ሕማም አእምሮ፡ ዋላ'ኳ ብሰሃራ እንተዘይሓለፍኩ እቲ ቃንዝኡ እፈልጦ እየ

ምንጪ ስእሊ, Meron Semedar
"ጥዕና - አእሙሮ ዘርእን ዓሌትን፡ ሃይማኖትን እምነትን ዘይፈሊ ንኹሉ ዘጥቅዕ ሕማም እዩ" ብማለት ግዱሳት መንእሰያት በይ ኤርያ፡ ኣፍልጦ ማሕበረሰቦም ብምዕባይ፡ ውሕጅ ከይመጽአ እቲ ዝግበር ክግበር፡ እቲ ጸገም እንተጋጢሙ ከኣ ብጥበብን ፍልጠትን መታን ክእለ፡ ንሓሙሽተ ኤርትራውያን ሞያውያን ኣሰተምህሮ ክህቡ ዓዲሞሞም።
እቶም ምሁራት፡ ኣቶ ዮውሃንስ ፈርዲናንድ ድራር፡ በሰላ ስነ አእምሮ፡ ኣብ ዜጋታት ዘሕድሮ ጸገም፤ ነቢያት ሓጎስ፡ እምነትን ፍወሳን ጽንዓትን፤ ዶክተር ነስረዲን ዓብዱ፡ ዓቕሚ ዝርርብን ብምምዕባል ምብህሃል፡ ልያ ብርሃነ፡ ነብሰ ምክንኻንን ምምዕባልን ስድራ ቤታዊ ኣልያን፤ በረኸት ነጋሲ ካብ ኦክላንድ ሻቕሎት ጭንቀትን ስነ-አእሙራዊ ምዝንባልን ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ሂቦም።
ቢቢሲ ትግርኛ ንገለ ካብቶም ኣሰናዳእቲ ንሜሮን ሰመዳር፡ ፍረወይኒ ረዳኢ ከምኡ እውን ንኪኢላ ጥዕና አእምሮ ኣቶ ዮውሃንስ ድራርን ንተሳታፊት ወይዘሮ ዓቲጋ ዓረፋን ኣዘራሪቡዎም ኣሎ። እቲ ዝኾነ እነሆ፦
ቀዳም ሸሞንተ ለካቲት ካብ ሳንሆዘ፡ ቤይ ኤርያ፡ ኦክላንድ፡ ካሊፎርንያ፡ በርክሊ፡ ሳንታ ክላራን፡ ሳን ፍራንሲስኮን ዝመጽኡ ኤርትራውያን፡ መዓልቲ ኣስተምህሮ ጥዕና አእምሮ ብሓባር ከሕልፉ፡ ገሊኦም ምስ ደቆም፡ ናእሽቱ ቖልዑ፡ ገሊኦም ምስ መጻምድቶም፡ ገሊኦም ምስ ስድረኦም፡ ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት፡ ማእከላይ ዕድመን ዓበይቲ ሽማግለታትን ኩሎም ኣብ ሓደ ኣደራሽ ተኣኻኺቦም።
እቲ ምትእኽኻብ ብግዱሳት ኤርትራውያን ሞያውያን መንእሰያት ዝተዓደመ እዩ። ሓያሎ ሰባት ከኣ፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ንኹሉ ህዝቢ ዝኣከበ፡ ካብ ሃይማኖትን ፖለቲካን ወጻኢ ዝኾነ ንጥዕና ዝምልከት ኣስትምህሮ ክወሃብ ንፈለማ'ዩ እሞ ክድፍኣሉ ኣለዎ ይብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Meron Semedar
ንምዃኑ ስለምንታይ እዩ እቲ ኣኼባ ተወዲቡ?
ቅድሚ 15 ዓመታት ካብ ኤርትራ ንሱዳን ተሰዲዱ፡ ካብኡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰጊሩ፡ ኣብ መወዳእታ ንኣመሪካ ኣትዩ ዑቕባ ሓቲቱ ዝነብር ዘሎ ምሁር ዓውደ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሜሮን ሰመዳር፡ ካብቶም ቀንዲ ወደብቲ እቲ መደብ እዩ።
ንሱ፡ "እቲ ኣብ ስደተኛታት አሕዋተይ ዘጋጥም ዘሎ ጸገም፡ ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ጸገም ስለዝኾነ ብሓባር እንተሰሪሕናሉ ጥራሕ'ዩ ዝፍታሕ" ብምባል፡ ነቲ ሓሳብ ምስ መሳርሕቱ ከምዘበገሶን ከምዝወደቦን ንምቕሉል ኣበርክቶኡ ብትሕትና ይዛረብ።
ኣብ ኣመሪካ ን11 ዓመታት ዝተቐመጠት ካብ ኤርትራ ወጺኣ ብኬንያ ኣቢላ ንኣመሪካ ዝኣተወት፡ ጓል ባረንቱ፡ መንእሰይ ፍረወይኒ ረዳኢ እውን "ዋላ'ኳ ንኣመሪካ ብነፋሪት እንተኣተኹ፡ ኤርትራውያን አሕዋተይ በቲ ዘስካሕክሕ መገዲ ሰሃራን ባሕርን ስለዝመጽኡ ብሕልናን መንፈስን ተኻፋሊት ስቓዮም'የ ነይረ" ትብል።
ናይ አእሙሮን ምንቅስቓስን ጸገም ንዘለዎም ቖልዑ ንምሕጋዝ ከኣ ሕጂ ኣብ ስተይት ዩኒቨሪሲቲ ሳንፍራንሲስኮ ናይ ራብዓይ ዓመት ትምህርታ ትከታተል ኣላ።
ኣብ ዝተፈላለየ ኮሌጃትን ዩኒቨርሲቲን ኤርትራዊ ማሕበረ ኮማትን ኣፍልጦ ጥዕና አእምሮ ንምዕባይ ቀጻሊ ኣስተምህሮ ዝህብ ኪኢላ እቲ ዓውዲ ኣቶ ዮውሃንስ ፈርዲናንድ ድራር፡ "ሕብረተሰብ እንተነቒሑን እንተሰሪሑን ንጥዕና አእሙሮ ክንከላኸሎን ከነጉድሎን ስለእንኽእል ዓቕመይ ክሳብ ዘፍቅዶ ፍልጠተይን ተመኩሮይ ንምክፋል ድሕር ኣይብልን እየ" ክብል ብዓቕሙ ንሕብረተሰቡ ምግልጋሉ ከምዘሐብኖ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Meron Semedar
ሕማም አእምሮ ኣብ ስደተኛታት
"ኣብ ስደት ኣብ ዝነብር ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ሕማማት አእምሮ እናበዝሐን እናገነን ይኸይድ ብምህላው፡ ሕብረተሰብና ብዛዕባ እቲ ሕማም ግቡእ ኣፍልጦ ክህልዎ ይግባእ" ይብል ዮውሃንስ ፈርዲናንድ።
መንእሰይ ሜሮን እውን ኣብ በይ ኤርያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ነብሶም ዝቐተሉን፡ ኣብቲ ዝዓበየ በዓል ኣመሪካ፡ ኣብ መዓልቲ 'ታንክስ ጊቭን' ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተቐትሉን ሰባት ምንባሮም ይዝክር።
ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር ብዙሓት ዜጋታት ብዝተፈላለየ ዓይነት ሕማም ስነ-አእሙሮ ይሽገሩ ብምህላዎም፡ ንሳቶም ኮነ ስድራ-ቤቶምን መቕርቦምን፡ ነቲ ጸገማት ተረዲኦም ፍታሕ ክረኽቡ ብማለት ምስ ግዱሳትን ውፉያቱን ብጾቱን ህዝቢ በይ ኤርያን ኮይኑ፡ ካብ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ፡ እስላምን ክርስትያንን ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝሳተፉዎ መደብ ከምዝወደብዎ ይዛረብ።
ኤርትራዊ ኣብ ዝሓለፈ 15-20 ዓመታት ግዳይ ስደትን ከልበትበትን ስለዝኾነ፡ ኣብ ዝተፈላላየ እግሩ ዘንበረሉ ሃገረ-ስደቱ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ እስራኤልን ኤውሮጳን ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ኣብ ኒውዝላንድን ኣውስትራልያን ሕማም አእምሮ ብዘስዓቦ ጭንቀትን ድፍኢትን ቀሊል ቁጽሪ ዘይበሃል ቅትለትን ነብሰ ቕትለትን ተመዝጊቡ'ዩ።
ንነገሩ ነቲ ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ኣብ ሰሃራን ባሕርን ክትዛረበሉ ዘሰምብድ ግፍዕን መከራን ዝረኽቦ ዘሎ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ፡ ዋላ ሓደ ሰብ እውን እንተኾነ ብቅትለትን ነብሰ ቅትለትን ክፍለዮ ብዙሕ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Meron Semedar
ስደትን ፖለቲካዊ መርገጽን ብዝፈጠሮ ረጽሚ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ብፖለቲካን ሃይማኖትን ኣብዚ ቐረባ እዋን ከኣ ብዓሌትን መበቆልን እውን ከይተረፈ ተተፋኒኖም ስለዝተረሓሐቑ፡ ጸገማቶም ሓቢሮም ክዝትዩሎም ብዘይምኽኣሎም ንሕማም አእምሮ ዝያዳ ከምዘጋንኖ ኣብ 1978 ኣብ ንእስነታ ምስ ሰለስተ ደቃ ንኣመሪካ ኣትያ ፈታኒ ህይወት አሕሊፋ መወዳእትኡ ዝተዓወተት ተሳተፊት እቲ ዋዕላ ወይዘሮ ዓቲጋ ትዛረብ።
መንእሰይ ሜሮን እውን ኣብቲ ዝወደቡዎ ኣስተምህሮ ጥዕና-አእሙሮ ካብቲ ኣሽሓት ነባሪ ኣስታት 300 ዝኣክል ተሳታፊ ጥራሕ እኳ እንተመጽአ፡ ኣብቲ ቦታ ብፖለቲካን ሃይማኖትን ዝሰዓበ ምትፍናን፡ ስለዘሎ በቲ ተሳታፊ ዕጉብ ምዃኑን ንመጻኢ ከኣ ኣደራሽ መጋባእያታት ብዕጽፍን ክልተ ዕጽፍን ብዝሒ ህዝቢ ከዕለቕልቖ ዘለዎ ትጽቢትን ተስፋን ይገልጽ።
ኣባል እቲ ወዳቢ ጉጅለ ብምዃናን ብንኡስ ዓቕማ ንሕብረተ ሰባ ከተገልግል ምፍታና ሓበን ዝስመዓ መንእሰይ ፍረወይኒ ረዳኢ፡ ኣብቲ መዓልቲ ምስፋሕ-ንቕሓት፡ "እምነትን ድሕነትን" ብዝብል ኣርእስቲ ወዲ ሰብ ኣብ እምነቱን ኣምላኹን ተስፋ ብምንባር ማዕረ ክንደይ ካብ ጭንቀቱን ጸገሙን ከምዝፍወስ፡ ብሓፍቲ ነብያት ሓጎስ ዝቐረበ ኣስተምህሮ ከምዝመሰጣ ትዛረብ።
ብተወሳኺ ኮሚዩኒቲ በይ ኤርያ ካብ ሃይማኖትን እምነትን ነጻ ኣብ ዝኾነ ዛዕባን ውዳበን ንኹሉ ብዘገድስ ዛዕባ ኢሂን ምሂን ክበሃሃል ምርኣያ ኣዝያ ከምዝተሓጎሰት ትገልጽ።
እቶም ኣዳለውቲ፡ እቶም ቖልዑ ዘለዎም ስድራ-ቤታት ካብቲ መደብ ንኸይበኹሩ ንቖልዑት ዝኸውን ናይ ቅብኣን ሙዚቃን መደባት ምዝንጋዕ ስለዝወደቡ፡ እቲ መዓልቲ ዕዉት ምንባሩ እዮም ዝገልጹ።
ብፕሮተይን ባዮኬሚስትሪ መዓርግ ሊቅነት (ፒኤችዲ) ዝረኸበ፡ ኣብ ምምዕባልን ምቁጽጻር ብቕዓትን መድሃኒት ናይ ምፍጻም ተራ ዘለዎ ዶር ነስረዲን ዓብዱ፡ ትምህርታውን ሞያውን ብቕዓት መንእሰያት ክብ ኣብ ምባል ናይ 20 ዓመት ተመኩሮ ዘለዎ ኣብ ብዙሕ ሳይንሳዊ ምርምራት ሞያዊ ፍልጠቱን ተመኩሮን ዘካፍል ኣብ ሕብረተስብ ምስልምና ሰሜን ኣሜሪካ ጸላዊ ሰብ እዩ። ንሱ ዓቕሚ ዝርርብን ብምምዕባል ምብህሃል ብዝብል ዛዕባ እዩ ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ።
ኣብ ቀረባ ግዜ ንጽህና/ ቅንዕና (ረክቲትዩድ) ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሕተመ ብዓውደ ምምሕዳር ሰብኣዊ ጸጋታት፡ ናቹራል ሳይንስን ነርሲንን ዲግሪ ዘለዎ፡ ተሸላሚ ኣፍሪካን ኣመሪካን 'ሊደርሺፕ ኣዋርድ'፡ ሕጂ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጥም ዘሎ ጭንቀትን ጸቕጥን ምርምን ዘቤታዊ ፍወሳን ብዝምልከት መጽናዕቲ ዘካይድ ዘሎ ነባሪ ሳን ፍራንሲስኮ በይ ኤርያ፡ በረኸት ነጋሲ ሻቕሎት ጭንቀትን ስነ-አእሙራዊ ምዝንባልን ብዝብል ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Meron Semedar
ሜሮን ሰመዳር እውን እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተረሓሒቑ ዝጸንሐ ሕብረተሰብ ፍልልያቱ ኣወንዚፉ ወይ ርእይቶኡ ሒዙ ኣብቲ ንኹሉ ዘገድስ ዛዕባ ንኪሳተፍ ኩሎም ዝምልከቶም ሽማግለታት ሕብረተሰብ ካህናትን መሻይኽን ኣኣብ ኣብያተ እምነቶም ጎስጓስ ብምክያድ ከምዝተሓበበሩዎን እቲ ዓወት ናይ ኩሉ እጃሙ ዘበርከተ ዜጋ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ደጋጊሙ ድማ ንኹሎም እቶም "ንሕብረተሰብና ብስራሕ ነርእዮ" ዝበሉ ወደብትን እቶም ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ዝመጽኡ ተሳተፍትን ብፍላይ ከኣ ነቶም ሞያዊ ፍልጠቶም ዘቕረቡ ግዱሳት ሃገራውያን ደጋጊሙ የመስግን።
ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ኤርትራዊ ሞያዊ፡ ኣኣብ ከባቢኡ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ምውድዳብ ክገብር ይፍትን ምህላውን ኣብ በይ ኤርያ ንኣብነት፡ 'ኤርትርያንስ ሀልዝ ኬር ኣስዮሸንስ' ብዝብል ስም ግዱሳት ሞያውያን ይተኣኻከቡ ብምህላዎም እቲ ንጥዕና ዝምልከት ንሳቶም ክዓምዎ ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ይሕብር ሜሮን።
ኩሎም እቶም ወደብቲ መደብ፡ ፍረወይኒ ኮነ ሜሮን፡ ከምኡ እውን ኣቶ የውሃንስን ሓቢሮምዎ ወረቐት ዘቕረቡ ኤርትራውያን ምሁራትን ብድምር ነናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉይነት ዘለዎም ኣካል ላህመት ሕብረተሰብ ኤርትራ እዮም። ስለዝኾነ ከኣ እዮም ዓቕሞምን ፍልጠቶምን ንምቕራብ ግዜኦምን ጉልበቶምን ከይበቐቑ ዝተወፈዩ ትብል ተሳታፊት እቲ መደብ ወይዝሮ ዓቲጋ።
"ሽግርካ እንተዘይተዘራብካሉ ፍታሕ ኣይርከብን እዩ" ዝብል እምነት ዘለዋ ዓቲጋ ዓረፋ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ 1978 ሓቢሩዋ ንኣመሪካ ዝኣተወ ምንኣሳ ሓዋ ብጭንቀት ነብሰ ቅትለት ብምፍጻሙ ከቢድ ጓሂ ከምዘለዋ ሓቢራ። ካብ ኣባል ስድረኦም ዝኾነ ናይ አእምሮ ጭንቀት ዘማዕበሉ ስድራቤታት ሓገዝ ናብ ዝረኽቡሉ ትካል ከይዶም ህይወትን ሃለዋትን ፍቱዋቶም ከድሕኑ ተማሕጺና።

ምንጪ ስእሊ, Meron Semedar
"ሕብረተሰብና ብዛዕባ ሕማም አእሙሮ ስለዘይዛረብ ኣብ ነብሲ ወከፍ ቤት እንታይ ኣሎ ክትፈልጥ ኣጸጋሚ እኳ እዩ። ይኹን እምበር ከም ኣብ ነብሲ ወከፍ ኮሚዩኒቲ ዝርአ ብምዃኑ፡ እቲ ሽግር ኣባና ክህሉ እውን ባህሪያዊ እዩ" ትብል ፍረወይኒ ረዳኢ።
ሕብረተሰባት ንሕማም አእምሮ ከከም ደረጃ ምዕባለኦምን ምስ ሳይንስን ዘለዎም ቅርበትን ፍልጥትን እዮም ዝርእዩዎ። ኣብቲ ብፍልጠትን ንቕሓትን ዘይማዕበለ ሕብረተሰብ፡ ናይ ጥዕና ጸገም ንዘጋጠሞ ሰብ 'ጋኔን ሒዙዎ፡ ርኹሳት መናፍስቲ ተጻቢኦሞ፡ ደባትር ሰርዮሞ፡' ስለዝበሃልን ክሳብ መውስቦ እውን ስለዝኽልክል እቲ ህዝቢ ነቲ ሕማም ክዓብጦ ከምዝጽዕር እዩ ዝዛረብ ዮውሃንስ ፈርዲናንድ።
ሕጂ እኳ ይሓይሽ እምበር ኣብ ሕብረተሰብና ናይ ኣእምሮ ጸገምን ድስካለን ዘለዎም ቖልዑ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ናብ ህዝቢ እውን ኣይቃልዑን እዮም። ኣብዚ ኣብ ምዕራብ ዓለም ግን ኣብ ኦሎምፒክ ከይተረፈ ንክሳተፉ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ከምዝግበረሎም ትዛረብ ፍረወይኒ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እውን ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳተፍ ኤርትራዊ ተሓካሚ ጥዕና አእምሮ ብምርካባ ሓጎስ ከምዝተሰመዓ ትሕብር።
ዮሃንስ ፈርዲናንድ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ዝበዝሑ ኣፍሪቃውያን ንዝርከቡዎም ምሁራት ኣብ በርክለይ፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ንኤርትራውያን ተማሃሮ እቲ ዩኒቨርስቲ፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ከኣ ምስቶም ኣርባዕተ ኤርትራውያን ሓቢሩ ንኤርትራዊ ሕብረተሰብ በይ ኤርያ ፍልጠቱን ተመኩሮኡን ኣካፊሉ።
ዮውሃንስ ብፍላይ ኣብዚ ዓመት ኣብ ካናዳን አመሪካን ሓያሎ ነፍሰ ቅትለታት ከምእተኻየደ ብምሕባር እዚ ድሕሪ ስምባደን ወጥርን ዝመጽእ ሕማም ኣእምሮ ብውልቅን ብስድራን እንተፈሊጥናዮን እንተተረዲእካዮ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይዓረገ ክትቆጻጸሮ ከምዝከኣል እዩ ዝሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Freweyni Redae
ምትእስሳር ምስ ዩኒቨርስቲ ባርክለይ
"ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ክቡር ባህሎምን ፍቕሮምን እውን እዮም መጺኦም። ሽግርን ጸገምን ጥራሕ ኣይኮኑን ሒዞም ተሰዲዶም" ዝብል መንእሰይ ሜሮን፡ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ምስቲ ብጽሬቱን ዕብየቱን ዝፍለጥ ዩኒቨርስቲ በርክለይ ንምትእስሳርን ዕድል ማህደረ ትምህርቲ ንኽረኽቡን ብምሕላን እቲ ኣስተምህሮ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝተወደብ ይሕብር መንእሰይ ሜሮን።
ኣባላት እቲ ዩኒቨርሲቲ እውን በቲ ዝተገብረ ውዳበን ዝቐረበ መደባትን ኣዝዮም ከምዝተሓጎሱ ይዛረብ።
ልያ ብርሃነ፡ ሕብረተሰብና ኣጋጢሙዎ ብዘሎ ማሕበራዊ ጸቕጢ ነዛ ነብሱ ከይኮነ፡ ንስድርኡ፡ ነሕዋቱ፡ ነዝማዱ፡ ንኣዕሩኽቱ ክሕግዝ፡ ከውጽእ፡ ኣብ ጉዳይ ስድራ ቤት ኣጸቢቑ ስለዝዋሳእ ኣብ መስርሕ ጸገማት ክፍጠር ስለዝኽእል ጸገማቱ ተጠንቂቑን ሃዲኡን ክፈትሖ መኺራ።
ሰመዳር ነቲ ዋዕላ ብዙሓት ኤርትራውያን ትካላትን ማሕበራትን ስፖንሰር ከምዝገበረኦን ኩሉ ኣባል ሕብረተሰብ በብዓቕሙ ስለዘበርከተ ዕውት ምንባሩ ምስናይ ምስጋናን ኣኽብሮትን ይገልጽ።
ወይዘሮ ዓቲጋ ዓረፋ እቲ ሕብረተሰብ ብዝተፈላለየ ዓውዲ ዝተማህሩን ዝሰልጠኑን ንልምድን ባህልን ህዝቦም ዝፈልጡ ካብቲ ሕብረተሰብ ዝበቖሉ ሞያውያን ደቁ ንህዝቦም ምኽርን ኣስተምህሮን ክህቡ ብምርኣያ ደረት ዘይብሉ ዕግበት ከምዝተሰመዓ ብምግላጽ ህዝቢ ክጥቀመሎም ኣተሓሳሲባ።
ኣብ መወዳእታ መንእሰይ ሜሮን፡ እቶም ነቲ ኣስተምህሮ ዝወደቡ መንእሰያት ተራኺቦም ካብ ዝቐደመ ንጥፈት ገምጋም ወሲዶም ንመጻኢ ዝሓሸን ዝሰፍሐን መደብ ክሰርዑ ከምዝኾኑ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







