ፊሊፒንስ፡ ልዕሊ ሓደ ሺሕ ቶን ዝምዘን ጎሓፍ ናብ ካናዳ መሊሳ

ኣብ ኮንተይነራት ዝተዓሸገ ናይ ፕላስቲክ ጎሓፍ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ማሌዥያ'ውን ዝተበከለ ምዃኑ ዝገለጸቶ ጎሓፍ ናብቲ ዝተበገሰሉ ዓዲ መሊሳ

ፊሊፒንስ ድሕሪ ናይ ሰሙናት ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ፡ ብኣሸሓት ኩንታል ዝምዘን ጎሓፍ ናብ ካናዳ መሊሳ።

ፕረዚደንት ሮድሪጎ ዱተርተ፡ እቲ ጎሓፍ ኣብ 2014 ናብ ማኒላ ክለኣኽ ከሎ፡ 'ዳግማይ ዝስራሕ' ፕላስቲክ ዝብል ናይ ሓሶት ጽሑፍ ተለጢፍዎ ምንባሩ ፊሊፒንስ ትገልጽ።

ካናዳ ነቲ ጎሓፍ ንመጉዓዝን ንምጎሓፍን ዘድሊ ወጻኢታት ክትሽፍን ተሰማሚዓ ኣላ።

እቲ ኣብ 69 ኮንተይነራት ዝተጽዓነ ጎሓፍ፡ ድሮ፡ ካብ ወደብ ሱቢክ ተፋንዩ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊሊፒንስ ቴዲ ሎሲን፡ እቲ ጎሓፍ ዘለዎ ኮንተይነራት ዝጸዓነት መርከብ ካብቲ ወደብ ክትፋኖ ዘርእይ ቪድዮን ስእልታትን ኣብ ትዊተር ዘርጊሑ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እዚ 1500 ቶን ዝግመት ጎሓፍ፡ ናብ ቫንኩቨር (ካናዳ) ዝተልኣኸ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ክበጽሕን ኣብ ምምንጫው ጸዓት ክውዕልን ትጽቢት ይግበር።

ሚኒስተር ኣከባቢ ካናዳ ሰነ ፍሬሰር፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "እዚ ተበግሶ፡ መርኣያ ናይቲ ካናዳ ንዓለምለኻዊ ግዴታታት ዘሎዋ ኣኽብሮት እዩ" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ ካናዳ ነቲ ጉዳይ ቅልጡፍ ምላሽ ከም ዝሃበትሉ ሓቢሩ።

ብርክት ዝበላ ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ እስያ፡ ሃገራት ምዕራብ ናብ ገማግም ባሕረን ዝለኣኽዎ ጎሓፍ፡ ገለ ክፋሉ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝተልኣኸ ምዃኑ ብምግላጽ ክመልስኦ ይሓታ ኣለዋ።

ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ናብ ካልኦት ሃገራት ዝልእኽኦ ጎሓፍ ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ፡ ቻይና ኣብ እታው ናይ ወጻሂ ሃገራት ጎሓፍ እገዳ ድሕሪ ምግባራ እዩ ተፈሊጡ።

ብምኽንያት እዚ ድማ፡ ብፍላይ እቲ ብዙሕ ግዜ 'ደጊሙ ዝስራሕ' ዝብል ዝጥቅዖ ጎሓፍ ናብ ካልኦት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ክለኣኸ ጸኒሑ።