ኣብ ማእከላይ ባሕሪ 47 ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ድሒኖም

ጃልባ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ካብ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝነበሩ 47 ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ምድሓኖም ተገሊጹ።

እዞም ስደተኛታት ካብ ሊብያ ምስ ተበገሱ ኣብ ባሕሪ ሰለስተ መዓልታት ድሕሪ ምግባሮም እዮም ኣብ ደቡባዊ ክፋል ናይ ላምፔዱሳ ኣብ ዝርከብ ክሊ ባሕሪ ዓዲ ጣልያን ምስ በጽሑ ብሓገዝ መርከብ ህይወት ኣድሕን ክርከቡ ክኢሎም።

እዞም ስደተኛታት ኣብቲ ባሕሪ ልዕሊ ትጽቢቶም ስለዝገበሩ ማይን መግብን ወዲኦም ከምዝጸንሕዎም ትካል ኤስኦኤስ መዲተራኒ (SOS Mediterranee) ሓቢሩ።

ትካል ኤስኦኤስ መዲተራኒ ኣብ ባሕሪ ጸግም ንዘጋጥሞም ስደተኛታት ሓገዝ ዝህብ ውለቀ ማሕበር እዩ።

ኣብ ሊብያ ብዘሎ ኵናት ሕድሕድን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ብዙሓት ስደተኛታት ኣብታ ሃገር መውጽኢ ስኢኖም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ’ዩ ዝንገር፡ ዝኽፈልካ ከለፊልካን ንህይወትካ ሓደገኛን እኾነ ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጽካ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ምስጋር ከኣ ኩሎም ዝጽበይዎ ቀዳማይ ምርጭኦም እዩ።

ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ኩለን ሃገራት ዶባተን ስለዝዓጸዋ ግን ንሶም እውን ኣብታ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ኵናት ሓድሕድን ዝሕምሳ ዘሎ ሊብያ ተዓጽዮም ብምህላዎም ኣውያቶም ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ብተደጋጋሚ ከስምዑ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን።

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ፡ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክትሕቖን ጸኒሓ ኣላ።

ብጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ሓይልታት፡ ካብቲ ዓሪዶሙሉ ዘለው ምብራቓዊ ከባቢታት ናይታ ሃገር ተበጊሶም፡ ንከተማ ትሪፖሊ ንምቍጽጻር ይጽዕሩ ከምዘለው እዩ ዝግለጽ።