መፅናዕቲ፡ ረብሓ ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንጥዕና አእምሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሰሙን ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልታት ንኣርበዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፡ ፀገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዝንኪ ሓደ ኣብ ኣመሪካ ዝተገበረ ዓብዪ መፅናዕቲ ሓቢሩ።
ልዕሊ እቲ ዝተገለፀ መጠን ዝግበር አካላዊ ምንቅስቓስ ግን ረብሓ ኣይህልዎን ተባሂሉ።
ብድማር 1.2 ሚልዮን ሰባት ንሓደ ወርሒ ኣካላዊ ምንቅስቓሶም ዝምልከት ፀብፃብ ኣቕሪቦም፡ ጥዕና ኣእምሮኦም ድማ ተመዚኑ።
እቲ መፅናዕቲ ከምዝበሎ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝገበሩ ምስቶም ዘይገበሩ ክወዳደር ከለዉ፡ "ሕማቕ መዓልቲ" ኢሎም ዝገልፅዎ ውዕለኦም ብ 1.5 ዝነከየ ኾይኑ ተረኺቡ።
ብጉጅለ ዝስራሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፣ ኤሮቢክስን ምዝዋር ብሽክለታን እወንታዊ ፅልዋ ኣለዎም።
ኣብቲ መፅናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ዕድመን ፆታን ብዘየገድስ፡ ዋላ'ውን ናይ ገዛ ዕዮን ንቆልዑ ምክንኻንን ሓዊሱ፡ ኩሉ ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ስለዝገበሩ ጥዕና ኣእምሮኦም ከምዝተመሓይሽ እቲ መፅናዕቲ ገሊፁ።
እቲ መፅናዕቲ ዋላኳ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተገበሩ እቲ ዝዓበየ እንተኾነ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ምኽንያት ምምሕያሽ ጥዕና ኣእምሮ ምዃኑ ግን ከረጋግፅ ኣይከኣለን።
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ዝህልዎ ፅልዋ ኣመልኪቶም፡ ቅድም ክብል ዝተኻየዱ መፅናዕትታት፡ ዝተሓዋወሰ ውፅኢት እዮም ሂቦም።
ገሊኦም ድማ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር ጥዕና ኣእምሮ ከምዘድክም 'ዮም ኣመላኺቶም ነይሮም።
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ሕማም ልቢ፣ ወቕዒ (ስትሮክ) ን ሽኮርያን ከምዝንኪ ይፍለጥ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







