መኸተ ኦቲዝም ብኤርትራዊት ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Awet
ኦቲዝም ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ዓመታት ዕድመ ወዲሰብ ዘጋጥም ኣብ ስርዓት መትንታት ዝርአ ዘይስሩዕ ምዕባለ ሓንጎል ኢዩ። ንንቡር ንጥፈታት ሓንጎል ድማ ይትንክፍ።
ጠንቂ ሕማም ኦቲዝም ብልክዕ ንምፍላጥ ሊቃውንቲ ስነ-ሕክምና ክሳብ ሕጂ ዝጽዕሩሉ ጉዳይ እኳ እንተኾነ፡ ተወርሶኣዊ ባእታት (ጂን) ግን እቶም ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ሕማም ከምዝኾኑ ይግለጽ።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ስርዓት መትንታት ዘጋጥም ጉድኣት ካልእ ምኽንያት ክኸውን ከሎ ኣመጋግባን ኣብ ክታበታት ዝርከብ ሜርኩሪን እውን ካልኦት ምኽንያታት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ ኢዩ፡ ይኹን እምበር እዞም ዳሕረዎት ጠንቅታት ዛጊት ብሕክምናዊ ኣገባብ ዝተረጋገጹ ኣይኮኑን።
ብፍላይ ምስ ክታበት ተታሓሒዙ ኣዝዩ ብዙሕ ስክፍታታት ይመጽእ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ሕማም ጠንቂ ክኸውን ከም ዘይክእል ግን ሰብ ሞያ ሕክምና ይሕብሩ ኢዮም።
ኦቲዝም ዘጋጠሞ ህጻን ኣብ መበል 18 ወርሑ ብዘርእዮ ምልክታት ኢዩ ክንጸር ዝጅምር።
ምልክታት ኦቲዝም
- ንዕላል ቅሩባት ዘይምዃን።
- ኣብ ዝዛረቡሉ እዋን ድማ ካብ ብቓላት ብምልክት ምርድዳእ ምምራጽ።
- ንነገራት ወትሩ ብሓደ ዓይነት መንገዲ ምዝውታር ዋላ እውን ንንእሽቶ ለውጢ ዘይምጽዋር።
- ምድግጋም ምንቅስቓስ ኣካላት።
- መሓዙት ወይ ኣዕሩኽ ዘይምግባር ወይ ዘይምህላው።
- ንፍሽኽታ ይኹን ካልእ ምልክታት መልሲ ዘይምሃብ ወይ ቅሩብ ዘይምዃን።
- በይንኻ ምዃን ወይ ጽምዋ ምምራጽ።
- ናይ ካልኦት ሰባት ስምዒት ስምዒት ዘይምርዳእ።
- ኣዝዩ ንእሽቶ ወይ ጸቢብ ድሌታት ወይ ዝንባሌታት ምውናን (መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ዓውዲ ጥራይ ምትኳር)።
- ኣዝዮም ውዕያት ወይድማ ኣዝዮም ዝሑላት ምዃን።
ጠንቅን ፍውሳን ኦቲዝም
ሕማም ኦቲዝም ካብ ዝጅምር ጀሚሩ ክሳብ ዕለት ሞት ዝጸንሕ ሕማም እኳ እንተኾነ ንምፍዋሱ ግን ጻዕርታት ይካየድ ኢዩ። ንጠንቂ እቲ ሕማም ምፍላጥ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ምስ ዝዕወት ድማ ነቲ ሕማም ንምፍዋሱ ከኽእል ኢዩ።
ይኹን እምበር ብሕክምናዊ መዳያት ነቶም በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ዝተፈላለዩ ኣገባባት ፍወሳ ይግበረሎም ኢዩ። ከኒናታት ነቲ ሕማም ንምፍዋስ ከም ቀንዲ ኣገባብ ፍወሳ ዘይኮኑስ ነቲ በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ሰብ ዘጋጥሞ ጸቕጥን ካልእ ስምዒታትን ንምቅላል ኢዩ።
እቲ ቀንዲ ኣገባብ ፍወሳ ናይዚ ሕማም ኣብቲ እቲ ሕሙም ዘንጸባርቖም ምልክታት ተሞርኲሶም ዝካየዱ ናይ ስነ ኣእምሮ ፍወሳ ኢዩ።
እዚ ብብዙሕ መዳዩ እወታዊ ዝኾነ ኣገባብ ሕክምና ብብዙሓት ዝድገፍ እኳ እንተኾነ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ንግዳያት ካብቲ ዘጋጥሞም ሓደገኛ ኩነታት ንምክልኻል ተባሂሉ ዝወሰድ ብኤለክትሪክ ዝስነ ሕክምና ብዓይኒ ሰብኣውነት ዘይድገፍ ተርእዮ ናይቲ ኣገባብ ፍወሳ ኢዩ።
ካልእ ብሕክምናዊ ኣገባብ ዘይተረጋገጹ ዓይነት ፍወሳታት እውን ይፍተኑ ኢዮም። ንኣብነት ፍሉይ ዝኾነ ኣመጋግባ ምዝውታር ሓደ ካብቲ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘይብሉ ኣገባብ ኢዩ።
በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ዕድመ እናወሰኹ ኣብ ዝኸዱሉ ግዜ ምስ ሰባት ርክብ ምፍጣር ግድን እናኾኖም ስለዝኸይድ ድማ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ይኹን ስራሕ ከይጽገሙ ምስ ሰባት ንቡር ንጥፈታት ኣብ ምግባር ዝሕግዞም ነገራት በብግዜኡ እናተማልአ ይኸይድ ኣሎ። ኣዝዩ ዝተፈለየ ባህሪ ዝውንኑ ግዳያት ድማ ምስቲ ዘለዎም ጠባይ ዝሳነ ስራሕ እናሰርሑ ሂወቶም ኣብ ምምራሕ ይርከቡ። እቲ ዝያዳ ዝሰማምዖም ዓይነት ስራሕ ድማ ምስ ግዜን ኩነታትን ዝቀያየር ባህሪ ዘለዎ ስራሕ ዘይኮነስ ብሓደ ዉሱን ሕጊ ተቐይዱ ዝስራሕ ዓይነት ስራሕ ኢዩ።
ኣብ ሃገርና'ኸ?
ብፍላይ ኣብ ሕብረተሰብና፤ ግቡእ ኣፍልጦ ብዘይምህላው ብዙሕ እዋን ኦቲዝም ኣይልዓልን ኣይዝረበሉን'ዩ። ስለዝኾነ ድማ እቶም ብኦቲዝም ዝተጠቕዑ ውልቀ-ሰባት ተነጽሎን ኣድልዎን ማሕበረሰብ ብሰፊሑ የጋጥሞም። ዝኾነ ምስ ፍሉይ ተፈጥሮ ዝውለድ ህጻን ነቲ ቤተሰብ ሕፍረትን ውርደትን የስዕቡን ክሳብ መውስቦ ምኽልካል'ውን የብጽሕ'ዩ ተባሂሉ ስለዝእመነሉ ካብ ኩሉ ነገር ክኽወል ይግበር።

ምንጪ ስእሊ, Awet
ኣደ ክልተ ብኦቲዝም ዝተጠቕዑ ቆልዑ ወይዘሮ ዓወት ተስፋማርያም ካብ ለንደን፡ ፈለማ ኣብ ደቃ ብዝረኣየቶ ፍሉይ ባህሪ ተሰናቢዳ ንሕክምና ምስ ወሰደቶም፤ ኦቲዝም መዃኑ ፈሊጣ።
ሰሚዓቶን ርእያቶን ዘይትፈልጥ ሕማም ብምንባሩ ኣዝያ ከምዝጉሃየትን ዓቕላ ከም ዝጸበባን'ያ ትዛረብ።
ብድሕሪኡ፡ ብዛዕብኡ ንምፍላጥ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓኾትኮት ክትብል ጀሚራ። በዚ ድማ እኹል ኣፍልጦ ምስ ቀሰመት፤ ዘፍርሕን ዘጉህን ከምዘይኮነ ተረዲኣ። "መረዳእታ ኦቲዝም" ኣብ ዝብል ትምህርቲ ተሳቲፋ ድማ ንፍልጠታ ዝያዳ ኣዕሙቓቶ።
"ኦቲዝም፡ ባህሪ ስለዝኾነ ከጉህየናን ከሰንብደናን የብሉን። ኣነ ሕጂ ንኣብነት ባህርያቶም ካባና ፍልይ ዝበለ ስለዝኾነ፤ ዝደለይዎ ኣብ ምምላእ፡ ዘየሕርቖም ወይ ዘየጉህዮም መንገዲ ብምስዓብን ብምግባርን እከታተሎም" ትብል። ኣስዒባ፤ ካብ ገዛ ወጻኢ ድማ ከምኡ ሰባት ከይስንብዱን ከየግልልዎምን ብምክልኻል፤ እቲ ኩነታት ንሰባት ብምንጋር ኣፍልጦ ንኽሕድሩ ትገብር ኣላ።
ብዝገበረቶ ሓያል ጻዕርን መኸተን፡ እቲ ወዲ 7 ዓመት 75% ለውጢ ከርኢ እንከሎ፡ እቲ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ግና ንሕጂ'ኳ ለውጢ እንተዘይገበረ፤ ኣብ ሓጺር እዋን እትርእዮ ለውጢ ከም ዘለዋ እያ እትትስፎ።
ኮይኑ ድማ ከምቲ ንሳ ኣብ ፈለማ ዝሰንበደቶን ዝፈርሓቶን ካልኦት ስድራቤታት ከምዚ ምስ ዘጋጥሞም ከስንብዱን ከፈርሑን ስለዜእትፈቅድ፤ ነዚ ኣፍልጦኣ ከተካፍል ከም እትደሊ'ያ ዓወት ትዛረብ።
"ካብ ነዊሕ እዋን ዝተመነኽዎን ዝሰርሓሉን ዘለኹን እዚ'ዩ። ፈለማ ኣፍልጦ እዚ ባህርይ ኣብ ሕብረተሰብና ምዕዛዝ ስዒቡ ድማ ሓደ ዝኾነ ገባሪ ሰናይ ኣተሓባባረ፤ እቶም ኣብ ሃገርና ዘለው ግዳያት እዚ ሕማም፤ ንምሕጋዝ እኹል ትምህርትን ግቡእ መነባብሮ ዝመርሑሉ ኩነታት ምጥጣሕን'ዩ ትልመይ። ብተወሳኺ በደቀይ ኩርዕቲ ምዃነይ ንምርኣይን'ዩ ዓላማይ" ትብል ዓወት ብኹርዓት።
ኦቲዝም ፍሉይ ባህሪ ተፈጥሮ እምበር ሕማም ብዘይምዃኑ ኩሉ ክርድኦን ክፈልጦን፤ ፈሊጡ ድማ ንግዳያትን ቤተሰቦምን ከም ኩሉ ፍጡር ክርእዮም የድሊ ድማ'ዩ ቀንዲ መልእኽታ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







