ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ኤርትራ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ የካይዱ'ለዉ

ምንጪ ስእሊ, @hawelti/Twitter
ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስን ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።
ኣገልግሎት ዜና ሱዳን፡ ሱና፡ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ብጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ፊሊጶስ ዝምራሕ ጉጅለ ትማሊ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝኣተወሉ፡ ወግዓዊ ወታሃደራዊ ኣቀባብላ ከም ዝተገብረሉ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ዑደት ኣብ ሱዳን ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።
ብወገን ኤርትራ፡ ዛጊት ብዛዕባ መገሻ ናይቲ ጉጅለ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝቐነየሉ፡ ኣብ ማእከል ወታሃደራዊ ስልጠና ሳዋ በጺሑ ነይሩ’ዩ።
ኣብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዉ፡ ምስ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን፡ ሌ/ጀነራል መሓመድ ዑስማን ኣልሑሴንን፡ ዳይረክተር ኣገልግሎት ስለያ ሱዳን ሌ/ጀነራል ጀማል ኣል-ዲን ዓብዱል መጂድ ብምርኻብ ከም ዝተዘራረበ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ምንጪ ስእሊ, SUNA
ይኹን እምበር፡ እቲ ርክብ ኣብ ምንታይ ዘቶኮረ ከም ዝነበረ ዛጊት ብንጹር ኣይተገልጸን። እቲ ጉጅለ ኣብታ ሃገር ንሓያሎ መዓልታት ክጸንሕ ምዃኑ’ውን ሱና ሓቢሩ’ሎ።
እቲ ንፈለማ እዋን ወግዓዊ ምብጻሕ ከም ዘካየደ ዝንገረሉ ዘሎ ጀነራል፡ ምስ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብርጋዴር ጀነራል ኣብራሃ ካሳን፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረን ካልኦት ኣዘዝትን ተጓዒዙ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣኑ ቅድሚ ምእላዩ፡ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ወጥሪ ሰፊኑ ምንባሩ ይዝከር። ድሒሩ ግን፡ ኣልበሽር እቲ ተዓጽዩ ዝነበረ ዶብ ክኽፈት ምዃኑ ብወግዒ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ ፈለማ ወርሒ ግንቦት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ጀነራል ፊሊጶስ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ነይሩ ተባሂሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝረበሉ ጸኒሑ’ሎ። ብዛዕባ’ዚ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን ብወገን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ጀነራል ፊሊጶስ ነቲ ኣብ ጥቓ ምሟቱ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ዝነበረን፡ ኣብ መጀመርታ 2014 ዝሞተን ሜጀር ጀነራል ዓንደማርያም ገርዝጊሄር (ውጩ) ብምትካእ’ዩ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ኮይኑ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







