ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ኣውሊያይ ናብ ሰራዊት ተመሊሱ

ምንጪ ስእሊ, @hawelti/Twitter
ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ፡ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውሊያይ፡ ናብ ሰራዊት ከምዝተመልሰ ካብቲ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ዘስፈሮ ጽሑፍ ምርዳእ ተኻኢሉ።
እቲ ኣብ ትዊተር ዝወጸ ሓበሬታ፡ እቲ ጀነራል፡ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ብምዃን፡ ምስቲ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጾስ ወልደዮሃንስ ዝምራሕ ጉጅለ ንሱዳን ከም ዝገሸ ይጠቅስ።
ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረን፡ ሓላፊ ጸጥታ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ’ውን ኣካል ናይቲ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ወታሃደራዊ ጉጅለ’ዮም።
መዓስን ስለምንታይን ካብ ዝጸንሖ መዝነት ናብ ሰራዊት ከም ዝተመልሰ ብወግዒ ዝተገልጸ የለን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝጸለወ ናይ ሓለፍቲ ምቅይያር ክገብር ምጽንሑ ይፍለጥ።
ዛጊት ንቦትኡ ዝተከአ ወዲ ይኹን ጓል ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣይተፈልጠን።
መንግስቲ፡ ብዛዕባ ምውራድን ምሻምን ሰበስልጣን ንህዝቢ ብወግዒ ናይ ምግላጽ ባህሊ ኣይጸንሖን።
ጀነራል ኣውሊያይ፡ ቅድሚ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ምዃኑ፡ ሓላፊ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ’ዩ።
እቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣዛዚ መካናይዝድ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ዝመርሐ፡ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ዕድመ ከምዘሎ ዝንገረሉ ጀነራል፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ወታሃደራዊ ጽፍሕታት ኣገልጊሉ እዩ።
ንሱ፡ ካብቶም ፈለማ ናይ ሜጀር ጀነራል ወታሃደራዊ ማዕርግ ዝረኸበ’ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ካብቲ ዝነበሮ ናይ ምምሕዳር መዝነቱ ከም ዝተላዕለ’ኳ እንተ ተፈለጠ፡ ስለምንይ ንዝብል ግን ኣይተገልጸን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







