ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ሊብያ ኣብ ኢድ ዩኤንኤችሲኣር ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, VIA GIULIA TRANCHINA
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ህይወት ስደተኛታት ክግመት ዘይክእል ስቓይ ዝፈጥሩ ዘለው ነጋዶ ሰባት ዝተወሃሃደ ሓዲሽ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ፡ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ተታሒዙ ዝጸንሐ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ብ20 ሓምለ ኣብ ኢድ እቲ ትካል ከምዝዓረፈ ብኸቢድ ሓዘን ገሊጹ።
እቲ ትካል፡ ብነጋዶ ሰባት ብኽፉእ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኣዝዮም ዝተዳኸሙ ክልተ ኤርትራውያን ናይ ሕክምና ሓገዝ ደልዮም ናብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር መሰልጠኒ ማእከል ምስ መጽኡ፡ ኩነታቶም ኣዝዩ ሕማቕ ብምንባሩ ብኡ ንብኡ ኣምቡላስ እኳ እንተተጸወዓሎም፡ እቲ ሓደ ህይወቱ ንምድሓን ኩለንትናዊ ጻዕሪ እኳ እንተተገብረ ኣብ ሕክምና ከይበጽሐ ብኡ ንብኡ ከምዝዓረፈ ሓቢሩ።
እቲ ትካል ነቲ ኣሰንዩዎ ዝመጽአ ሰብ ከም ስደተኛ መዝጊቡ ዝዕቆቦሉ ቦታ ከምዘሰናድኣሉ ሓቢሩ። እቶም ክልተ ሰባት ቅድሚኡ ኣብ ቢን ወሊድ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ተኣሲሮም ብዙሕ ግፍዒ ዝረኣዩ ግዳያት ምዃኖም ተፈሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፈጸምዎ ብዙሕ ዘስካሕክሕ ግፍዓዊ ተግባር ብዝግባእ ከምእተሰነደ ኣረዲኡ።
ካብ ዝሓለፈ ሰነ ኣትሒዙ ብዙሓት ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ነጋዶ ሰባት ተታሒዞም ዝነበሩ፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ትሩብሊ ይኣትው ከምዘለዎ ዩኤንኤች ሲኣር ሓቢሩ።
መሻርኽቲ ዩኤን ኣሓት ኣካላት ነቶም ግዳያት ሕክምናዊ ሓገዝ ይገብራሎም እንተለዋ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሊብያ ብምልኣት ክትገብሮ ዘይከኣል ሞያዊ ቆላሕታን ሕክምናዊ ክንክንን ዘድልዮ ስነ አእሙራዊ ሕማማት ከምዘሎ ሓቢረን።
እቲ ትካል ኣብዚ ቐረባ እዋን ሰበስልጣን ሊብያ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዘካየድዎ ናይ ምጽራይ ወፍሪ ብምድናቕ እቶም ገበነኛታት ክሳብ ፈጺሞም ዘለምሱን ጨሪሶም ዝጠፍኡን ዝተወሃሃደ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘድሊ ኣረዲኡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







