ኣብ ገማግም ሊብያ ብዙሓት ስደተኛታት ጥሒሎም

ሰደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ገማግም ሊብያ ኣስታት 40 ሰባት ከም ዝጠሓሉ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ወድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ካልኦት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ኣስታት 60 ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ካብ ትሪፖሊ 100 ኪ.ሜ ርሒቃ ናብ እትርከብ ከተማ ኣል-ኮምስ ከም ዝተወስዱ ተገሊጹ።

እቲ ህይወት ናይ ምድሓን ስርሒት ብሓይሊ ባሕሪ ሊብያን ናይቲ ከባቢ ገፈፍቲ ዓሳን እዩ ተኻይዱ።

ነቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት፡ ሕክምናውን ንዋታውን ሬድኤት ይግበረሎም ከም ዘሎ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን 150 ስደተኛታት ዝቐዘፈ ምጥሓል ጃልባ እዩ ኣጋጢሙ ነይሩ።

ኣብ 2019፡ ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ንኤውሮጳ ክኣተው ዝፈተኑ ኣስታት 900 ስደተኛታት ጥሒሎም ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ይእምት።

ነዚ ኣብ ባሕሪ ዝጠፍእ ዘሎ ህይወት ንምድሓን ከኣ፡ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ከምቲ ቀደም መራኽብ ድሕነት ከዋፍራ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ትካላት ረድኤት ዝተነብረ እገዳታት ክለዓል ጻውዒት ቀሪቡ።

እዚ ፍጻሜ እዚ ምክትል ኮሚሽነር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ኬሊይ ክለመንትስ ንሃለዋት ኣብ ሊብያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ንምግጋም ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣተወትሉ ግዜ እዩ ኣጋጢሙ።

እዛ ኮሚሽነር ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ዝርከቡ ብሃውሪ ዝተኣስሩን ካብ ባሕሪ ዝተመልሱን ኣስታት 4,800 ስደተኛታት ምስ ሰበስልጣን ሊብያ ብምትሕብባር ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ንኽግበረሎም ክትጽዕር ምዃና ቃል ኣትያ።