" ሰብ ኣይነበርኩን ሕጂ እውን ኣይኮንኩን" ዛንታ ስደተኛታት

ፌይዛ ባይንጋና

ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝሓሸ ህይወት ንምርካብ፤ ጥምየትን ቁርን ከይዓገቶም ብዘጸግም ኩነታት ንመዓልታት ወይ ድማ ንኣዋርሕ ብእግሮም ተጓዒዞም ናብ ካልኦት ሃገራት ይሳገሩ።

በዚ ፈታናይ ጉዕዞ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም፤ ክፍሊ ኣካላቶም ተሸይጡ፤ ሕልሞም ከይተግሃደ ሞይቶም። ካልኦት ድማ ዘይሓዊ በሰላ ኣጋጢምዎም ይርከብ።

ብዙሓት በቲ ዘሎ ቁጠባውን ፖለቲካውን ሃዋህው ኣምሪሮም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ካልኦት ሃገራት ክስደዱ ከለው፡ ብኣንጻሩ ድማ ኢትዮጵያ ናብ ሚልዮን ንዝጽግዑ ዜጋታታት 20 ሃገራት መዕቆቢት ኮይና ትርከብ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ክኾኑ ከለው፡ ዝተፈላለዩ ሳዕቤናት ኲናት ሰጊረን ፆታዊ ግህሰት በፂሕወን ንቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ ዝተቓልዓ፤ ከምኡ'ውን ሓለዋ ዘድልዮም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብስደተኝነት ተመዝጊቦም እናነበሩ ይርከቡ።

ኣብ ከተማ ዝነብር ስደተኛ መን ይኹን? ንዝብል ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታታት'ዩ ዝውስን። ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ምስ ዝሰርሑ ትካላት ድማ ሓቢሩ ይሰርሕ።

ኣስረሳሽ ስራው ኣብ ኮሚሽን ልምዓትን ተራድኦን ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ መምርሒ ስደተኛታትን ተመለስቲን ሓላፊት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ጸታዊ ግህሰትን'ያ።

በዚ መምርሒ ዝሕገዙ ኣስታት 4500 ስደተኛታት ኣለው። ካብ ሓገዝ ኣገልግሎት ሕክምና ብተወሳኺ፡ ብመጠን ኣባላት ስድራ በብወርሑ ገንዘብ ከም ዝዋሃቦም ትዛረብ።

መብዛሕቲኦም ብኲናት ካብ ዝዓነዋ ሃገራት ዝመጹ እዮም። ብምዃኑ ድማ ንዝለዓለ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ኣጋጢምዎም ከምዝመፁ ገሊጻ።

ገለ ካብቶም ዛንታታት ንኽትሰምዖም ዘስካሕክሑን ንሰብኣውነት ኣብ ሕቶ ዘእትዉን እዮም።

አስረሳሽ ስራው

ምንጪ ስእሊ, BBC

ካብዚኦም ሓንቲ፡ ንበረኻ ሲናይ ክተቋርፅ ብወተሃደራት ተታሒዛ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ብሓዊ እናንደዱ፣ ብኤለክትሪክ እናሳቐዩ ከም ዝተጋሰስዋ እትዛረብ ኣስረሳሽ፡ 18 ዓመት ኣብ ዘይመልኣ ዕድመ በቲ ዘጋጠማ በደልን ስቓይን ንኣእምሮኣውን ኣካላውን ማህሰይቲ ከም ዝተሳጥሐት ትሕብር።

ናብ ማህጸና ባዕዲ ነገር ኣትዩዋ ማህጸና ብሕክምና ክእለ ዝተገበረ ሰበይቲ፤ ካልእ ህፃን ድማ ንኽልቲኦም ወለዱን ሓውን ምስቀተሉ ንዕኡ'ውን ወተሃደራት ተጋሲሶም ንዘይሓዊ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ፀገማት በሰላ ተቓሊዑ'ዩ።

ኣስረሳሽ "ነዚ ተግባር ዝፍፅሙ ሰባት ድዮም ኣራዊት?" ክትብል ትሓትት።

ኣብ ቀጽሪ መምርሒ ስደተኛታትን ተመለስትን ካብ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያ፣ ኮንጎ፣ ሩዋንዳ፣ የመንን ካልኦት ሃገራትን ዝመፁ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ኣዕቚቦም ይርከቡ።

ካብ ኮንጎ ማሲሲ ዝተብሃለ ከባቢ ዝመፀት ጓል 32 ዓመት ፌይዛ ባይንጋና ሳይመን ካብኣቶም ሓንቲ እያ።

ጉጅለ ዓመፅቲ ካብቲ ትነብረሉ ዝነበረት መንደር ምስ ባዓል ገዝኣ ወሲዶም ኣብ ውሽጢ ጫካ ከም ዝደፈርዋ ትዛረብ።

ወዳ ከመይ ከም ዝበኸየን ከመይ ከም ዝሃረምዎን ብምዝካር "ብዝበጽሖ ስቓይ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ምዝራብ ኣይክእልን ነይሩ" ትብል።

ንሳ ከም እትብሎ፡ ሕጂ'ውን ብዘይካ ውሑዳት ቃላት ምዝራብ ኣይክእልን። ንባዕሉ'ውን ኣይቆጻጸርን ኢዩ።

ዝበፅሖ ከቢድ ማህሰይቲ ከይሓወየ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኣቡኣ፣ ሓዋን ካልኦት ቤተሰባን ከም ዝተቐተሉ ትዛረብ። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ገዛውቲ'ውን ተቓፂሎም።

ህይወታ ንምድሓን ንሹፌራት እናለመነት ናብ ዩጋንዳ ተሰዲታ። ጉዕዞ ስደታ ግን ኣብኡ ኣይተዛዘመን። ናብ ኬንያ ካብኡ ድማ ብኣውቶብስ ገይራ ናብ ኢትዮጵያ ኣትያ።

ፌይዛ፡ እዚ ኩሉ ስቓይ ቅድሚ ምምፅኡ ዝሓሸ ህይወት ትነብር ምንባራ'ያ ትዛረብ። ናብ ኢትዮጵያ ክሳብ እትበፅሕ ብዙሕ ፈተናታት ሰጊራ።

ናብ ኢትዮጵያ ምስበፅሐት ኣብ ጥቓ ኣሶሳ ናብ ዝርከብ ሸንኮሌ እናተባሃለ ዝፅዋዕ መዕቖቢ ስደተኛታት ንቁሩብ መዓልታት ፀኒሓ። ኣብኡ እናነበረት ስለዝሓመመት ግን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተልኣኸት ትዛረብ።

ኣብ ከተማ እትነብር ስደተኛ ስለዝኾነት ብወርሒ 3 ሺሕ ቅርሺ ይኽፈላ። እዚ ግን ምስቲ ናብራ ምኽባሩ እኹል ከምዘይኮነ ትገልፅ።

"ገዛ ክራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከቢድ'ዩ። ንትራንስፖርት ክኸፍል ግድነት'ዩ። ኣብ ልዕሊኡ ቆልዑት ኣለውኒ፤ ፀገም ጥዕና'ውን ኣለኒ" ትብል።

ግዳይ ሕማም ኤይድስ ኣብ ርእሲ ምዃና ኣብ እተደፈረትሉ እዋን ዝተፈጠረ ረኽሲ ናብ ካንሰር ከምዝተቐየረ ተነጊርዋ'ዩ።

ካልእቲ ካብ ኮንጎ ዝመፀት ስደተኛ ኩዊን እውን ተመሳሳሰሊ ዛንታ ኣለዋ። ካብ ኮንጎ ካብ እትመፅእ ዓሰርተ ዓመት ዝኾና ኩዊን ኣብ ኢትዮጵያ'ያ ተወሊዳ።

ኩዊን መለሰ

ወላዲ ኣቡኣ ንዝተወሰኑ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ስለዝተቐመጠ፡ ኣብዚ ንኽትውለድ ምኽንያት ኮይኑ።

ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ካብ ዝመቓቐልዋ ኮንጎ ሃዲማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝመፀት ብሓዘንን ንብዓትን ተመሊኣ ትዛረብ።

"ሰብ ኣይነበርኩን፤ ሕዚ'ውን ብሰንኪ ዘጓነፈኒ ነገር ሰብ ዝኾንኩ ኣይመስለንን። ስድራይ ተቐቲሎም'ዮም። ብዘስካሕክሕ ኩነታት ክቕተሉ ከለው ርእየዮም'የ። ኣብ ኣካላተይ ዘብፅሕዎ በደላት ዝግለፅ ኣይኮነን" ትብል።

እቶም ዕጡቓት ንስድርኣ ምስቀተሉ ንዓኣ'ውን ክብረ ንፅህንኣ ደፊሮም ሞይታ ኢሎም ገዲፎምዋ ከምዝኸዱ ትዝክር።

በቲ ሽዑ እዋን ተምሃሪት ሞያ ሕክምና ዝነበረት ኩዊን፡ "ሕዚ ሰብ የብለይን፤ ኣብ መገዲ ንሓወይ ዝመስል ክርእይ ከለኹ ምፍጣረይ እፀልእ" ክትብል እናሓዘነት ትዝረብ።

"ንኮንጎ ኣብ ካርታ ጥራሕ'የ ክርእያ ዝደልይ። መራሒ ኮንጎ ዝነበረ ሞብቱ ሲሴኮ ውልቀ-መላኺ ምንባሩ ይዛረቡ፤ ግን ድማ ሰላም ኢና ነይርና። ክቐትለና ዝመፅእ ኣይነበረን።"

ብዙሕ ፈተናን መከራን ሓሊፋ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣሶሳ ናብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ቸርኮሌ በፂሓ።

ድፍኢት ደም፣ ኣስሚ ከምኡ'ውን ፀገም ጥዕና ኣእምሮ ዘለዋ ኩዊን ብህይወት ንምንባር ዘለዋ ተስፋ መንሚኑ'ዩ።

"ገለ እዋናት ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፊልምታት ክርእይ ከለኹ፡ ነቲ ናተይ ዛንታ ዝመሳሰል እረክብ'ሞ ኣብ በይነይ ጥራይ ከምዘይኾነ ብምግንዛብ እፀናናዕ" ትብል።

ኣብ ሰባት ዘለዋ እምነት መንሚኑ'ዩ። ኮይኑ ግን ብድሕሪ 10 ዓመታት ሕልማ ንኽተዐውት ዕድል ትምህርቲ ረኺባ ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣምበሳ 'ነርሲንግ' ትምሃር ኣላ።

እቲ ስቓይ ዝከኣል ከምዘይኮነ እትዛረብ ኣስረሳሽ፡ "እቲ ፀገም ዓለም-ለኻዊ'ኳ እንተኾነ ሰባት ብዛዕባ ሰብኣውነት እንተዝሓስቡ እቲ ፀገም ምንካይ ምተኽኣለ" ክትብል ትገልፅ።

ገሊኤን ደቀኣንስትዮ ተስፍአን ለምሊሙ፡ ናይ ምንባር ድልየተን ክውስኽ ብዙሕ ፃዕሪ ከምዘድልይ ትዛረብ። "ጠንኪረን ሰሪሐን ንባዕለን ካብ ፀገም ኣብ ዘውፅኣሉ መገዲ ክንሰርሕ ኢና። ዝተፈላለዩ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎታት ስለዝረኽባ ኩነታት ጥዕንአን ይመሓየሽ'ዩ" ትብል።

ኣስረሳሽ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምትሕብባር ስራሕቲ ፀጉሪ፣ ስፌት ክዳን ከምኡ'ውን ስልጠና ኮምፒተር ብምሃብ ህይወተን ዘቐፅላሉ መገዲ ከምዝመቻቾ 'ውን ትዛረብ።

"ናይ ኩልግዜ ፀሎተይ ጥንካረ ንኽህበኒ'ዩ። ንደቀይ ቁሩብ ዓመታት እንተዝፀንሓሎም ምተሓጎስኩ። ንፈጣሪ ኩልግዜ የመስግኖ'የ" እትብል ፌይዛ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህይወታ ዝሃድአ ከምዝኾነ ትገልፅ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣእምሮ ዕረፍቲ ረኺበ'የ። ድምፂ ኣፅዋር ኲናት ኣይሰምዕን" ክትብል 'ውን ትዛረብ።

ንኩዊን እውን ዋላ'ኳ ናብራ እንተኸበዳ፡ ኢትዮጵያ ተስፍኣ እተለምልም ቦታ ኮይናትላ 'ላ።