ኣብ ሊብያ ዝተበጽሐ ውዕል ምቁራጽ ተዅሲ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ተጣሒሱ

ሊብያ ኣብ ዕግርግር

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ መንጎ ብጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ሓይልታትን፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሊብያን ዝተበጽሐ ውዕል ምቁራጽ ተዅሲ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ከምዝተጥሓሰ ተገሊጹ።

እዞም ክልተ ተቐናቐንቲ ሓይልታት፡ ካብ ሃገራት ሩስያን ቱርክን ብዝተገብረሎም ጸቕጢ እዮም ነዚ ውዕሊ ምቁራጽ ተዅሲ ኣካይዶም ነይሮም።

ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ከባቢ ትሪፖሊ ሓያል ኵናት ከምዝነበረ ጢቒሶም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቱርኪ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ንምሕጋዝ ወተሃደራታ ከምዝለኣኸት ሰብ መዚ ቱርኪ ምግላጾም ይፍለጥ።

ጀነራል ከሊፋ ሓፍታር፡ ብግብጺ፤ ስዑዲ ዓረብ ከምኡ'ውን ብኢማራት ዓረብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከምዝግበረሉ ይንገር።

መንግስቲ ዮርዳኖስ ግን፡ እዛ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሊብያ፡ ዞባዊ ዓውደ-ውግእ ወይ'ውን "ካልኣይቲ ሶርያ" ክትከውን ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ።

ብሰንኪ እዚ ኣብ ሊብያ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግር፡ እስላማዊ ጉጅለታትን ሰምሰርትን ኣብቲ ቦታ ክንቀሳቐሱ ብምጅማሮም፡ ንሃገራት ኤውሮጳ ስግኣት ፈጢርልም ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን።

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ፡ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክትሕቖን ጸኒሓ ኣላ።

ብጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ሓይልታት፡ ካብቲ ዓሪዶሙሉ ዘለው ምብራቓዊ ከባቢታት ናይታ ሃገር ተበጊሶም፡ ንከተማ ትሪፖሊ ንምቍጽጻር ይጽዕሩ ከምዘለው እዩ ዝግለጽ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶዋንን ሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ ኢስታንቡል ምስተራኸቡ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኵናት መዕለቢ ምእንቲ ክረክብ ተኹሲ ክቋረጽ ጸዊዖም ነይሮም።