ብደሆታትን ሻቕሎትን ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ

ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ስራሕ-2017

ኮቪድ፡ ምናልባት ኣብ ታሪኽ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝዝከሩን በሰላን ኣሰርን ዝገደፉ ተርእዮታት ሕማም እቲ ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ክልቲኡ ዋልታታት ዓለም ኣብ ጫፋት ሰሜንን ደቡብን ሞትን ቁጠባዊ ውድቀትን ኣኸቲሉ ኣብ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት ዓቢ ሃስያ ኣኸቲሉ ኣሎ።

ናይ ለብዘበን ዓለማዊ መዓልቲ መንእሰያት ከኣ ኣብዚ በዳህን ፈታንን እዋን እያ ትዝከር ዘላ። በዚ ኸኣ እቲ ንመንእሰያት ዝገጥሞም ዘሎ ብደሆ ዝያዳ ዝኸበደን ዝተሓላለኸን ይገብሮ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለምና ካብ 15-24 ዓመት ዝዕድመኦም ኣስታት 1.2 ቢልዮን መንእሰያት ኣለው። እዚ ቑጽሪ እዚ ድሕሪ 10 ዓመት 1.3 ቢልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ይግመት።

ካብቲ ሕጂ ዘሎ ብዝሒ እቶም 67 ሚልዮን ስራሕ ኣልቦ እዮም። እዚ ዓመታዊ ዝዓብን ዝውስኽን ብዝሒ ቁጽሪ መንእሰያት ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ህይወት ማዕሪኡ ብደሆን ጸገምን የጋጥሞም።

ዓለምና ዋላ'ኳ ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ብቑጠባን ቴክኖሎጂን ትመሓየሽ ዕቤት እቶትን ተመዝግብ እንተላ ብኡ መጠን ግን ብደሆታታ መመሊሱ ይኸብድን ይተሓላለኽን ከምዘሎ ጸባጻባት የመልክቱ።

ብሰንኪ ኩናትን ኩናት ዘኸትሎ ጸገማትን ተፈጥሮኣዊ ምምዝባልን ኣብ ቤቶም ቅሳነትን መጻእን ዝሰኣኑ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ዓመታዊ፡ ፈታኒ ጉዕዞ እግሪ ሰጊሮም ዝሓሸ ዕድልን መጻእን ኣለዎ ናብ ዝብልዎ ከባቢታት ብቓፍላይ ይስደዱ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት

ንኣብነት መንእሰያት እታ ድሕሪ 30 ዓመት ከቢድ ቃልሲ ናጽነታ ዝተጎናጸፈት ኤርትራ'ኳ ዋላ እውን ኣብዚ ናይ ተዓጾ ተዓጾ እዋን ኮቪድ ዶብ ሰጊሮም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ኤርትራ፡ ድሕሪ ሶርያ ብብዝሒ ስደተኛታት እተፍሪ ካልአይቲ ሃገር ኮይና ተመዝጊባ ነይራ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያታ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ ከተማታት ኬንያን ኤጋንዳን ኣብ መገዲ ስደት ግብጽን ሊብያን ተዘሪኦም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከቡ ኣለው።

እቶም ከቢድ መከራ ጸይሮም መፈንጠራ ሞት ሰጊሮም ንእስራኤልን ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝኣተው እውን ክብደት ናብራን ማሕበራዊ ጸገማትን ኣይገደፎምን።

ብፍላይ ኣብዚ ከቢድ ናይ ኮቪድ እዋን ከኣ መንእሰያት፡ ብጽምዋን ተነጽሎን ብዝስዕብ ስነ አእምሮ ጸገማት፡ ዕጽዋ ብዝፈጠሮ ማሕበራዊ ተነጽሎን ብሓዳርን ስራሕን ብዝፍጠር ሻቕሎት፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ጉልበት ስራሕ ክሰርሑ ዝግደዱ ከኣ ብተቓላዕነት እቲ ሕማም ይጭነቑን ይሻቐሉን ኣለው።

እቶም ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ስደት ዘለው ከኣ ብኹሉ ኹሉ ብሳዕቤን እቲ ሕማምን ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባትን ብዝኸፍአ ይሳቐዩን ይጭነቑን።

እቶም ኣብ መዓስከራት የመንን ስዑድን ዝርከቡ ዝበዝሑ ተወላዶ ትግራይ ዝርከቡዎም ዝምልከቶም ኣከላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ደሃይ ክገብሩሎም ዝምሕጸኑ፡ እቶም ኣብ ሊብያ ብኹሉ ሕሰም ጥሜን ሕማምን ካብ ማንም ወገን ኣቓልቦ ሲኢኖም ብዕድሎም ዝማረሩ ኤርትራውያን ካብቶም ኣማኢት ኣሻሓት ግዳይ ስደት እዛ ዓለም እዮም።

ግን መን እዩ ንሽግራት መንእሰያት ዝፈትሕ

መንእሰያት ኤርትራ-ኣስመራ 2015

ኣብ ነብሲ ወከፍ ንመንእሰያት ዘጋጥሞም ጸገምን ሽግርን ብቐዳምነት ብተሓታትነት ዝጥቀስ እቲ ዘመሓድሮም መንግስቲ ገዛእ ሃገሮም እዩ።

ነብሲ ወከፍ ሃገርን ስርዓትን ንመንእሰያታ ዕድላት ትምህርትን ስራሕን ክትከፍተሎም፡ እቶም መንግስታት ከኣ ንእቶትን ጸጋታትን ሃገር ኣመቓሪሖም ቀደምነታት ሰሪዖም ንተረከብቲ ሃገርን መጻኢ ወለዶን መንእሰያቶም ብኹሉ ዝከኣል ዘበለ ክኹስኩስዎም ትጽቢት ይግበር።

እንተኾነ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ስርዓታትን እቲ ክውንነት ምስ ትጽቢታት ዝሳነ ኣይኮነን።

ስለዝኾነ መንእሰያት ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ፡ ላቲን ኣመሪካ፡ ማእካላይ ምብራቕ ከምዝተራእየ ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ግዕዙይ ምሕደራ ክውገድ ብልሽውና ከብቅዕ ማዕርነት ንኪረጋገጽ ድምጾም ብምስማዕ ምልካውያን ስርዓታት ክቕይሩ ጸኒሐም ኣለው።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝስማዕ ድምጺ ሕቶ ፍትሕን ርትዕን ተመሳሳሊ እዩ። መንእሰያት ዓለም ግዕዙይን ዘይብቑዕ ምሕደራን ክህደስ፡ መሳልል ቢሮክራሲ ክኽለስ፡ ብህዝብን ሃገርን ዝሓልን ዝግደስን ስርዓት ክትከል እዮም ዝሓቱን ዋጋ ዝኸፍሉን።

ግን ከኣ ኣብ ብዙሕ እቲ ክሳብ ሕጂ ብድምጺ መንእሰያት ዝተቐየረ ስርዓታት ምልኪ ክረአ እንከሎ፡ እቲ ብድምጽን ኣብያን መንእሰያት ንምልኪ ኣልዩ ዝተተከአ ስርዓታት ንሕቶ መንእሰያት በቲ ዝግባእን ትጽቢትን ዝግበረሉን መገዲ ዝተከኦን ዘመሓየሹን እንተልዮም በጻብዕ ዝቑጸሩ እዮም ዝኾኑ ይብል መንእሰይ ኣሚር።

ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣብ ሊብያ ዝነብር መንእሰይ ሜሮን፡ ንመንእሰያት ከምዚ እዋን ገይሩ ጸልሚቱናን ከፊኡናን ኣይፈልጥን። ካብ ሃገርና ብሰንኪ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉን ድኹም ምሕደራን ተደፊእና ኢና ወጺእና።

ኣብ ርእሲ ሃድን ሸፋቱ ነጋዶ ሰባት፡ ኣብ ሊብያ ኮቪድን በራሪ ጠያይቲ ተጻረርቲ ሓይልታትን ተወሲኹዎ ኣብ ጭንቂ ኢና ንነብር። ግን ኩሉ ከም ኣመጻጽኣኡ መዓልቱ በሊዑ ክሓልፍ እዩ ክብል ኣብቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ንእሽቶ ጩራ ብርሃን ከምዝርኢ ይሕብር።

ኣብ ሊብያ ንዘለው ስደተኛታት ብቐረባ ዝከታተል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ ብወገኑ፡ መዓልቲ መንእሰያት 2020 "ተሳትፎ መንእሰያት ንዓለማዊ ተበግሶ" ብዝብል መሪሕ ቴማ፡ መንእሰያት ብኹሉ ዝኽእሉዎ ውዳበታት፡ ኣብ ከባቢኦም፡ ዞቦኦም፡ ሃገሮምን ዓለምን ንዝርከባ መንግስታትን ኣህጉራዊ ትካላት ጽልወኦም ንከስፍሑ ይጽውዕ።

እዛ ዕለት፡ መንእሰያት ኩሉ ሕቶታቶም ብምዕሩይ ኣድማሳዊ ድምጺ ንኽስማዕ ዕድል ትህብ።

እቲ ንመንእሰያት ብመንእሰያት ዝብል ናይ ጎስጓስ መደብ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው መንእሰያት ንሓድሕዶም ተሓባቢሮም ዘቤታውን ዓለማውን ብደሆታቶም ንኽፈትሑዎ መድርኽ ዘተ ተዋድድ።

ናብ ኤውሮጳ ክኣትው ዝፍትኑ ዘለው መንእሰያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ዘሎ መንእሰይ ምስ ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ዘሎ መዘንኡ ንዘሎ ሓባራዊ ጸገምን ዕድልን ተዘራሪቡ ፍታሕን ዕድላትን ኣሚቱ ተደጋጊፉ ዓቕሙ ከዕብን ሓይሉ ክወዳድብን ከኣ ተተባብዕ።

ብዘይ ንቕሓትን ውዳበን ዝግጠም ብደሆን ዝሰዓር ጸገምን ስለዘየሎ ከኣ መንእሰያት ዓለም ዓቕሞም ንኹሉ ዘጋጥሞም ዞባውን ኣድማሳውን ጸገማት ሓቢሮም ክሰርሑሉ ይምከሩ።

ምርኻብ፡ ምዝርራብ፡ ምትእስሳር ምምኽኻር ኣገዳሲ እዩ። በዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ቴክሎጂን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ከኣ ብዙሕ ነገር ክግበር ይከኣል እዩ። ግን ከይተራኸብካን ከይዘተኻን ክኸውን ኣይከእልን እዩ ይብል መንእሰይ ኣሚር።

መንእሰያት ኣብ ቁጠባውን ፖለቲካውን ሃገሮም ክሳተፉን መጻኢ ዕድሎን ክውስኑ እንተዘይኪኢሎም ኣደዳ ስደትን ከርተትን እዮም ዝኾኑ ዝበለ መንእሰይ ሜሮን፡ እቲ ዓቢ ወለዶ ይጥዓሞ ይሕሰሞ ህይወቱ ነቢሩዎ እዩ።

እቲ ቀጻልነት ወለዶን ዓለማዊ ህይወትን ዝትክእ መንእሰይ ስለዝኾነ ንመዛኑየይ መንእሰያት ዋላ እውን ካብ ሃገረ ስደትን መዓስከራትን ሓንቲ መዓልቲ ራህዋ ከምእንርኢ ርግጸኛታት ኬይንና ንብደሆታትና ክንገጥሞ ኣሎና ይብል።

ብፍላይ ንክላይመት ኣብ ዝምልከት ዝውደቡ ዝተፈለላዩ ኣኼባታት፡ መሶብኩም ወዲእኩም መሶብ ደቅኹም ኣይትብልዑ።

ብዕድልና ኣይትጣልዑ፡ ብዘይካ እዛ እንነብረላ ፕላኔት ካልእ ትሕጃ የብልናን ብዝብል ቃላት ንስርዓታትን መንግስታትን ዝምሕጸኑ ወለዶታት ይስምዑ እዮም።

ብዙሓት እውን ድምጾም ይስማዕ እዩ። እቲ ድምጽን ምሕጽንታን ብሓባር ምስ ዝኸውን ከኣ ዝያዳ ተሰማዕን ጸላውን እዩ።

ስለዚ ሕጂ እውን ህይወት መንእሰያት ኮቪድ እውን ተወሲኹዎ መመሊሱ ይጽንክር ስለዘሎ መንእሰያት ድምጽና ከነሕብር እጽውዕ ይብል መንእሰይ ኣሚር።

ኮሮና