ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ 'ትቕበሎም ሃገር የላን' ተባሂሎም

ምንጪ ስእሊ, ዳይነ
ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ከተማ ትራብሎስ ኣብ ዝርከብ መኣከብን መበግስን ማእከል (GDF) ተዓቚቦም ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ጉዳዮም ተጻርዩ ናብ ውሕስቲ ሃገር ክሰጋገሩ እናተጸበዩ እንከለው፡ ጉዳዮም ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ከም ዝተነጽገ ገሊጾም።
እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒታት ሊብያ ተኣሲሮም ብዙሕ ስቓይን ጭንቅን ከምዘሕለፉ'ውን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ቅድሚ ናብዚ መኣከብን መበግስን ማእከል ምምጽኦም፤ ጉዳዮም ኣብ ካልእ ቦታ ተጻርዩ ኣብዚ ማእከል ናብ ካልእ ሃገር ክሰጋገሩ ከም ዝመጹ'ዮም ዝገልጹ።
እዞም ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒታት ስደተኛታት፡ ከም ሻህር መጣር፤ ዚንታን፤ ኣቡሰሊም ሕሱም ናብራ ዘሕለፉ'ዮም።
ኣብዞም መዳጎኒታት እንከለው 'ጉዳዮም ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ከምዝተጻረየ' ዝሕብሩ ስደተኛታት፡ ክሳብ ሕጂ ጉዳይኩም ጽፉፍ እዩ እንዳተሃህሉ ኣብቲ ቦታ ከምዝጸንሑን፡ ኣብዚ ሰሙን ግን ንዓኹም ትቕበለኩም ሃገር ስለዘየላ፡ ወይ ናብ ዓድኹም ወይ ካብታ ዝመጻእኩምላ ሃገር ግብጺ፤ ሱዳን ክምለሱ ወይ'ውን ናብቲ ከተማ ወጺኦም ክነብሩ ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ስተኛታት (ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር) ተነጊርዎም።
በቲ ኣሰራርሓን ኣከያይዳን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ስለዘይዓገቡ ድማ፡ ጉዳዮም ካልኣይ ግዜ ንኽርአን፡ ዘሕልፍዎ ዘለው ህይወት ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ንኽረክብ፡ እቶም ስደተኛታት ሰለማዊ ከካይዱ ቀኒዮም።
Content is not available
View content on Facebookቢቢሲ፡ ንትሕዝቶ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።End of Facebook post
ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ንገብሮ ጠፊኡና፤ ንገብሮ ስኢና፡ መጻኢ ህይወት ህጻናትን ኣዴታትን ተጋሂሱ ዝብሉ ጭርሖታት ኣቃሊሖም።
እቶም ስደተኛታት ከም ዝሓበርዎ፤ ዝኾነ ጸገም ኣብ ወረቐቶም እንተሃልዩ፡ ኣብ ኒጀር፤ ርዋንዳ ወይ ኢጣልያ ምስተወስዱ ኣብ ክንዲ ዝጻረ፡ ኣብ ሕሱም ህይወት እንከለው ነዚ ዘሰንብድ ዜና ብምስምዖም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዘለው ኣመልኪቶም።
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ብወገኑ፡ ነቶም ኣብ መኣከብን መበግስን ማእከል (GDF) ዘለው ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ክወስዶም ዓቕሚ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።
ወላ እኳ እቶም ስደተኛታት ሰልፊ እንተኣካየዱ፡ እቲ ትካል ግን ነቶም ስደተኛታት ናብ ዝኾነት ሃገር ክወስዶም ከምዘይክእል ኣፍሊጡ።
እዞም ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታታት ክንሳቐ ጸኒሕና ዝበሉ ስደተኛታት፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ነቲ ጉዳዮም ዳግመ ግምት ገይሮም፡ ከምቶም ካልኦት ስደተኛታት ናብ ካልእ ውሕስቲ ሃገር ከሰጋግርዎም ተማሕጺኖም።

ምንጪ ስእሊ, ዳይነ
ህይወት ኣብ ሊብያ
ሓደ ካብቶም ንቢቢሲ ትግርኛ ዝተዛረቡ፡ ንህወይት ሊብያ ክገልጾ እንከሎ፡ ሊብያ ማለት ንኽትነብሮ ብጣዕሚ ዘይምቹእ ቦታ ምዃኑ እዮ ዝገልጽ።
እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ዝፈላለየ እዋናት ብሰመሰርትን፤ ካልኦት ሊብያውያንን፡ ከም ንብረት ከም ዝተሸጠን ከቢድ ግዜ ከምዝሕለፈን ጠቒሱ።
ካልኦት ኤርትራውያን ስደተኛታት'ውን ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ተታሒዞም፡ ዝኸፍአ ህይወት የሕልፉ ምህላዎም ሓቢሩ።
ኣብ ሊብያ፡ ንስደተኛታት ከም ኣቕሓ ምሻጥን ምልዋጥን፣ ማህረምትን ዓመጽን፡ ግኑን ከምዝኾነ በታ ሃገር ዝሓለፉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክሕብሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







