ብፍልጠትን ንቕሓትን ክግጠም ዘለዎ ሕማም ስነ-አእምሮ፡ ስኪዞፍረንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስኪዞፍረንያ ኣለካ ማለት ዝተመቕለ ስብእና ኣሎካ ወይ ድማ ጎነጻዊ ትኸውን ማለት ኣይኮነን፡ ክብል ይምዕድ ሓደ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጥዕና ማሕበር።
እቲ ሪቲንክ ሜንታል ኢልነስ ዝበሃል ማሕበር ከምዝገለጾ፡ ምስ 1500 ሰባት ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ብዛዕባ እቲ ሕማም ግጉይ መረዳእታ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።
ስኪዞፍረንያ መብዛሕትኡ እዋን ምህትፍታፍ፡ ዘየለ ድምጺ ምስማዕ፡ ዓጀውጅው ምባል፡ ሰባት ብዛዕባ ህይወት ዘለዎም ተገዳስነት ምጉዳልን ምንጻልን የኸትል።
እንተኾነ ግን ስኪዞፍረንያ "ዘጸይፍ፡ ወይ ናይ ዓመጽ ቃል" ኮይኑ ከስምዕ የብሉን ይብል እቲ ማሕበር።
ምኽንያቱ ድማ ከምዚ ዓይነት ብሂል ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝኾነ'ዩ።
ሓደ ካብ 100 ሰባት ኣብ ዕድሚኦም ብስኪዞፍረንያ ይጥቅዑ። እንተኾነ ግን 45% ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት እቲ ሕማም ልሙድ ተርእዮ ገይሮም ከም ዝወስድዎ ሓቢሮም።
ፍርቆም ዝተመቓቐለ ስብእና (ኣብ ኣእምሮ) ገይሮም ክገልጽዎ እነከለዉ፡ ርብዒ ካብኦም ድማ ናብ ጎነጽ ዘምርሕ'ዩ ኢሎም ይኣምኑ።
እንተኾነ ግና፡ እቲ ክውንነት ካብኡ ዝተፈልየ እዩ፡ ይብል እቲ ማሕበር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሓድሽ ጎስጓስ።
ክሳዕ ክንደይ ስኪዞፍረንያ ንሀይወተይ ከምዝቐየሮ
እቲ "ስኪዞፍረንያ ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ፈጺሙ ጽቡቕ ክረአ ጸኒሑ፡ ደሓር ናብ ካልእ ሰብ ይቕየር" ዝብል ኣረዳድኣ ሓቂ ኣይኮነን ይብል፡ አቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ሮያል ኮልጅ ኦፍ ሳይኪያትሪስትስ፡ ኣብ መርበብ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ።
ዋላኳ ኣብቶም ስኪዞፍረንያ ዘለዎም ሰባት ብተዛማዲ ልዕል ዝበለ ተኽእሎ ጎነጻዊ ባህሪ እንተለዎም፡ ናይ ግድን ሓደገኛታት ይገብሮም ማለት ግን ኣይኮነን።
ምስኦም ብምንጽጻር፡ ድሮጋትን (ዕጸፋርስ)ን ኣልኮላዊ መስተን ዝወስዱ ካብኦም ንላዕሊ ጎነጽ የስዕቡ።
እቶም ኪኢላታት ስነ-ኣእምሮ ከምዝብልዎ፡ እቶም ስኪዞፍረንያ ዘለዎም ሰባት ብኻልኦት ክጉድኡ ዘሎ ተኽእሎ ካብቲ ንሳቶም ንኻልኦት ክጎድኡዎም ዘሎ ተኽእሎታት ኣዝዩ ይዓቢ።
ስኪዞፍረንያ ዝስመ ሕማም፡ ውልቀ ሰባት ከመይ ከም ዝሓስቡ፡ ንስሚዒቶምን ባህሮም ክጸሉ ዝኽእል ሕማም'ዩ።
ሃተፍተፍ ምባል ንቡር ተርእዩ ናይ ስኪዞፍረንያ ዘለዎም ሰባት'ዩ። ናይ ብሓቂ ዝመስል ኣሉታዊን ዘላፊን ዝኾነ ዘየለ ድምጺ ምስማዕ'ውን ንቡር'ዩ። እንተኾነ ግን ኩሉ ኣብ ኣእምሮኦም ጥራይ'ዩ ዝፍጸም።
ዘይጭበጥ ነገራት ምርኣይን ምእማንን እውን ከጋጥም ይኽእል'ዩ። እዚ ማለት፡ ካልእ ሰብ ክርእዮን ክርድኦን ዘይክእል ነገራት እውን ከም ክውንነት ኮይኑ ክስመዓካን ክትኣምነሉን ምኽኣል'ዩ።
ካልኦት ከም ቃዝኖት (ዲፕረሽን)፡ ኣተኩሮ ምስኣንን፡ ጥቓ ሰባት ክትቀርብ ዘይምድላይን ዝኣመሰሉ ምልክታት'ውን ይረኣዩ እዮም። ሓደ ሓደ እቲ ሕማም ዘለዎም ሰባት'ውን ኣብ ኣካላቶም ቃንዛ ክስምዖም ይኽእል'ዩ።
እቲ "ሪቲንክ ስኪዞፍረንያ" ዝተባህለ ጎስጓስ ከምዝብሎ፡ እቲ ሕማም ካልእ ሸነካት ሂወት'ውን ክጸሉ ይኽእል'ዩ። ንኣብነት ብማእከላይ ገምጋም፡ ምስቲ ካልእ ሰብ ክዛመድ ከሎ፡
ስኪዞፍረንያ ዘለዎም ሰባት ካብ 15 ክሳዕ 20 ዓመት ኣቒዲሞም ክሞቱ ይኽእሉ።
እቲ ማሕበር ከምዝብሎ፡ ምኽንያት ናይዚ፡ ካልኦት ኣካላዊ ናይ ጥዕና ጸገማት ብስም ናይ ኣእምሮ ሕማም ከሕለፉ ስለዝኽእሉን፡ ከምኡ'ውን ጎናዊ ሳዕቤናት ናይቲ ዝወስድዎ መድሃኒታት፡ ናቱ ዝኾነ ጸገማት ስለዝፈጥርን'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, MRC
"ምቕያር ኣጠማምታ"
ኣብ "ሪቲንክ ሜንታል ኢልነስ" ዝተባህለ ትካል ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዳይርክተር ዝኾነ፡ ብራያን ዳው፡ስኪዞፍረንያ እንታይ እዩ ወይ ኣይኮነን ኣጸቢቕና ክንርደኦ እዋኑ ኣኺሉ'ዩ ይብል።
"ስኪዞፍረንያ ልክዕ ከም ካልኦት ሕማማት ክእለን ክፍወስን ዝኽእል'ዩ። ሓደ ዘጸይፍ ቃል ወይ ካብኡ ዝኸፍአ'ውን ናይ ዓመጽ መግለጺ ኣይኮነን።"
እቶም ዘየድለዩ ብሂላት፡ ስኪዞፍረንያ ዘለዎም ሰባት ስራሕ ከይረኽቡ፡ ዝምድናታት ከይምስርቱን እቲ ዘድልዮም ናይ ጥዕና ክንክን ከይረኽቡን ገቲኡዎም ኣሎ።
"ኩሉ ምልክታት ስኪዞፍረንያ ተመሳሳሊ እዩ ማለት ኣይኮነን፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ተመርክሮታት ክህልዎም ይኽእል" ይብል ንሱ።
"እንተኾነ ግና፡ ብሂላት ካብ ሓቅታት ብምፍላይ፡ ብዛዕባ ስኪዞፍረንያ ዘሎ ኣተሓሳስባ ኣብ ምልዋጥን፡ኣጠማምታ ሰባት ኣብ ምቕያር ግደና ክንጻወት ንኽእል ኢና"
ፕረዚደንት ሮያል ኮለጅ ኦፍ ሳይክያትሪስትስት ዝኾነት ፕሮፌሰር ወንዲ በርን ብወገና፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ስኪዞፍረንያ ዘሎ ኣዝዩ ግጉይ ኣረዳድኣ 'መስደመም'ዩ" ብምባል ትገልጾ።
"ነቲ ስኪዞፍረንያ ዘለዎም ሰባት ዝገጥሞም ምንሻው ንምቅላስ፡ ኣብ ቅድሜና፡ ንህዝቢ ናይ ምሕባርን ምምሃርን ዓቢ ዕማም ይጽበየና'ሎ" ትብል።
"ብተወሳኺ'ውን፡ ስኪዞፍረንያ ዘለዎም ሰባት ብፍሉይ ክእለት ዘለዎም ሓካይም ክእለዩ ምእንቲ፡ ብዙሓት ናይ ሕክምና ተመሃሮ ንናይ ስነ-ኣእምሮ ትምህርቲ ከምዝመርጹ ክንገብር ኣሎና"።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







