ኣብዚ ናይ ኮሮና ብደሆ ንእሽቶ ኣበርክቶ ዓቢ እዩ

ወዲ ሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝተፈላለዩ ባህርያውን ብወዲ ሰብ ዝስዕብ ጸገማትን ክሳቐ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ እዋናት ከኣ ኣህዛብ፡ ብውልቅን ብእኩብን ንብድሆታቶም ክገጥምዎ ይፍትኑ።
ኣብዚ እዋን እውን ንህላወን ቀጻልነትን ደቂ ሰባት ዝፈታተን ኮቪድ-19 ዝተሰምየ ቫይረስ፡ ብልዑል ፍጥነት እናተላብዐ፡ ድሮ ትንፋስ ኣሽሓት ሰባት ይቐዝፍ ኣሎ። አህዛብ ዓለም ከኣ ነዚ ወራር ንምግጣም ተሓባቢሮም ክሰርሑ ይሕተቱ ኣለው።
ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ እውን፡ ነዚ ሓደገኛን ቀታልን ቫይረስ ንምግጣም በብዝኽእሉዎ የበርክቱ ኣለው።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ካሊፎርኒያ፡ ከባቢ በይ ኤርያ፡ ሓይሊ ዕማም ኣቚሞም ብወለንተኦም ተወዳዲቦም ንሕብረተሰቦም በብሞየኦም ምስዘግልግሉ ዘለው ሰለስተ ግዱሳት ዜጋታት፡ ኣቶ ዑቕባይ ገብረየሱስ፡ ሊያ ብርሃነን ሰላም ሃይለን ተዘራሪቡ ዘሰናደኦ ትሕዝቶ እነሆ።
ኣባል እዛ ሓይሊ ዕማም ኣቶ ዑቑባይ ገብረየሱስ፡ " እቲ እንገብሮ ዘሎና ነገር ኣዝዩ ንእሽቶ ስለዝኾነ ብዙሕ ክትዛረበሉ እትኽእል ነገር ኣይኮነን። ግን ንእሽቶ ሞራል ክህብ ዝኽእል እንተኾይኑ ተሞክሮና ንምክፋል ጸገም የሎን" ክብል እዩ ዘረብኡ ዝጅምር።

ምንጪ ስእሊ, Meron Semedar
እንተኾነ፡ ኣብዚ ዓለምና ብስግኣት ኮቪድ ኣብ ዕጽዋ ዘላትሉ እዋን፡ ወላ እውን ቴሌፎን ደዊልካ ደሃይ ሕድሕድ ምፍላጥ ዓቢ ነገር ስለዝኾነ፡ ክንገርን ክተባባዕን እዩ ዘለዎ ንዝብል ጸቕጢ ሓታቲ ዝተቐበሉ ኣባላት ሓይሊ ዕማም ተመኩሮኦም የካፍሉ።
ሚድያታት ኣመሪካ፡ ኣበየ ግዝኣታት ኣመሪካ ዘጋጥም ዘሎ ለበዳን ሞትን፡ ንምክልኻሉ ክግበር ዝግበኦ ጥንቃቐ ብዝምልከት ቀጻሊ መምርሕን ሓበሬታን ክህባ ምስ ጀመራ፡ ኩሉ ኤርትራዊ በብኸባቢኡ ደሃይ ሓድሕድ ክፈልጥን፡ ኣብ ክሊ መምርሒ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ንዝወሃብ ምኽሪ እንታይ ክግበር ከምዝከኣል ክዘራረቡ ጀሚሮም።
ቅድሚ እዚ ወራር ኮሮና ኣብ በይ ኤርያ ዕድመ ንዝደፍኡ ሽማግለታትን ኣባላት ስድራ-ቤቶም ብሞት ዝተፈልዩዎም ደገፍ እትገብር ናይ ደበስ ማሕበር ስለዝጸንሐት፡ ኣብዘን ውዳበታት እዚኣተን ዝነጥፍ ኣቶ ዑቕባይ፡ ምስቶም ዝደዋወሉሉ ግዱሳት ኮይኖም ብ24 መጋቢት 'እንታይ ንግበር?' ኢሎም ዘትዮም መኺሮም፡ ኣብ ሰለስተ ነገራት ክነጥፉ ከምዝኽእሉ ተሰማሚዖም።
- ቀዳማይ፡ ህዝብና ካብቲ ብኣመሪካ ደረጃ ብዝተፈላለዩ ሞያውያንን ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝረኽቦ ሓበሬታ፡ ብተወሳኺ ሕሙማቱ ብቐጥታ ምስ ደቂ ዓዶም ሞያውያን ተረኺቦም ብምዝርራብ ዘድልዮም ሓገዝን ምኽርን ኣስተምህሮን ከም ዝረኽቡን ምግባር።
- ካልኣይ፡ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ፡ ገዛ ክወጹ ዘይክእሉን፡ ብኮሮና ቫይረስ ብቐጥታ ክጥቅዑ ዝኽእሉን ዘድልዮም ኣስቤዛ ምቕራብ።
- ሳልሳይ ከኣ፡ ካብ መንግስትን፡ ኣመሓደርቲ ከተማታትን ዝወሃብ ገንዘባውን ንዋታውን ጸጋታት ንኽረኽቡ ዘድሊ ምኽርን ሓበሬታ ምሃብን ምትሕግጋዝን። ኣብ ዝብል ከፋፊሎም ሰባት ወዳዲቦም ክነጥፉ ጀሚሮም።
ብመሰረት ክፍፍል ስርሖም ከኣ፡ ሊያ፡ ንከም በዓል ዶክተር ኢሳይያስ፡ ዶክተር ነጋ፡ ኣድያም መንግስን ዝኣመሰሉ ሓካይምን ነርሳትን ዓዲማ ብመገዲ መራኸቢ ብዙሓን እቲ ዘድሊ ምኽርን ሓበሬታን ከምዝህቡን ንዝኾነ ተወሳኺ ደገፍ ቴሌፎናትን ኢመይላትን እቶም ሞያውያን ንህዝቢ ከምዝተሓበረን እቲ ኣስተምህሮ ጽቡቕ ንቕሓት ከምዝፈጠረን ተረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Meron Semedar
ብተወሳኺ፡ ንሳን ኣብቲ ዕማም ዝነጥፉ ክኢላታትን፡ ኣብቲ ከባቢ ብመንግስትን ምምሕዳራት ከተማን፡ ንህዝብን ትካለትን ዝወሃብ ደገፋት ብምጽናዕ ንብዙሓት ሰብ ናእሽቱ ትካላት ኣድላይ ምኽሪ ከምዝሃቡ ትሕብር።
ብሰንኪ ቅልውላው ፖለቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ቤት ንብረቶም ምስ ዝተመዛበሉ ወለዳን አሕዋታን ተሰዲዳ ብ 1984 ናብ ኣመሪካ ዝኣተወት ሊያ ብርሃነ፡ ካብ ካሊፎርንያ ስቴት ዩኒቨርሲቲ ብፖሊቲካል ሳይንስን ምትሕግጋዝ ሕግን ተመሪቓ።
ሊያ፡ ንልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ህይወት ምስ ዝተሓጋገዝ እስታ ቪስታ ዝተባህለ ገባር ሰናይ ማሕበር፡ ናይ ዕዳጋን ዕቤትን ሓላፊት ኮይና ተገልግል። ኣብ ርእሲ እቲ ብብሕታ እተካይዶ ቢዝነስ ፡መስራቲት ናይ ብዙሓት ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዘገልግላ መኽሰብ ኣልቦ ማሕበራት ኮይና ንሰባት ምሕጋዝ ፍሉይ ባህታ ዝህባ ኣደ ሰለስተ ቖልዑ እያ።
ሰላም ሃይለን ብጾታን ከኣ ምስተን ሓገዝ ዝህባ ትካላት ተሓባቢሮም፡ ነቶም ሓገዝ ዝደልዩ ክንቀሳቐሱ ዘይክእሉን ስድራታት እቲ ዝግበኦም መግቢ ዓሺጎም ሰሙናዊ መቑነን የብጽሑሎም። ኣብቲ ፈለማ፡ እቶም መግቢ ዝህቡ ትካላት፡ ነቲ ኣስቤዛ ባዕላቶም የምጽኡዎ እኳ እንተነበሩ ዳሕራይ ግን ነቲ ምትንኻፍ ንምንካይ ሰላምን ብጾታን ባዕላቶም ከይዶም ከምጽእዎ ከምዝወሰኑ ትሕብር።
ሓደ ካብቶም ነዚ ዕማም ዘተባብዕን ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኑ ዝሰርሕን ሜሮን ሰመዳር ኣብ ምዕሻግ እቲ መግቢ ኮነ ኣብ ምብጽጻሕ ከኣ ብዙሓት ግዱሳት ወለንተኛታት አሕዋት ኮይኑ ብወለንትኡ ብመኪንኡ ስለዝተሓጋገዛ ሰላም ንዕኡን ንኹሎም ብጾታን ኣኽብሮታ ወሰን የብሉን።

ምንጪ ስእሊ, Meron Semedar
ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ ዝዓበየት ሰላም ሃይለ፡ ከም ብዙሓት መሰልታ መንእሰያት፡ ካብ ኤርትራ ወጺኣ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ምስ በዓል ቤታን በኹሪ ውላዶምን ናብ ኣመሪካ ኣትያ።
ኣብ ንእስነታ ዝተኾልፈ ትምህርታ ብምቕጻል ካብ ኮማዊ ኮሌጅ ክልተ ኣሾሸይትድ ዲግሪ ረኺባ፡ ሕጂ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ በርክሊ ተማሃሪት ራብዓይ ዓመት ሶሾሎጂ እያ። ክልተ ቖልዑ እናዕበየት ከም ኣምባሳደር ዝወለዱ ተማሃሮ ኮይና ተገልግሎ። ሰላም ንመጻኢ እውን ካብኡ ንላዕሊ ትምህርታ ክትቕጽል ሕልና ዘለዋ ብዓቕማ ንሕብረተሰባ እትተሓጋዝ ኣደ እያ።
እታ ሓይሊ ዕማም፡ ሰባት ካብ ስርሖም በዂሮም ኣብ ገዛ ተዓጽዮሙሉ ኣብ ዘለዉ እዋን፡ ነዚ ሓበሬታ ብምስማዕ፡ ተጠቀምቲ ናይዚ ንዋታውን ሞራላውን ሓሳባውን ምኽራውን ደገፋትን ንኪኾኑ ብዓቕማ እትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ኣዝዩ ዝምስገን ምዃኑ ተጠቀምቲ ምኽራን ሓገዛን ይሕብሩ።
ከም ኤደን ተኪኤን ኣድያም መንግስን ዝኣመሰላ ኣባላት እቲ ሓይሊ ዕማም ከኣ ነቲ ጸጋታት ናይቲ ከባቢ ብምርኣይን ብምጽናዕን ሓበሬታ ምኽርን ንዝደለየ ኣባል ናይቲ ማሕበረ ኮም ይሕብራን ይመኽራን።
ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ኣሜሪካ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ብኮቪድ-19 ኣብ ዘለው እዋን፡ ዛጊት ኤርትራውያን ይኹኑ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ሕማም ደሓን ከምዘለው ዝሓበሩ እዞም ኣባላት ሓይሊ ዕማም፡ ሓሚሞም ክበጽሑዎም ሞይቶም ክቐብሩዎም ዘይከኣሉ ብንቡር ሕማም ዝሞቱ አሕዋት ከም ዘለው ይሕብር ኣቶ ዑቕባይ።
ሊያ እውን ብዙሓት ወነንቲ ናእሽቱ ትካላት ኤርትራውያን ንግዶም ብኮቪድ ስለዝተሰናኸለ ሓገዝን ምኽርን ዝሓቱ ሰባት ከምዝድውሉላን ኣብቲ ዕማም ምስ ዝተመደቡ መሳርሕታ ብምምኻር ዓቕማ ብዘፍቅዶ ምኽሪ ከምእትህብ ተረድእ።
ኣብዚ ናይ ተዓጾ ተዓጾ ፈታኒ እዋን ውሑዳት ዘይኮኑ ሰባት ብሽቕለተ ኣልቦነትን ብምዕጻውን ማሕበራውን ኣእምሮኣውን ጸቕጢ ከጋጥሞም ስለዝኽእል ኣድህቦ ክወሃቦ ከምዝግባእን ኣዘኻኺራ።
ንከም ኣቶ ዑቕባይን ሜሮን ሰመዳርን ዝኣመሰሉ ንጡፋት ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ብዝገብሩዎ ዘለው ኣበርክቶ ምስጋናኣ እትገልጽ ሰላም ሃይለ፡ ቤተክርስትያን ኦክላንድ ንገለ ካብ ክፍልታቶም ከም መነሃሪ መዓደሊ መግቢ ክጥቀመሉ ስለዘፍቀዱሎም እውን ምስጋንኣ ተቕርብ።

ምንጪ ስእሊ, Meron Semedar
" ኣገልግሎትና ዝበጽሐን ዓበይቲ ኣዴታት ደዊለን፡ ዝለኣኽልና በጺሑና የቐንየልና እዛ ጓለይ ኢለን ከምስግና ክሰምዐን እንከሎኹ፡ ንእሽቶ ነገር ብምግባርና ብልቢ ይሕጎስ" ክትብል ንሳን ብጾታን ዝገብሩዎ ዘለው ኣበርክቶ ብዝተዓጻጸፈ ሓይሊ ይኾና።
ቅድሚ እዚ ኮሮና ምምጽኡ፡ ኣብ በይ ኤርያ፡ ብከተማ ኦክላንድ ዝተዋህቦም ቀዳም ቀዳም ዝእከቡሉ ማእከል- ዓበይቲ (Senior Center) ነይሩዎም። ብሓገዝ ደይ ብረክ ዝበሃሉ ማሕበር፡ ከኣ ምስ ሃይላንድ ሆስፒታል ተሻሪኾም ጸዓዱን ሓበሻን ሓካይም እናዓደሙ ነቶም ዓበይቲ ምውስዋስ ኣካላትን ምኽሪ ጥዕናን ይህቡዎም ነይሮም። ንሓንሳብ እውን ባህሊ ዓዶም ዘዘኻኽሮም ባህላዊ ቡን ኣፍሊሖም ብምዝንጋዕ መንፈሶም የሐድሱዎም።
ኩሎም በቲ ዝገብርዎ ዘለው ንጥፈታት ዕጉባት እዮም። ልያ፡ " ነዞም ሰለስተ ደቀይ ባህላዊ ክብርታት ህዝበይ ብግብሪ ከርእዮምን ክምህሮምን ስለዝደሊ ኣብ ኩሉ ዝኽእሎ ዘበለ ክሳተፍ ባህ ይብለኒ። ህዝበይ ጽቡቕ እንተዘየልዩ፡ ኣነ እውን ጽቡቕ ክህሉ ኣይክእልን" ትብል።
ሰላም እውን ንነብሳ ኣብ ቦታ እቶም ጽጉማት ብምእታው፡ ስምዒታትን ድሌታትን እቶም ጽጉማት ክትርዳእ ከምእትፍትን ትሕብር። " ከምቲ ንነብሰይ ጽቡቕ ነገር ክገብረላ ዝደሊ፡ ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ድሌታት ከምዘለዎም ስለዝሓስብ፡ ብዓቕመይ ብምሕጋዘይ ሕጉስቲ እየ" ትብል።
ኣቶ ዑቕባይ ከኣ ንኹሎም እቶም ኣብዚ ዕማም እዚ ተዋፊሮም ዘለው ግዱሳት አሕዋት ብምምስጋን እቲ ዝርካቡ ዝግበር ሓገዝን ምኽርን ንኹሎም አሕዋት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብሓባር ከምዝወሃብ፡ ንሳቶም ብወገኖም እውን ከምኡ ከምዝገብሩን ክተባባዕ ከምዝግበኦን የረድእ።
ኣወሃሃዲ ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት ገዲም ተቐማጢ በይ ኤርያ፡ ኣቶ ዑቕባይ ኣብ ዕድሚኡ ንኤርትራዊ ኮም ንምሕጋዝ ልዑል ተራ ካብ ዝጻወቱ ግዱሳት ዜጋታት ሓደ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







