ሰበስልጣን ኤርትራ ብዛዕባ 'ህሉው ምዕባለታት ኢትዮጵያ' ምስ መራሕቲ ሱዳን ተዘራሪቦም

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ (ጸጋም) ንጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ደብዳበ እናረከበ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter

መግለጺ ስእሊ, ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ደብዳበ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ንመራሒ ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ኣረኪቡ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ካርቱም ምስ መራሕቲ ሱዳን ከምዝተራኸበ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን፡ ሱና፡ ሓቢሩ።

እቲ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ ዝርከቦ ጉጅለ ልኡኽ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ "ምዕባለታት" ከም ዝተዛረበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብትዊተር ሓቢሩ።

እቲ ልኡኽ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝተላእከ ደብዳበ ንመራሒ ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ከምዘረከበ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ።

"እቲ መልእኽትን ንዕኡ ስዒቡ ዝተኻየደ ምይይጥን ኣብ ህሉው ምዕባለታት ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ዝህልዎ ሳዕቤንን ዘተኮረ'ዩ" ክብል ኣቶ የማነ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርትራ ነቲ ካብ ትግራይ ሃዲሙ ዝኣተወ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዘዕጠቐቶን ከምዝኸደነቶን ተዛሪቡ ነይሩ።

ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ግጭት ኢትዮጵያ ኢድ ከምዘይብላ እያ ትገልጽ። ይኹን እምበር ቢቢሲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዶባት ውግእ ኣካይኦም ምንባሮም ጸብጺቡ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ንፓርላማ ዝሃቦ መደርኡ፡ ሱዳን'ውን ከምዝደገፈቶ'ኳ እንተ ተዛረበ፡ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከምዝሃበት ግን ኣየነጸረን።

ካብቲ ኲናት ዝሃደሙ ልዕሊ 50,000 ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣትዮም ኣለዉ።

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ ምርጫ ኣካይዱ።

ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም በቲኾም።

ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።

ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።