ቱርኪ ናብ ሊብያ ወተሃደራት ክትልእኽ እያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ወተሃደራት ቱርኪ ናብ ሊብያ ኣትዮም ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኢዶም ክሓውሱ ባይቶ ቱርኪ ፈቒዱ።
ነዚ ውጥን፡ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ብ 325 ድምጺ ዝደገፍዎ ክኸውን ከሎ 184 ድማ ተቓዊሞምዎ።
ቱርኪ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍን ኣብ ትሪፖሊ ዝመደብሩን መንግስቲ ሊብያ እያ እትድግፍ።
እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ፡ ምስቶም ብጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ዝምርሑን ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ዝነቆጡ ዕጡቓት እዩ ዝዋጋእ ዘሎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ናብ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን ቴሌፎን ብምድዋል፡ ኣብ ሊብያ "ናይ ደገ ኢድ ኣታውነት" ክህሉ የብሉን ክብል ከምዘጠንቀቐ ተገሊጹ።
ግብጺ ድማ፡ ንጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር እትድግፍ ኮይና፡ ነቲ ቱርኪ ዘሕለፈቶ ውሳነ "ንርግኣት ዞባ ሜዲትራንያን ብኣሉታ ዝጸሉ እዩ" ክትብል ኮኒና።
ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ እናተጋደደ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ፡ ቱርኪ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትገብረሉ ሓቲቱ እዩ።
ኤርዶጋን ድማ፡ ነዚ ድጋፍ ንምግባር ፍቓድ ባይቶ ከምዘድልዮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርዶጋን ዝመርሖ ፓርቲ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ዓብላሊ ድምጺ ኣለዎ፡ ስለ'ዚ ድማ እዩ፡ እቲ ውጥን ዋላኳ ተቓወምቲ ሙሉእ ብሙሉእ እንተነጸግዎ እቲ ውሳነ ክሓልፍ ክኢሉ ዘሎ።
ብመሰረት እቲ ውሳነ፡ ቱርኪ ንሓይልታት መንግስቲ ሊብያ ምኽርን ስልጠናን ዝህቡ ዘይተዋጋእቲ ወተሃደራት ክተእቱ ትኽእል።
ተንተንቲ ፖለቲካ ግን፡ እዚ ናይ ቱርኪ ኢድ ኣታውነት፡ ምስተን ንጀነራል ሓፍጣር ዝድግፋ ሃገራት ማለት'ውን ምስ ግብጺ፣ ዮርዳኖስ፣ ስዑዲ ዓረብን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ምትፍናን ክፈጥር ከምዝኽእል ይዛረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







