሊዮን ተጠቀምቲ እንትህልዉዎ፡ ኣፕል ሙዚቃ 42 ሚሊየን ኣለዉዎ።

ኣሜሪካ፣ ኣዉስትራሊያ፣ ሜክሲኮ፣ ደቡብ ኮርያን ኒዉዝላንድን ድማ ዩ-ትዩብ እቲ ሓዱሽ መተግበሪኡ ክኸፍተለን ዝተሓረያ ሃገራት'የን።