ኮሮናቫይረስ፡ "ጀጋኑ ኢሎም ረሲዖምና" ሰራሕተኛታት ጥዕና ዓዲ ጥልያን

ምንጪ ስእሊ, PAOLO MIRANDA
ሰራሕተኛታት ጥዕና ዓዲ ጥልያን፡ ኮሮናቫይረስ ንምቊጽር ኣብ ዝተገበረ ርብርብ፡ በቲ ዘበርከትዎ ሓያል ጻዕሪ፡ ናእዳን ኣድናቖትን ኣትሪፎም እዮም።
ኣብዚ እዋን ግን፡ ኣብ ስቃይ እዮም ዘለው።
ዞባ ሉምባርዲ፡ ካብቶም ብኮቪድ-19 ብዝያዳ ዝተሃስዩ ከባቢታት ጥልያን እዩ። ፓውሎ ማራንዳ፡ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ዝሰርሕ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን ቀልጢፋ ከምዝሓርቕን ምስ ካልኦት ሰባት ብቐሊሉ ናብ ጎይቂ ምእታው ከም ዝጀመረን ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ እቲ ተስፋ ዘይህብ ዝነበረ ኩነታት ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ክስንዶ ጀሚሩ'ሎ።
"ኣብዚ እንታይ ከምዘጋጠመና ክርስዖ ኣይደልን እየ። እንዘይኮይኑ ዛንታ ኮይኑ ክተርፍእ'ዩ" ይብል።
ንሱ፡ እቲ ናይ ጥልያን ኩነታት ናብ ንቡር ይምለስ ስለዘሎ፡ ንመሳርሕቱ ከርእዮም ደሊዩ'ሎ።
"ወላ እኳ እቲ ህጹጽ እዋን እናዘሓለ እንተኸደ፡ ንሕና ግን ኣብ ጸልማት ዘለና ኮይኑ ይስመዓና። ነቲ ዝረኣናዮ ኣብ ውሽጣና ገይርና ስለንኸይድ፡ ቁስሊ ዝመልኣና ንመስል" ይብል።
ዘባህርር ግዜ
ሞኒካ፡ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ዝሰረሓት ነርስ ኮይና፡ ኣብዚ እዋን ነገራት ዝያዳ ከቢድዋ ከምዘሎ ትገልጽ።
"ቀደም ንቃለሶ ጸላኢ ነይሩና። ሕጂ ግን ግዘ ምስትንታን፡ ከምዚ ዝጠፋእኩን ከንቱን ኮይኑ ይስመዓኒ" ትብል።
ኣብ እዋን እቲ ሓያል ለበዳ፡ ብሰንኪ እቲ ስራሕ ዝጠልቦ ጻዕቒ፡ ንኸሓስቡ ግዜ ኣይነበሮምን። ኣብቲ እዋን ዝእከብ ዝነበረ ጭንቀትን መከራን ድማ፡ ሕጂ ክረኣዮም ጀሚሩ'ሎ።
"ኣነ ስእነት ድቃስን ዘባህርን ሕልምን ኣለኒ" ትብል ሞኒካ። ኣብ ሓንቲ ለይቲ ድማ 10 ሳዕ ትንፋስ ሓጺርዋ ካብ ድቃሳ ከምእትትንስእ ትዛረብ።
መሳርሕታ ኤልሳ ፒዘራ ድማ፡ ኣብ እዋን ህጹጽ ግዜ፡ ሓይሊ ይስመዓ ከምዝነበረን፡ ሕጂ ግን ዘይውዳእ ድኻም ይስመዓኒ ትብል።

ምንጪ ስእሊ, PAOLO MIRANDA
ሓዲሽ ዘይንቡር ግዜ
ማርቲና'ውን፡ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን እትሰርሕ ነርስ እያ። ንስድረኣን ኣሕዋታን ኮሮናቫይረስ ከልግበሎም እየ ዝብል ፍርሒ ስለዘለዋ፡ ክትረኽቦም ኣይትደለን እያ።
ንሳ፡ "ምስ በዓል-ቤተይ'ውን ምትንኻፍ የብልናን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፈሊ ኢና ንድቕስ" ትብል።
ማርቲና፡ ንድሕሪ ሕጂ ነርስ ኮይና ክትሰርሕ ድልየት ከምዘይብላን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመት ዘይረኣየቶ መጠን ሞት፡ ኣብዘን ክልተ ወርሒ ጥራሕ ከምዝረኣየት ትገልጽ።
እቶም ብኮሮቫይረስ ብዝያዳ ኣብ ዝተሃስየ ከባቢታት ዓዲ-ጥልያን ዝሰርሑ፡ 70 ምኢታዊት ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ሓያል ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸገም ይስምዖም ከምዘሎ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጽአ መጽናዕቲ የብርህ።
እቲ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ንነዊሕ እዋን ብክቱር ጭንቀትን ቅዛነትን ክሳቐዩ ይኽእሉ እዮም ይብል። እዚ ድማ፡ ተጊሆም ንከይስርሑ ክዕንቕፎም ይኽእል እዩ ይብል እቲ መጽናዕቲ።

ዝተረስዑ ጀጋኑ
ኣብ ዓለም፡ ኣብ ቕድመ ግንባር ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለው ሓካይምን ነርሳትን፡ ህይወቶም ወፊዮም ንኻልኦት ይሕግዙ ብምህላዎም ብዙሕ ናእዳ ይቕበሉ ኣለው።
ኣብ ጥልያን ግን፡ እዚ ናእዳን ቅቡልነትን ብብቑሩብ እናጠፍኣ ይኸይድ ኣሎ።
"ሞት ምስ ኣፍረሓቶም፡ ሃንደበት ጀጋኑ ኢሎምና፡ ብዝቐልጠፈ'ውን ረሲዖምና" ትብል ሞኒካ።
ካልኦት ሰብ ሞያ ሕከምና'ውን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ከም ጀጋኑ ነይርና፡ ሕጂ ግን ተረሲዕና ብምባል ቅረታኦም ገሊጾም።
መንግስቲ፡ ዝያዳ ገንዘብ ከምዝኸፍሎም ኣፍሊጥዎም ከምዝነበረን፡ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ገንዘብ ከምዘተቐበሉን ድማ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, PAOLO MIRANDA
ሞት ሰብ ሞያ ጥዕና
ኣብ ጥልያን፡ ብውሑዱ 163 ዶኳትርን፡ 40 ነርሳትን ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም እዮም። እቶም ኣርባዕተ ርእሰ-ቅትለት እዮም ፈጺሞም።
ብዙሓት ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ እቲ ለበዳ ከምዚ ፍጹም ዘየጋጠመ ኮይኑ ይስምዖም ኣሎ። ብዙሓት ድማ ኣብ ሻቕሎት ተዋሒጦም ይርከቡ።
እቲ ናይ ዕጽዋ እገዳ ምስ ተላዕለ፡ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ክበልዑን ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ ከምኡ'ውን ብዘይ ማሕበራዊ ምፍንታት ከዕልሉን ክርእዩ ከምዘሻቕሎም'ውን እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ይዛረቡ።
ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላታት'ውን፡ እዞም ሰራሕተኛታት ጥዕና ብዝያዳ ክሕገዙ ከምዘለዎም ከምዝምዕዱን፡ እቲ ዝገበርዎ ኣበርክቶን ተወፋይነትን ክርሳዕ ከምዘይብሉን የተሓሳስቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







