ኢንዶነዢያ፡ 6 ኪሎ ግራም ፕላስቲክ ኣብ ከብዲ ዓሳ ነባሪ ተረኺቡ

ኣብ ከብዱ 115 ኩባያታት ፕላስቲክ ዝተረኸቦ ዓሳ ነባሪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ኢንዶነዢያ ሞይቲ ዝተረኸበ ዓሳ ነባሪ፡ ሽዱሽተ ኪሎ ግራም ዝጽጋዕ ዝተፈላለየ ፕላስቲክ ጎማታት ኣብ ከብዱ ምርካቦም፡ ሓለፍቲ እቲ ፓርክ ተዛሪቦም።

እቲ ዓሳ፡ 115 ኩባያታት መስተ፣ ኣርባዕተ ናይ ማይ መትሓዚ ፕላስቲክ ጎማ፣ 25 ፕላስቲክ ቦርሳን ክልተ ሸበጥን'ዩ ኣብ ከብዱ ተረኺቡ።

ሞት እዚ ዓሳ ነባሪ ኣብ ሰብ ሞያ ስነ ኸባቢ ትኹረት ዝፈጠረ ኾይኑ፡ "ምኽንያት እቲ ሞት ክንንኪ'ኳ እንተዘይኽኣልና፡ እቲ ዝረኣናዮ ሓቂ ግና ኣዝዩ ዘጉሂ'ዩ" ኢላ መተሓባበሪ ሓለዋ እንስሳ ባሕሪ ብሄራዊ ፓርክ ዋካቶቢ ድዊ ሱፕራፒቲ።

መሊእካ እቲ ዓሳ ነባሪ ብምኽንያት እቲ ፕላስቲክ'ዩ ሞይቱ ምባል'ውን ከምዘይክኣል ትገልጽ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ናብ ማያዊ ኣካላት ምህርታት ፕላስቲክ ዝኾኑ ኣቑሑ ምድርባይ፡ ኣብ ኢንዶነዢያ ሓዊሱ ኣብ ሃገራት ደቡብ ምብራቕ ኤዥያ ልሙድ'ዩ።

ብመሰረት ኣብ 2015 ዝወጽአ ጸብጻብ ስነ ኸባቢ፡ ሃገራት ቻይና፣ ኢንዶኖዢያ፣ ፍሊፕንስ፣ ቬትናምን ታይላንድን፡ መወዳእታ 60 ሚኢታዊት ናይ ፕላስቲክ ጎሓፍ ኣብ ማያዊ ኣካላት'ዩ።

ኣብዘን ሃገራት ድማ፡ ፕላስቲክ እንስሳት ማያዊ ኣካላት በብዓመቱ ዝቐትል ምኽንያት'ዩ ተባሂሉ ይውሰድ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ታይላንስ ሓደ ንኡሽቶ ዓሳ ነባሪ 80 ፕላስቲክ ምስ ወሓጠ ሞይቱ'ዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ በብዓመቱ 10 ሚሊዮን ቶን፡ ጎሓፍ ፕላስቲክ መወዳእታ መዕለቢኡ ኣብ ማያዊ ኣካላት ከምዝኾነ ኣመላኺቱ።