ኢትዮጵያ፡ ጎሓፍ ፕላስቲክ ኣመሪካ ትቕበል ድያ?

ጎሓፍ ላስቲክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኢትዮጵያ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸር ተረፈ ምህርቲ ፕላስቲ ኣሜሪካ ካብ ሞንጎ ዝድርበየለን ሃገራት ሓንቲ ምዃና ጋዜጣ ዘ ጋርዲያን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እቲ ጋዜጣ፡ ምሽጢር ምውጋድ ጎሓፍ ፕላስቲክ ኣሜሪካ ኣብ ዘቃልዕ ምርመራዊ ጸብጻቡ፡ ናይ ፕላስቲክ ጎሓፍ ኣሜሪካ ናበይ'ዩ ዝኸይድ ብዝብል ንዘመናት ከም ቻይና ዝበላ ኣሜሪካ ጎሓፋ ትድርብየለን ዝነበራ ሃገራት ፖሊሲአን ስለ ዝቐየራ፡ ካልኦት ድኻ ሃገራት ከም ዝመረጸት ይሕብር።

ባንግላድሽ፣ ላኦስ፣ ሴኔጋል ካብ ኢትዮጵያ ቐጺለን ኣሜሪካ ዘየድልዩ ዝድርበዩ ፕላስቲክ እትጉሕፈለን ሃገራት ምኻን'ዩ ዘ ጋርዲያን ዝጠቅስ።

ፖሊሲ ሓለዋ ኸባቢ እዘን ሃገራት ልሕሉሕ ስለ ዝኾነ፣ ፕላስቲክ መሊስኻ ኣብ ረብሓ ምውዓል ብኽነት ብምኻኑ፡ እዘን ሃገራት ድማ ሕሳር ጉልበት ሓይሊ ሰብ ስለ ዘለወን ተመረጽቲ ይገብረን ይብል።

ነዚ ስዒቡ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ብኸመይ ጉሓፍ ሃፋትም ሃገራት ኣብ ልዕሌና ይድርበ?" ብዝብል ተቓውምኦም ክገልጹ ቐንዮም።

ይኹን'ምበር፡ ናብ ኢትዮጵያ ጉሓፍ ይድርበየ'ዩ ተባሂሉ ዝወጽአ ሓበሬታ ልክዕ ኣይኮነን'ዩ ዝብል ኮሚሽን ገረብ፣ ኸባብን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ኢትዮጵያ።

ናይ ፕላስቲክ ጉሓፍ ልዑል ጸገም ኣብ ዝኾነሉ ሃገር፡ ኢትዮጵያ ካብ ወጻእ እትቕበለሉ ዝኾነ ዓይነት ምኽንያት የለን ድማ ኢሉ ኣብ ዳይሬክተር ክትትልን ቑጽጽርን ብኽለት ኣየር እቲ ኮሚሽን ላዕለዋይ በዓል ሞያ አቶ መሰረት አብዲሳ።

"ናይ ፕላስቲክ ጎሓፍ ምንጪ ልዑል ብኽለት'ዩ፤ እዚ ንምክልኻል ኢና ንሰርሕ ዘለና። ፍቓድ ዝህብ ኣካል ዝፈቐደ ኣይመስለንን፤ ኣይህብን'ውን" ብምባል፡ መንግስቲ ጸገም ብኽለት ከተማታት ንምቁጽጻር ልዑል ትኹረት ሂቡ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን፡ ናይ ካልእ ሃገር ርስሓት ንምቕባል ፍቓደኛ ኣይኮነን ኢሉ።

ፍቓድ ተሓቲቱ ይእቶ እንተዝብሃልከ፡ ፍቓድ ዝህብ ኣካል መን ይኸውን? ነዚ፡ ኣብ ውሽጢ ኮሚሽን ገረብ፣ ኸባብን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ኢትዮጵያ ዘሎ ደረቕ ጎሓፍን ሓደገኛ ኬሚካላትን ዝብል ዲፓርትመንት ምኻኑ ኣቶ መሰረት ሓቢሩ።

እዚ ምስ ጉምሩክ'ውን ሓቢርካ ብምዝርራብ ንህዝቢ ዕላዊዊ ምስ ተገበረ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ብምግላጽ፡ "እንተኾነ ግን፡ ንጉሓፍ ፍቓድ ዝህብ ኣካል ክህሉ'ዩ ኢለ ኣይሓስብን" ኢሉ።

ገለ ትካላት ብሕቲ፡ ፕላስቲክ ከም እታወት ንምጥቃም ከእትው ከም ዝኽእሉ ዝዛረብ ኣቶ መሰረት፡ "ከእትው እንተኾይኖም ግን ኣቐዲሞም ንዝምልከቶ ኣካል ሓቲቶም ፍቓድ ክወስዱ ኣለዎም፤ ነዚ ድማ ብዙሕ ከይዲ ኣለዎ" ይብል።

ኣቶ መሰረት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምህርታት ፕላስቲክ ጥንኩር መርገጺ ከም ዘለዋ ብምዝኽኻር፡ ብመሰረት እቲ ዝወጽአ ኣዋጅ ናይ ፕላስቲክ ጉሓፍ ንምውጋድ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎን፡ እቶም ምህርታት ጥሒንካ ናብ ወጻኢ ይልኣኹ ከም ዘለውን ገሊጹ።

ዘ ጋርዲያን ዘውጽኦ ሓበሬታ ግጉይ ከም ዝኾነ'ውን ተዛሪቡ። እቲ ዝተብሃለ ጉሓፍ፡ "እዛ ሃገር ብናይ ባዕላ ኣወጋግዳ ፍርያት ፕላስቲክ ትጽገም ኣብ ዘላትሉ እዋን ኣይትቕበልን" ኢሉ ኣቶ መሰረት።