''ከይዳቶ- እንድያ' ከይብሉና ስቕ ኢልና ንኸይድ ብዙሓት ኢና"

ጸገማት ሕማም ኣእምሮ ቀልጢፉ ካብ ሓንጎልና ኣይከይድን እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"መብራህቱን መብራትን" ብዝብል ስም፡ ዛንታ ስነ-ኣእሙሮኣዊ ጸገማቶም ዘካፍሉ ዜጋታት፡ ዝኾነ ሕሙም፡ ግቡእ ሕክምናውን ሞያውን ደገፍ እንተ ተገይርሉ፡ ክሓዊ ከምዝኽእል ካብ ተመኩሮኦም የዘንትው።

"ሕብረተሰብና ኣብ ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ግቡእ መረዳእታ ስለዘይብሉ፡ ብቕኑዕ ስመይን ስእለይን ተሙኩሮ ሕማመይ፡ ሕማም ስነ-ኣእምሮ ክገልጽ እስከፍ እየ" ብምባል፡ "መብራት" ብዝብል ስም ተመኩሮኣን ምኽራን ከተቕርብ ምምራጻ ትገልጽ።

እዛ ሰብ፡ "ዝኾነ ሕማም ስነ-ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ግቡእ ክንክን እንተ ተገይርሉ ክፍወስ ይኽእል'ዩ"። እነሆ እኳ ኣነ ሓውየ ንቡር ህይወተይ የካይድ ኣለኹ" ብምባል እታ ንእሽቶይ ተመኩሮኣ ንገለ ሰባት ክትጠቅም ትኽእል እንተኾይና ብማለት፡ ብምኽንያት "ዓለማዊ መዓልቲ ሕሙማን ስነ-ኣእምሮ 10 ጥቅምቲ ዕላላ ተካፍል።

በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓያሎ ውሉዳት ዝኾነ ሓደ ጻዕራም ሰራሕተኛ ዜጋ እውን "መብራህቶም" ብዝብል ስም ተመሳሳሊ ተመኩሮኡ ከካፍለና እዩ።

እዛ መዓልቲ - ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕሙማን ስነ-ኣእምሮ እያ። ኣብዛ ዕለት ከኣ፡ ኣስታት 100 ዝኾና ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ተረድኦን ኣፍልጦን ሕብረተሰብ ኣብ ሕማም ስነ-ኣእምሮ ንምዕዛዝ ዝተፈለላየ ንጥፈታት የካይዳ።

ዝተፈላለያ ትካላት ጥዕና፡ ንሕሙማን ስነ-አእምሮ ዝኣልያን ዝናብያን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት፡ ብዛዕባ እቲ ሕማምን ዓይነታቱን መጽናዕቲ ብምክያድ ፍታሕ ዝእምማ መሻርኽቲ ናይ ሞያ ትካላት፡ ካብ ሕማም ስነ-ኣእምሮ ዝተፈወሱ ወይ ንቡር ህይወቶም ከካይዱ ዝበቕዑ ግዳያት፡ ኣፍልጦን መረዳእታን ሕብረተሰብ ንክዓቢ ይምህራን የጎሳጉሳን።

ሓጺር ዛንታ "መብራትን መብራህቶምን" እምበኣር ወለንታዊ ተበግሶ ኣካል ናይዚ ዓለማዊ ጎስጓስ ስነ-አእምሮ እዩ።

ሕማም ስነ ኣእምሮ፡ ከም ዝኾነ ንክፍልታት ኣካላትና ዘጥቅዕ ካልእ ዓይነት ሕማማት እዩ። ሊቃውንቲ እዚ ዓውዲ ኣስታት 200 ዓይነት ሕማማት ስነ-ኣእምሮ ምህላውን፡ ኣብ ሓንጎል ደቂ ሰባት ብዝፍጠር ናይ ኬሚካል ምዝንባል ከምዝኽሰትን ብምሕባር፡ 'ሓደ ምሉእ ጥዕና ኣለዎ ዝበሃል ሰብ፡ ጥዑይ አካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ምስዝህልዎ'ዩ ክብሉ ይገልጹ።

እዞም ብዛዕባ'ዚ ሕምማ'ዚ ተመኩሮኦም ዘካፍሉ፡ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ብፍቓዶም ስሞም ዝተቐየረ መብራህቱን መብራትን፡ ክልቲኦም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቅዛነት ወዲቖም፡ ግን ከኣ ግቡእ ኣገልግሎት ረኺቦም ዕለታዊ ስርሖም ዝሰርሑን ንቡር ህይወቶም ዝመርሑን ኣብነታውያን ዜጋታት እዮም። መብራህቶም በዓል ሓዳርን ኣቦ ስድራን እዩ። መብራት ግን ገና ኣይበጽሓቶን ዘላ።

መብራህቶም፡ ካብ ስድራ-ቤቱ ካብ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ተፈልዩ ናብ ስደት ምስ መጽአ፡ እዚ'ዩ ብዘይብሎ ነገር ክሓርቕን ክበሳጮን ከምዝጀመረን፡ ከም ሳዕቤኑ ለይቲ ድቃስ ክኣብዮ፡ ሸውሃቱ ክዕጾ፡ ኣብ ሰብነቱ ዝነበሮ ተገዳስነት ክጎድል፡ ምሕጻብን ምጽርራይን ነክዩ፡ ዓለም ከምዘጽልኣቶን ይዛረብ።

ብርቱዕ ናፍቖት ስድራን ደቁን ድቃስ ከምዝኸልኦ፡ ብቐጻሊ ድምጾም ክሰምዕ ከምዝደሊ፡ ግን ከኣ ናብ ዓዲ ከም ድሌቱ ስልኪ ንኽድውል ስለዝሽገር ብነብሰ ምትሓት ክሽገር ከምዝጀመረ ኣይሓብአን።

ብሓጺሩ፡ ኣብ ፈለማ ስደቱ፡ ህይወት ከምዝመረሮን ነብሱ ከምዝጸልአን ግን ከኣ ብዕድል ሓደ ተመሳሳሊ ተመኩሮ ዘሕለፈ 'ሓበሻ'፡ ኩነታቱ ተረዲኡ ቀልጢፉ ምኽርን ሓበሬታን ንኽረክብ ስለዘተባብዖን ስለዝሓገዞን ብዝተዋህቦ ምኽርን መድሃኒትን ነብሱ ተቖጻጺሩ ንቡር ህይወቱ ክመርሕ ከምዝበቕዐ ይገልጽ።

"እንድዒ እምበር ከማይ ገይሩ ንፈጣሪ ዘመስግን ዘሎ ኣይመስለንን። ነቲ ዝሓለፍኩዎ ሽግር ርእየን ዘኪረን ክድቅስን ክትንስእን ወትሩ ተመስገን እየ ዝብል" ይብል። ንነብሱ ከም ኣብነት ብምቕራብ ከኣ፡ ዝኾነ ዓይነት ሕማም ብኣግኡ እንተ ተለልዩ፡ ንዕኡ ዝበቅዕ ምኽርን ክንክንን እንተ ተረኺቡ ክመሓየሽን ክሓውን ከምዝኽእል ይምስክር።

ሕማም ኣእምሮ ናብ ወልፊ የቃለዓና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናይ መብራት ግን ዝተፈልየ ተመኩሮ እዩ። መብራት እቲ ሕማም በዚ እዩ መጺኡኒ ክትብል ኣይትኽእልን እያ። ግን ሓደ መዓልቲ ቋንቋ እቲ እተሰደትሉ ዓዲ ተማሂራ፡ ንቤታ ክትምለስ እንከላ፡ ገለ ሰባት ይስዕቡዋን ይሃድኑዋን ዘለው ኮይኑ ተሰሚዑዋ። "እዞም ሰባት ይተናኾሉኒ ኣለው!" ብማለት ከኣ ፍርሒ ተሰመዓ።

እቶም ሰባት ብዕድመን ኣካላዊ ግዝፍን ስለዝዓብዩዋ ከኣ "እንተሒዞሙኒ ክረጋግጹኒ እዮም" ኢላ ተጨኒቓ ኣብ ሓደ እንዳ ሻሂ ኣተወት።

እቶም ሰባት ብዘይ ምቁራጽ ብኣፍ-ደገ እቲ እንዳ-ሻሂ ክመላለሱ ምስ ረአየቶም መሊሳ ብፍርሒ ተሓቑነት። ሓገዝ ስለዝደለየት ከኣ ናብ ሓንቲ መሓዝኣ ስልኪ ደዊላ፡ "ክልተ ሰባት ክጎድኡኒ ደልዮም ደድሕረይ ብምኻድ ይከታተሉኒ ኣለው!" ክትብል ነገረታ።

እታ መሓዝኣ ንፍርሕን ጭንቀትን መብራት ምስ ሰምዐት ንርእሳ ሰምቢዳ "እሞ ንፖሊስ ዘይትሕብሪ - ናይ ፖሊስ ቁጽሪ ስልኪ'ዶ ክህበኪ!" በለታ፡ ንመብራት ክተናኾሉ ዝደልዩ ሰባት ደኣ እንታይ ዝኾኑ ኮይኖም እዮም ኢላ ብምሕሳብ። መብራት ግን ኣይደለየትን " መሊስኪ ዲኺ ከተግድድለይ ደሊኺ? ንፖሊስ እሞ ከይትነግርለይ፡ ለይቲ መጺኦም ከይቀትሉኒ!" ክትብል ኣጠንቀቐታ።

"እሞ እንታይ ክሕግዘኪ?" ተጨኒቓ፡ ድላያ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥ ሓተተታ። "ናብዛ ዘለኹዋ እንዳ ሻሂ መጺእኪ ንገዛኺ ውሰድኒ!" ተማሕጸነታ መብራት። መሓዝኣ ኣይደንጎየትን፡ እቲ እንዳ ሻሂ ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ርሑቕ ስለዘይኮነ ቀልጢፋ መጺኣታ።

ምስ ረኸበታ ከኣ "እንታይ ዝኾኑ ሰባት እዮም ኣንቲ መብራት?" ኢላ ሓተተት። ህዱእ ምላሽ እናተጸበየት፡ "ኣቲ ጓል ቀስ በሊ ይሰምዑና እዮም ዘለው!" ክትብል መሊሳ ኣጨነቐታ።

መሓዝኣ ንባዕላ ፈሪሓ " ኣበይ ድዮም ዘለው?" እናፈርሐት ተወከሰታ።

መብራት በእዳዋን አዒንታን ዝኾነ ምልክት ከይሃበት፡ ናብቲ ኣፍደገ እናጠመተት "ርኢኽዮም ሕጂ ሓሊፎም - ሓሊፎም አረ ናባና እናጠመቱ፡ እናፋጠጡልና እዮም ሓሊፎም" በለታ እሞ፡ መሓዝኣ ኣብ ዘይትፈልጦ ነገር ትኣቱ ዘላ ኮይኑ ተሰሚዑዋ፡ " ንምዃኑ እንታይ ኢኺ ጌርክዮም ኣበይ እዮም ረኺቦሙኺ?" ብምባል ብገለ ነገር ተላልያቶም ከይትኸውን ሓተተታ።

" ተላኢኾም እዮም - ቅተሉዋ ተባሂሎም ተኣዚዞም?" መለሰት መብራት።

" መን ልኢኹዎም!" መሓዝኣ እናተጨነቐት ሕቶታታ ቐጸለት።

" ዝለኣኸ ልኢኹዎም ኣሎ ኣቲ ጓል፡ ንዕናይ ጥራሕ ካብዚ ኣውጽእኒ" ብምባል፡ መሪሓታ ናብ ጎደና ወጽአት። ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢላ እናሰጎመትን ንድሕሪት ግልጽ ምልጽ እናበለትን ከኣ ተታሓሒዘን ናብ እንዳ መሓዝኣ ከዳ።

መብራት ምሉእ ለይቲ ኣይደቀሰትን። ንርእሳ ተጨኒቓን ርዒዳን ንመሓዝኣ ለኪማታ። "ርኢኺ ርኢኺ ይዛረቡ ኣለው። ኦሮማይ ፈሊጦሙና ኣብዚ ማዕጾ እንድዮም ተጸጊዖም ዘለው" ብምባልን ንዝኾነ ድምጺ ናይቶም ኣብ ኣእምሮኣ ተሳኢሎም ዘለው ተጻባእታ ብምምሳል "ሰሚዕክዮም'ዶ እንታይ ከምዝበሉ" እናበለት ንመሓዝኣ ደሃለታ።

መሓዝኣ ግን እቲ መብራት እትሰምዖ ድምጽን እትርእዮ ነገርን ስለዘይትሰምዖን ስለዘይትርእዮን "እዛ ጓል ገለ ኾይና ኣላ" ብማለት ብዛዕባ እቲ ሕማም ናብ ዝፈልጡ ሰባት ደዊላ ቅልጡፍ ሓገዝ ከምእትረክብ ገይራታ።

ሕጂ መብራት፡ ብሓገዝ ሞያውያን ክንክንን ተገይሩላ፡ ኩሉ ነገር ምስሓለፈ ነቲ ኩነታት ከተዘንትወሉ እንከላ፡ "ሕማም ስነ-ኣእምሮ ከም ዝኾነ ሕማም ይፍወስ እዩ" ደረጃ ንቕሓት ሕብረተሰብና ገና ድሩት ስለዝኾነ ግን ኩሉ ሰብ ኣይርድኣካን እዩ።

ስለዚ እየ ከኣ ብቕኑዕ ስመይን ስእለይን ተሙኩሮይ ክገልጽ ዘሰክፈኒ ብማለት በዛ ንእሽተይ ተመኩሮኣ ሓበሬታ ተመሓላልፍ። መብራህቱ እውን ተመሳሳሊ ምኽርን መልእኽትን እዩ ዘለዎ "ኩሉ ነገር ምስሓለፈ ነቲ ኩነታት ከተዘንትወሉ ቀሊል ይመስል።

'ከይዳቶ- እንድያ' ከይብሉና ስቕ ኢልና ንኸይድ ብዙሓት ኢና።" ግን ሕማም ስነ-ኣእምሮ ከም ዝኾነ ሕማም ይፍወስ እዩ። እቲ ዘድሊ ግቡእ ሕክምናዊ ሓገዝን ምኽርን ምዃኑ ይዛረብ።

ኪኢላ ሕማማት ስነ-ኣእምሮ ኣቶ ዮውሃንስ ፈርዲናንድ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት እውን ነዞም ክልተ ሰባት ዝበሉዎ ሓቅትታ እዩ ዘጉልሕ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝቕመጡ ሓያሎ ኤርትራውያን ኮነ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ዘጋጥሞም 'ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ወጥርን፡ ሰብን ነብሶምን ጎዲኦም ዝብል ወረ ክቃላሕ ጸኒሑ ኣሎ።

ከም ዮውሃንስ ዝኣመሰሉ ኪኢላታት እዚ ዓውዲ፡ ሕማም ስነ-ኣእምሮ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ እኳ እንተሎ ነቲ ሕማም ኣእምሮ ኣብ ክንዲ ብስነፍልጠት (ሳይንስ) ብሃይማኖታውን ባህላዊ ኣገባብን ዝርእዩዎ ሕብረተሰባት፡ ነቲ ጸቕጥን ወጥርን ከምዘጋድድዎ ይሕብሩ።

ስለዚ ይብል ዮውሃንስ "ዝኾነ ዘይንቡር ጠባያት ንዝረኣናሉ ሰብ፡ ብፍላይ መጺኦሙኒ፤ ይከታተሉኒ ኣለው፤ ይስዕቡኒ ኣለዉ፤ ዝብል ሰብ ኩነታት ቅድሚ ምኽፍኡ ካብ ዝምልከቶ ኣካላት ጥዕና ሓገዝ ክረክብ ከነተባብዖ ይግባእ" ክብል ይመክር።

ሓንጎል ደቂ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀንዲ ዕላማ ናይዛ ኣብ መላእ ዓለም እትኽበር ዘላ መዓልቲ ሕሙማን ስነ-ኣእምሮ ከኣ ኣብ ሕብረተሰባት ኣፍልጦን ንቕሓትን ንኽዓቢ ምጉስጓስ እዩ። ኣብዛ ዕለት ብዙሓት ንሕሙማት ስነ ኣእምሮ ኣገልግሎት ዝህባ ህዝባዊ ትካላት "እቶም ጸገም ዘለኩም መጺእኩም ተረኣዩ፡ ክንሕግዘኩም ቁሩባት ኢና!" ይብላ።

ኣብታ መዓልቲ፡ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ናብ ህዝቢ ይቐርብ። ኣብ ምምሕያሽ ሕማማት ስነ-ኣእምሮ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ይሽለሙን ኣፍልጦን ይወሃቦምን። ከም መብራትን መብራህቶምን ዝኣመሰሉ ውልቀ ሰባት ከኣ ብትካላት ሚድያ ተመኩሮኦም የካፍሉ። ናይዚ ዓመት እዚ ቴማ ከኣ "ነብሰ ቕትለት ነወግድ!" ዝብል መሪሕ ጭርሖ እዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ሰባት በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ምዃኑ ጸብጻብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና የመልክት። እቲ ውድብ ኣብ 2002፡ ኣስታት 154 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ብሓደ ዓይነት ካብ ሕማማት ኣእምሮ ብቕዛነትን ከምዝሳቐዩ የረድእ።

ይኹን እምበር እቲ ዓለማዊ ውድብ፡ ብዙሓት ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገማት ዘለዎም ደቂ ሰባት ንዘለዎም ጸቕጢ ተጻዊሮም ዕለታዊ ዋኒኖም ከምዘካይዱን ንቡር ህይወቶም ከምዝመርሑን ይሕብር።