ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝፈጠሮ ፍርሕን ሻቕሎት ሕማም ስነ-አእምሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ታሪኽ ከም ኮቪድ ገይሩ ንመላእ ዓለም ብሓደ ቋንቋ ዘዛረበ ዛዕባ የሎን። ነብሲ ወከፍ ማዕከን ዜና ዓለም፡ ኮቪድ ማለት ብፍላይ ነቶም ሕዱር ሕማም ዝጸንሖምን ዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያንን ዘባህርር እዩ።
እቲ ኣፍልጦን ጥንቃቐን ንምፍጣር ዕለታዊ ዝንገር ናይ ምክልኻል ዛንታ ንብዙሓት ጭንቀት የስዕበሎም። ሃገራት ምስ ዝርገሐ እቲ ለበዳ፡ ዕጽዋ ምስ ኣወጃን ካብን ናብን ምንቅስቓስ ምስ ኣገዳን ብዙሓት መንእሰያት ብጽምዋ ተማሪሮም ብጭንቀት ሕማም ስነ አእምሮ ከምዘማዕበሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብዚ ዘበነ ኮቪድ ሰብ መዓስን ንመንን ብእዳዉ ሰላም ከምዝብል ንመን ከምዝሓቁፍ ክልተ ሳዕ ከምዝሓስብ ገይሩዎ ኣሎ። ገሊኡ ንሰብ ሰላም ካብ ዘይብል ልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ገይሩ ኣሎ። ኣብ ግዳም ብኣካላዊ ርሕቀትን ምፍንታትን ከምዝሓስብ፡ ብስራሕ ኮነ ብመገሻ ተፈልዩዎም ንዝጸንሐ ኣባላት ስድርኡ ከይተረፈ ሓቚፉን ስዒሙን ናፍቖቱ ከየውጽአ ንክልተ ሳምንቲ ነብሱ ከግልል ይግደድ።
ብዙሕ ሰብ እቲ ቀንዲ መድሕን ጥዕና ኣብ ገዛኻ ምዕጻው ገይሩ ወሲዱዎ ኣሎ። እቲ ናይ ኮቪድ ዝኸፍአ መዳዩ ንቡር ማሕበራዊ ርክብ ደሪቱ ብሕትውናን ጽምዋን ምኽታሉ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ሕማም ስነ አእምሮ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ኣዝዩ ወሲኹ ዘሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም እውን ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ምስ ምምጻእ ኮቪድ-19 እናብኣሰ ከም ዝኸደ ይሕብር።
እቶም ብኮሮናቫይረስ ብጽኑዕ ሓሚሞም ብመተንፈሲ ማሽን ተሓጊዞም ዝደሓኑ ሰባት፡ ብሓያል ጭንቀት ከምዝጥቅዑ ጸብጻባት ይገልጹ።
ሰባት ኣብ ጥቒኦም ብኸቢድ ሓሚሞም ክሞቱ ስለዝርእዩ እውን ሓያል ስነ-ልቦናዊ ጸቕጢ ከምዝፈጥረሎም ይሕበር፡፡
ንሓንሳብ አእምሮ ሰባት ምስ ዝምረዝ ሕማም ረሲዕ (ዲመንሺያ) ከቢድ ናይ ኣእምሮ ሕማም ከስዕብ ከምዝኽእል ፕ/ር መስፍን '' ኮቪድ-19 ኣብ ኣካላዊ ሃስያ ንላዕሊ፡ እቲ ለበዳ ምስሃደአ ዝመጽእ ናይ ኣእምሮ ጸገም ንዓሰርተታት ዓመታት ክቕጽል'ዩ" ኢሉ ከምዝኣምን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ክኢላ ስነ ኣእምሮን ማዕዳ ስነ ልቦናን ሓው ገብረህይወት እያሱ፡ ኣብዚ እዋን እታ ብባህሊ ዓቢ ትርጉም ዘለዋ ናይ ኢድ ሰላምታ'ውን ብምትራፋ ጥራሕ እኳ ነቲ ዝጸንሐ ማሕበራዊ ናብራ ስለዝቐየሮ ስነ አእሙራዊ ጸገም ክፈጥር ከምዝኽእል ይዛረብ።
ወዲ ሰብ ብተፈጥሩኡ ምስ ሰብ ስለዝዛመድ ማሕበራዊ ርክብ ንኣእምሮና ስለ ዘድልዮን እንተስኢንናዮ ሽግር ክኽሰት ባህሪያዊ እዩ ይብል። ምኽንያቱ ድሮ እቲ ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላውን ዝብል መምርሒታት ምክልኻል ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንባዕሉ ጸረ ማሕበራዊ ዝምድናታት ስለዝኾነ ጽምዋን ኣግልሎን ዓብዩ ኣሎ። እዚ ኸኣ ካብቲ ብዙሕ ረቛሒታት ምኽንያት ሕማማት ስነ አእምሮ እዩ።
ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣውስትራሊያን ኣመሪካን ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ብዙሓት ሰባት ብጥዕና ኣእምሮ ከም ዝተጠቕዑ ተፈሊጡ ኣሎ።
እቶም ህይወቶም ወፍዮም ኣብ ቅድመ ግንባር ኮቪድ ተሰሊፎም ዝቃለሱ ዘለው ሰብ ሞያ ጥዕና ንነብሶም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብዕድመ ንዝደፍኡን ናይ ጥዕና ጸገም ንዘለዎም ወለዶም ቤተሰቦምን ከይልክምዎም ስለዝፈርሑ ኩሎም ብሓባር እዮም ዝጭነቑ። እቲ ጭንቂ ከኣ ካልእ ሳዕቤን ይፈጥር።
''ካብ ዓቐን ዝሓለፈ ፍርሒ ንዝተፈልለዩ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ የቃልዕዩ'' ዝብል ፕሮፌሰር መስፍን፡ ገዝኦም ዓጽዮም ዝቕመጡን ካብ ምንቅስቓስ ዝተቖጠቡን፣ ብተደጋጋሚ ኢዶም ዝሕጸቡ ወይ ሳኒታይዘር ዝገብሩ ሰባት ብሕክምናዊ ቋንቋ ኦሲዲ (Obsessive-compulsivedisorder) ንዝበሃል ጸገም ከምዝቃልዑ ይገልጽ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ገዛ ምዕጻውን ምንጻልን
ዕጽዋን ምርጋጥን ከም ቀንዲ መከላኸሎ ኮቪድ-19 ስለዝተወስደ ኣብ ዓለም ብዙሕ ሰብ ካብ ስራሕ በዂሩን ተሰጒጉን። እቶም ዝተሰጒ ስድራ ቤታት ስለዘለዎም ክጭነቑን ክሻቐሉን ግድን እዩ። እቲ ሻቅሎት ነውጺ አእምሮ ይፈጥረሎም ብሳዕቤኑ ከኣ ሕማም ስነ ኣእምሮ የማዕብሉ። ኣብ ገዛ ኮፍ ኢልካ ምዓልን ምሕዳርን ንቖልዑ ብኸመይ ከም እትኣልዮም ዘይምፍላጥን ካልእ ነብሱ ዝኽኣለ ጸገም እዩ።
ብዙሕ ዘጨንቕ ዜና ምርኣይ እውን የጨንቕ እዩ። ብዛዕባ እቲ ሕማም እውን ብዙሕ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ሓበሬታ ስለዝወሃብ ሻቕሎትና ክንገትኣሉ ኣብ ዘይከኣል ደረጃ ይብጻሕ። ብዙሕ ሰብ እውን ካብቲ ጭንቀት ንክሃድም ኣልኮላዊ መስተን ዕጸ ፋርስን ይወስድ እሞ ናብ ዘይወጽኦ ዓዘቕቲ ይኣቱ ይብሉ ምሁራት እዚ ዓውዲ።
ብኸመይከ ንከላኸሎ?
ካብ ሓደ መሰረቱ ፍሉጥ ዝኾነ ማዕከን ሓበሬታ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ፡ ብዙሕ ዘጨንቕ ዜና ዘይምርኣይ።
ኮቪድ ንማሕበራዊ ህይወትና እኳ እንተዘረጎ ብቴሌፎን፣ ብናይ ቪድዮ ኮንፈረንስ ብማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦት መራኸቢታትን ምስ እንተፍተዎን ዘዘናግዑናን ዝመኽሩናን አእዕሩኽትን ፈተውትን ምርኻብ ሓሳብ ንሓሳብ ምክፋል።
ንነብስና ብእኹል ዕረፍትን ዝተመጣጠነ ምግብን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ምክንኻን። ዘዘናግዑን ዝምህሩን መደባት ምርኣይን መጻሕፍቲ ምንባብን። ኣብ ገዛ ኬንካ ክግበር ዝከኣል ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ምውዳብ፡ ብኦንላይን ክትመሃርን ኣኼባታት ክትሳተፍ ምፍታን። ጸገማትካ ንቤተሰብካ፣ ኣዕርኽቱኻ ምክፋል። ንዝተጸገሙ ሰባት ምሕጋዝን ምምኻርን እውን መንፈሳዊ ዕረፍቲ ስለዝህብ ዓቕሚ እንተልዩ ከምኡ ምግባር ንዕረፍቲ ስነ ኣእምሮ ኣገዳሲ እዩ።
ክንገብሮም ዘይብልና
መጠን ዝሓለፎ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘይምጥቃም። ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ኮምፒዩተርን ቴሌቪዥንን ኮፍ ዘይምባል። ካብ መስተን ካልኦት ወልፊታትን ምርሓቕ። ተስፋ ዘይምቑራጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮቪድ ክሳብ መዓስ ምሳና ክጸንሕ እዩ?
እዚ ሕቶ እዚ ኣዘራራቢ እዩ ዘሎ። ሊቃውንቲ ዓመት ክሳብ ዘተኣማምን ክታበትን መድሃኒትን ዝርከቦ ብዝወሓደ ንዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመት ምሳና ክጸንሕ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ መምህርን ሓኪምን ፕ/ር መስፍን ኣርኣያ፡ ኮቪድ-19 ዘስዕቦ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ንብዙሕ ዓመታት ክቕጽል ከምዝኽእል ይዛረብ። ኣብ ዛምቢያ ናይ ኣእምሮ ጥዕና በዓል ሞያ ዶ/ር ሪም ዳል፡ ኣብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምምጻእ ኮሮናቫይረስ ጸገማት ኣእምሮ ከምዝገደደ ይሕብር።
ኣብዚ ሰሙን'ዚ ጥራሕ እኳ ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን በቲ ቫይረስ ተለኸዒፎም ኣለው። ኣስታት 37ሽሕ ሰባት ከኣ ሞይቶም።
ህጻናትን ጥዕና ኣእምሮን
ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብ ሓደ ከባቢ ምውዓሎም፡ ካብ ዝበጽሖም ናይ ኣእምሮ ጥዕና ጸገም ንላዕሊ ብተጻራሪ ጾታ ዝበጽሖም መጥቃዕቲ ከምዝዛይድ ፕ/ር መስፍን ይዛረብ፡፡
ህጻናት ምስ መሓዙቶም ክጓየዩን ክጻወቱን እንከለው ኣካሎም ጥራሕ ዘይኮነስ ማሕበራዊ ርክባቶም ከምዝዓቢ፡ ንነዊሕ ኣዋርሕ ኣብ ገዝኦም እንተተዓጽዮም ከኣ ጸቕጥን ሻቕሎትን ከማዕብሉ ከምዝኸእሉ ፕሮፌሰር መስፍን ይገልጽ።
እቶም ህጻናት ከም ዓበይቲ ዝስመዖም ክዛረቡ ስለዘይክእሉ ተወሳኺ ጸገም ስለዝኾነ ፡ ህጻናት ንዝተፈላለዩ ጸገማት ጥዕና ይቃልዑ።
ብተወሳኺ ኣብ ከተማን ርኹባት ሃገራትን ዝርከቡ ቖልዑ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ኮምፒዩርተን ተሌቪዥንን ገይም ክጻወቱ ስለዝውዕሉ ወልፊ ገይም የጥርዩ። ኣብ ትምህርቲ ይድሕሩ ካብ ስድረኦምን ሓድሕዶምን ተነጺሎም መሓዙት ኤለትሮኒክስ ስለዝኾኑ ወለዲ ክጥንቀቑሎም ከምዘለዎም ኪኢላታት ይመኽሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







