ተመኩሮ ዓሌትነት ብዓይኒ ኤርትራውያን ኣዴታት

ተመኩሮ ዓሌትነት ብዓይኒ ኤርትራውያን ኣዴታት

ዓሌታዊ ኣድልዎን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካብ ዘበነ ጊላነት ኣትሒዙ ዝነበረን ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎን ተርእዮ እዩ። በዚ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለምን፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ሕብረተ ሰብን፡ ብዓሌትን ብዘርእን፡ ብሕብርን፡ እምነትን፡ ካልእን ዝግበሩ ግፍዕታት ኣብ መዓልታዊ ዜናታት ኣለው።

እቲ ብ25 ግንቦት 2020፡ ደርክ ቻውቪን ዝተባህለ ኣባል ፖሊስ ሚንያሶታ፡ ኣብ ልዕሊ ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ዝተፈጸመ ኢሰብኣዊ ቅትለት፡ ኣብ ኣሜሪካን፡ ኣብ ካልኦት ክፍልታት ዓለምን ቁጥዐን ነድርን ኣስዒቡስስ ኣህዛብ ዓለም ብሰልፍን ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ይኹንንዎ ኣለው።

ካብዚ ብዝብገስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉርን ኩርናዕ ዓለምን ዝርከባ ኤርትራውያን ኣዴታት፡ ጸለምቲ ብምዃነንን ኣብ ደቀንን ስድረአንን ከባቢአንን ንዘጋጠመን ተመኩሮ ንቢቢሲ ገሊጸን ኣለዋ።

ኣብ ሃገር ኣሜሪካ እትነብር ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ፈርጉሰን፡ ኒው ዮርክ ልክዕ ከምዚ ናይ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ከተንፍስ ኣይክእልን ዘለኹ፡ 'I can't breathe' እናበለ ናይ ዝሞተ ግዳይ ኣብነት ሂባ። ብተወሳኺ ኣብ 1993 ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሎስ ኣንጀለስ ብዘጋጠመ ዓሌታዊ ተመሳሳሊ ሞት ሮድኒ ክንግ እውን ኣብ መላእ ኣመሪካ ብዙሕ ዕንወት ዘስዓበ ሰፊሕ ሰልፊ ከምዝተኻየደ ትዝክር።

ኣብ ሃገር ኣሜሪካ እትነብር ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሃገር ኣሜሪካ እትነብር ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ

እዚ ኣብ ጸለምቲ ደቂ ተባዕትዮ ብቐጻሊ ዘጋጥም ዓሌታዊ ቅትለት ከምዘሰክፋን ከም ኤርትራዊት ኣደን ጸላምን፡ "ወደይ ንገዝኡ ክሳብ ዝኣቱ ብዙሕ'የ ዝሻቐል!" ትብል። ምኽንያቱ፡ እቲ ግፍዒ ኣብ ጸለምቲ መንእሰያት ዘነጻጸረ ስለዝኾነ።

ተቐማጢት ጀርመን ሸዋ ስዩም እውን እዚ ኣብ ልዕሊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተፈጸመ ዓሌታዊ ጭካነ ዝመልኦ ግህሰት ሓድሽ ከም ዘይኮነ እያ እትገልጽ። ኣብ ኣሜሪካ ብፍሉይ ጎሊሑ ደኣ ይረአ እምበር፡ ኣብ ኣብ ጀርመን እውን ብዙሕ ዓሌታዊ ጽልኢ ኣሎ ብምባል ከኣ ተመኩሮኣ ተካፍል።

ከም ኣብነት ከኣ ብ1993 ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሰድራ ናይ ቱርኪ ኣብ ዞሊንጋን ዝበሃል ከባቢ ብሓዊ ናይ ዝነደደት ስድራ ቤትን ኣብነት ተቕርብ። ካብታ ስድራ እታ ኣደ ጥራሕ ብሂወት ከም ዝተረፈትን በቲ ቅትለት ብዙሕ ሰብ ከምዘስካሕከሐን ክሳብ ዓዶሞ'ዶ ገዲፍናሎም ክንከይድ ዝብል ስምዒት ከም ዘሕደረላ ትዛረብ።

እዚ ኣብ ኣሜሪካ ደኣ ጎሊሑ ይረአ እምበር፡ ብፍላይ ናብ መንእሰያት ኣወዳት ዝቐንዐ ብምዃኑን " ኣነ እውን መንእሰይ ወዲ ስለዘለንን፡ ኣብዚ ኣብ ጀርመን ከኣ እዚ ዓሌታዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ሃይማኖት ዝዛመድ ካልእ ዓይነት ጽልእን ስለዘሎ ብጣዕሚ የተሓሳስበኒ" ድማ ኢላ።

ተቐማጢት ጀርመን ሸዋ ስዩም
መግለጺ ስእሊ, ተቐማጢት ጀርመን ሸዋ ስዩም

ነባሪት ዓባይ ብሪጣንያ ከዲጃ ዓሊ መሓመድ ኑር፡ ብወገና ከም ኤርትራውያን ስደተናኛታትን፡ ኣፍሪቃውያንን ንዓና እውን ይምልከተና እዩ ብምባል " በዚ ንዓመታት ክስራሓሉ ዝጸንሐ ዓሌታዊ ምሕደራ ደቅና እውን ኣደዳ'ዚ ጸገም ክኾኑ ንርኢ ኣለና" ኢላ።

ነባሪት ዓባይ ብሪጣንያ ኣስምሃን ዓሊ ዑመር እውን " ናይ ጆርጅ ፍሎይድ ስለዝተሳእለ ኢና ርኢናዮ። ይኹን እምበር ብዙሕ ዘይተራእየ፡ ዘይተሳእለ፡ ዘይተቀድሐ ግፍዕታት ኣሎ" ትብል ነቲ ኣብ ልዕሊ ጆርጅ ፍሎይድ ዘጋጠመ ግፍዓዊ ቅትለት ዘሕዝን ተርእዮ ብምኹናን፡ እዚ ፍጻሜታት'ዚ ዝነበረን፡ ዘሎን፡ ብሕጂ እውን ዝቕጽል ስለዝኾነን "ምስ ደቅና ብኸመይ ንብድሆ ኢና ክንሓስብ ዘሎና" ትብል ኣስማሃን።

ውላዳ ካብ ቑልዕነቱ ኣብ ቤት ትምህርቱ ብመዘናኡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ብፖሊስ ዘጋጠሞ ዓሌታዊ ግህሰት እትገልጽ ኣስገደት፡ ንሳ ካብ እትስደደትሉ 35 ዓመታት ጥራሕ እኳ በቶም ንጸጥታን ሰላምን ናይቲ ማሕበረ ኮም ከኽብሩን ከረጋግኡን ሓላፍነት ዝተዋህቦም ፖሊስ መወዳእታ ዘይብሉ ዓሌታዊ ግህሰት ክፍጸም ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ ትብል።

ኣብ ኣሜሪካ፡ ነቶም ሓደሽቲ ዝመጽኡ ስደተኛታት ኤርትራ ምስቲ ምሕደራን ኣካይዳን ዘላልን ዝሕግዝን ማሕበረ ኮም ስለዘየለ፡ እቲ ሓድሽ ስደተኛ ብቐሊሉ ግዳይ ከምዚ ዓይነት ግህሰት ይኸውን። ጥርናፈ ዘለዎ ማሕበረ ኮም እንተዝነብር፡ ነቲ ሓደጋታት ኣቐዲምካ ስለእትነቕሓሉ ኣዝዩ ምነከየ ትብል ኣስገደት።

ነባሪት ዓባይ ብሪጣንያ ከዲጃ ዓሊ መሓመድ ኑር
መግለጺ ስእሊ, ነባሪት ዓባይ ብሪጣንያ ከዲጃ ዓሊ መሓመድ ኑር

ቀጺላ ኣስገደት፡ ኣብ ኣመሪካ ሓደ ጻዕዳ መምህር፡ ብዓሌታዊ ስምዒታቱ ተደሪኹ ንጸለምትን ስደተኛታትን ቖልዑ ክብድሎም ከምዝኽእል ብተመኩሮኣ ትዛረብ።

"ንሕና ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ሓያል ጥሜት ዝነበረሉ ኣብ 1984 ስለዝተሰደድና፡ እሞ እቲ ኩሉ መራኸቢ ብዙሃን ከኣ ነቶም ብዓጸቦ ኣስከሬን ዝተረፉ ሰባት ስለዘርኢ፡ እቶም ጸዓዱ ንደቅና ኪዱ ንዓድኹም ብምባል ስለድህልዎም ደቅና ከኣ ከም ግብረ መልሲ ይተሃራረሙ እሞ፡ ብሳዕቤኑ ዓሌታዊ ተነጽሎ የጋጥሞም " ትብል።

ኣብ ርእሲኡ እቲ ባህላዊ ፍልልይ ወይ ከኣ (cultural shock) ዝበሃል እውን ኣሎ። ወይዘሮ ኣስምሓን፡ ድሕረ ባይታ ናይ ደቅናን ናይቶም ጸዓዱን ስለዝፈላለ ደቅና ብሕብሪ ቆርበቶም ከም መዕገርገርቲ እዮም ዝረኣዩ። ተበኣስቲ እዮም ስለዝበሃሉ ከኣ ዋላ እቶም ጸዓዱ እንተበዲሎም ናብ ደቅና እዮም ዘላግብዎ ትብል። ንሕና እውን እቲ ጸገም ስለዘይንፈልጦ፡ ንደቅና ኣይተኸላኸልናሎምን - ጸገሞም ክንርድኣሎም ኣይከኣልና ትብል።

ሽዋ ስዩም እውን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ስደት ብዙሓት ጸለምቲ ስለዘለና፡ እቲ ብዝሒ ንባዕሉ ሓይሊ ስለዝኾነ እቶም እንነብረሎም ሃገራት እውን ለሚዶሞ እዮም ትብል።

" እቲ ቅድም ኣብ ሓደ ክላስ ወይ መዋእለ ሕጻናት ሓደ ጸሊም ቖልዓ እንተተረኽበ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይ ጀርመን ብዙሓት ጸለምቲ ስለዘለዉ፡ እቶም ጸለምቲ ቖልዑ እውን ጽምዋ ኣይስምዖምን እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ከባቢኦም ብዙሓት ጸለምቲ ቖልዑት ስለዝህልው እቶም ጀርመናውያን ቖልዑት እውን ይለምድዎ እዮም ትብል።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግን እቲ እትቕመጠሉ ከባቢ እውን ወሳኒ እዩ። " ቖልዑ፡ ኣበየናይ ከባቢ ይዓብዩ ኣለዉ እውን ወሳኒ'ዩ" ትብል ሸዋ፡ ነቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ጀርመን እትርእዮ ምምሕዳራዊ ኣድልዎ ኣብ ግምት ብምእታው።

ኣብ ጀርመን ትብል ሸዋ፡ መምሃራንን ወለድን ንዕቤት ሓደ ተመሃራይ ቖልዓ ብሓባር ክሰርሑ ኣለዎም ዝብል እዩ"። እቶም ወለዲ ንቋንቋ ጀርመን መሊኾም ምስ ጀርመናውያን ክዋስኡ ስለዝጽገሙ፡ ዕድል ናይቲ ቖልዓ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም መምሃራን ባዕሎም ከምዝውስኑሎም ተረድእ።

ስለዚ ትብል " ደቅና ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቶምን ደረጃ ዓቕሞ ወለዶምን ወላ እውን ንፉዓት እንከለው ናብተን ብብቕዓተን ዝተሓታ ቤት ትምህርትታት ይስደዱ" ክትብል እቲ ኣድልዎን ኣፈላላይን ካብ ቤት ትምህርቲ ኣትሒዙ ከም ዝጅምር ተረደእ።

እቲ ቖልዓ እንተሓመቐ፡ ኣብኡ ዝግበር ሓገዛት ኣሎ። እዚ ሓገዛት እዚ ድማ ኣብ መንፍዓት ናይ ስድርኡ እያ እትውሰን። ስድራ ድኹማት ስለዝኾኑ፡ ቋንቋ ስለዘይመልኩ፡ ካብዚ ክላስ እዚ እዮም እንዳተባህሉ ይጓነዩ።

ቋንቋ ዘጽንዑን ዝመልኩን ሓያላት ወለዲ ዘለውዎም ቖልዑ ግን ሓሚቖም ስለዘይሓምቁ ነቲ ዓሌታዊ መስርሕ መኪቶም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑ ኣለው። ናብቲ ደረጃ እቲ ንኽበጽሑ ግን ሓያል ጻዕርን ሓገዝን እዩ ዘደልዮም። ካብኡ ተረፈ ግን እቶም ሓደሽቲ ስደተኛታት ስድራ ቀልጢፎም ቋንቋ ስለዘይመልኩ፡ እቶም ቖልዑት ኣብ መንጎ ክልተ ዓለም ተቐርቂሮም ብርቱዕ ጸገም የጓንፎም።

ሕጂ እውን እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ይኹን ኣብ ልዕሊ እቶም ካልኦት ኣፍሪቃውያን፡ ስድርኦም ቋንቋ ስለዘይፈልጡ፡ እቲ ዕድል ትምህርቲ ካብ መዋእለ ህጻናት ጀሚርካ ክሳብ እቲ ላዕለዋይ ደረጃ ዘሎ እናኣንቆልቆለ ይኸይድ።

ወይዘሮ ኣስምሃን " ጸገም ደቀይ ክርዳእን ብዓቕመይ ንክሕግዞምን ምእንቲ፡ ኣነ ምስኦም ክመሃርን ክምዕብልን ኣለኒ ኢለ ዝጀመርኩዎ ትምህርቲ ንዓይ እውን ብዙሕ ሓጊዙኒ" ትብል። ንደቅና ብቐጻሊ ታሪኽ ጸለምቲ ኣበዋቶም እናነገርና ብመንነቶም ክኾርዑ እምበር ክሓፍሩ ከምዘይብሎም፤ ደቂ ሰባት ኩላትና ማዕረ ምዃንና፡ እቲ ናይ ሕብርን ዓሌትን ጉዳይ ንፖለቲካዊ ዕብለላን ዝተፈጥረ ምዃኑ፤ ጸለምቲ አህዛብ ካብ ዘጋጠሞም ጭኮናን ኣድልዎን ንኽወጽእ ከቢድ ቃልሲ ከምዘሕለፉን ገና የሕልፉ ከምዘለውን እናነገርና ብሞራል ክንሃንጾም ይግባእ ትብል ኣስምሃን።

ነባሪት ዓባይ ብሪጣንያ ኣስምሃን ዓሊ ዑመር
መግለጺ ስእሊ, ነባሪት ዓባይ ብሪጣንያ ኣስምሃን ዓሊ ዑመር

ኣብ መስርሕ ብዙሕ ዕንቅፋትን ብደሆን ከምዘሎ ርዱእ እኳ ይኹን እምበር ነብሲ ወከፍ ሰብ ኣብቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ነናቱ እጃም እንተገይሩ ዓቢ ኣበርክቶ እዩ ትብል ከዲጃ።

ጸዓዲ ኣብ ዝበዝሑዎ ዓድን ከባብን ትነብር እንተኼንካ ነቲ ከጋጥመካ ዝኽእል ብደሆ እውን ክትቅረበሉን ብኸመይ ክትገጥሞ ከምዘለካን ነብስኻ ክትሰርዕን ክትውድብን ኣገዳሲ እዩ። እንተተኻኢሉ ሓይል ኮሚዩኒቲ ብምፍጣር እቲ መኸተ ብሕብረት ክትገብሮ ኣገዳሲ እዩ እንተዘይተኻኢሉ ግን ነብሲ ወከፍ ስድራ ምስ ቀረብኣ እናተሓጋገዘት ደቃ ክትናብን ኣብ ትምህርትን ስራሕን ዕውታት ንኪኾኑ ዋጋ ክትከፍልን ግዴታ እዩ ትብል ኣስገደት፡ ጸዓዱ ኣብ ዝበዝሑዎ ቤት ትምህርቲ ዝነበረ ጸሊም ውላዳ ብመዛንኡ ኮነ ብመማህራኑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ኣድልዎ ብምዝካር።

ኣብቲ ውላዳ ዝመሃረሉ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ነገር እንተጋጢሙ፡ ንብረት እንተተሰይሩ፡ ርሳስ ፒሮ እንተጠፊኡ "እቲ ጸሊም ቖልዓ እዩ ሰይሩዎ፡ ንሱ እዩ ወሲዱዎ" እናበሉ የሸግሩዎን ነይሮም።

ሓደ እዋን ወዲ 15 ዓመት እንከሎ፡ ኣብቲ ዝመሃረሉ ዝነበረ ሓደ ነገር ምስተሰብረ፡ ፖሊስ ከይተረፉ፡ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቲ ትብል ኣስገደት፡ መን እዩ እዚ ቖልዓ፡ ከመይ እዩ ጠባዩ ከይሓተቱ፡ ሓንቲ ካብቶም መዘነታቱ ንሱ እዩ ስለዝበለት ጥራይ፡ ነቲ ክሲ ከየጻረዩ ኣብ ቅድሚ ተማሃሮ ኣሲሮም ከም ዝወሰዱዎን ንጽባሒቱ ግን መሰረጋገጹ ይቕሬታ ሓቲቶም ከምዝፈትሑዎን፡ እቲ ፍጻሜ ከኣ ኣብ ልዕሊኣን ልዕሊ ወዳን ከቢድ ስምብራት ከምዝገደፈን ብምረት ትዝክሮ።

እቲ ብትምህርቱ ንፉዕ ዝነበረ ውላዳ ካብታ እዋን ሞራሉ ተተንኪፉ ኣስታት ክልተ ዓመት ግዜ ከምዘባኸነን ናብቲ ዝነበሮ ሞራልን ኤነርጂን ክምለስ ብዙሕ ጻዕሪ ከምዘሕለፈት ትዝክር። እዚ ኣስገደት እተዘንትዎ ዘላ ዛንታ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያንን ጸለምቲ ጸገም እዩ። ኣብ ገሊኡ ከኣ ሃይማኖት ምስ ዝውሰኾ እውን ተወሳኺ ጾር ይህልዎ።

ብሰንኪ ጻዕሪ ስድራ-ቤትን መንፍዓት እቲ ቖልዓን ግን እቲ ከምዚ ዓይነት በደል ዝወረዶ መንእሰይ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ባዕሉ ኣኽባር ሕጊ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

ኣብ እትነብረሉ ሃገረ ጀርመን ከም ተጣባቂት ወይ ሓጋዚት መሰል ናይ ወጻእተኛታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ማለት ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ኮይና እትዓዩ ሸዋ ስዩም እውን፡ ዓሌትነት፡ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታታ፡ ኣብ ስራሕ ድዩ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ዝቕመጥዎ ገዛውቲ በብግዜኡ ዘጋጥም ተርእዮ ምዃኑ ተረድእ።

እቶም ተሰዲድና እንመጽኦም ዘሎና አህዛብ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ብምብዛሕ ስደተኛታት፡ ዓድና ትውረር ኣላ፡ ባህልና ይቕየር ኣሎ፡ ሃይማኖትና ይቕየር ኣሎ ዝብል ስምዒታት እናጎልሐ ይኸይድ ምህላውን እቲ ብደሆ ከቢድ ምዃኑን ትሕብር።

ስለዝኾነ ጸለምቲ፡ ነዚ ዘጋጥሞም ዘሎ ዓሌታዊ ብደሆታት ንምግጣም፡ ብሓንሳብ ተሓቛቊፎም ሽግሮም ባዕሎም ክፈትሑ ክኽእሉ ብዘርእን ብዓሌትን ካብ ዘጋጥም ሽግራትን ምግሃስ መሰላትን ንኪናገፉ ሓያል ማሕበረ ኮም ክምስርቱ ኣገዳሲ እዩ ትብል።

ከዲጃ ዓሊ መሓመድ ኑር እውን ኣብ ብሪጣንያ ልክዕ ከምቲ ንኣስገደት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ውላዳ ዘጋጠማ ዝመሳሰል፡ ውላዳ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ክነሱ መማህርቱ ቖልዑ ብኻራ ከምዝጎየዩዎን ብገመድ ክሓንቁዎ ከምዝፈተኑን ምስ ዓበየ ከኣ ፖሊስ ምንም ከይገበረ ከምዝተጻብኡዎ ከም ሳዕቤኑ ድማ ወትሩ ከምእትሻቐል ትዛረብ።

እዘን ኣብዚ ሰፊሕ ዛዕባ ዝተሳተፋ ተዛተይቲ፡ ደቅና ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት እቲ ዝነብሩሉ ዓዲ ክዋስኡን ኣብቲ ፖለቲካዊ መሳርዕን ቅርጽን ኣትዮም ንመሰሎም ክቃለሱ ከነተባብዖም ይግባእ ክብላ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን።