ኬንያ ሺሻ ኣብ ጥቕሚ ንከይውዕል ኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, BBC
ኬንያ ካብ 19 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ሺሻ ናብ ዓዲ ምእታው፣ ምሻጥን ምጥቃምን ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ተግባራዊ ገይራ።
ሚኒስትር ጥዕና ኬንያ ክሌዎፖ ማይሉ ከምዝገለፅዎ፡ ሺሻ እንትጥቀሙን ኣምፂኦም ኽሸጡን ዝተሓዙ ውልቀ ሰባት፡ 50 ሸሕ ናይ ኬንያ ሽልንግን (500 ዶላር) ካብ 6 ወርሒ ዘይንእስ ማእሰርትን ይቕፅዑ።
ኬንያ ሺሻ ብምእጋድ ካብ ታንዛንያን ሩዋንዳን ቀፂላ፡ ሳልሰይቲ ሃገር ኮይና ኣላ።
"ሽሻ ዝኸልከልና፡ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ማሕበረሰብ ቅልውላው ስለዘብፅሕ እዩ" ብምባል ድማ እቶም ሚኒስትር ኣገንዚቦም።
ኣብ ኬንያ ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ሺሻ ዘለዉ እንትኾኑ፡ እዚ ሓድሽ ሕጊ ተግባራዊ ምዃኑ ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ኬንያውያን ኣብ መረባ ትዊተሮም ተዘራሪቦምሉ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቀረባ እዋን ሺሻ ምትካኽ ንጥዕና ከምዝጎድእ ዝሕብር መፅናዕቲ ከመዘውፅአ ይዝከር።
ፓኪስታን፣ ዮርዳኖስ፣ ሲንጋፖርን ስዑድ ዓረብን ሺሻ ካብ ሞንጎ ዝኸልከላ ሃገራት ዓለም እየን።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







