ስለምንታይ እያ ኤርትራ ብጸገም ጎረባብታ ትሻቐል?

ፕረዚደንት ኢሰይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ጽሑፍ እዚ መቐጸልታ እቲ፡ "ኤርትራውያን ብፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ እንታይ ይብሉ?" ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ጽሑፍ ኮይኑ፡ ብርእይቶን መረዳእታን ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኤርትራ፡ ስለምንታይ ብፖለተካዊ ኩነታት ጎረባብታ ከም እትሻቐል ክድህስስ እዩ።

"ደቂስካ ክትሓድር ጎረቤትካ ይደቅስ" ዝብል ምስላ ኣበዋት፡ ተራ ምስላ እኳ ኣይኮነን። እንተመሰለ ዓሚቚ መልእኽቲ ዘለዎ ብተመኩሮ ህይወት ዝተደገፈ ምስላ እዩ።

ብተራ ዘረባ እኳ፡ ኣብ ጎረቤት ባእስን ዕግርግርን እንተልዩ፡ ጎረባብቲ ኣይቀስኑን እዮም። እንተኺኢሎም ክዓርቁን ክሽምግሉን ኣብቲ ቅሳነት ዘይብሉ ቤት ኣለው። ልዕሊ ዓቕሞም እንተኾይኑ ከኣ ንብኡሳት ገላጊሎም ጉዳዮም ብሕጊ ክውድእዎ ናብ ትካላት ፍትሒ ክመርሑዎ ይፍትኑ። ኣብ መስርሕ እቲ ፍርዲ እውን ከም ዓረቕትን ሸምገልትን ወይ ከም ወሃብቲ ምስክርነት ክቐርቡ ስለዝግደዱ ዕግርግር ጎረቤቶም ይልክሞም'ዩ።

እቲ ባእስን ህውከትን ስግር ዶብ ምስ ዝርከቡ ጎደቦታት እንተኾይኑ፡ ካብ ቤት ንብረቱ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብተን ጎደቦታት ስለዝፈስስ እተን ዘዕቁበኦ ጎረባብቲ ክሳብ ቤቱ ዝረግእን ነናብ ዓዱ ዝመለስን ከነባብረኦን ክኽእለኦን ስለዝግደዳ ከቢድ ጾር ይስከማ። በዚ ዝተገልጸ ኣፈናዊ መረዳእታ ጥራይ እኳ ህውከትን ዕግርግርን ጎረቤትን ዘቕስን ኣይኮነን።

ዶባት ኩናት ክልተ ዓመት ወጥሪ 20 ዓመት ኣኸቲሉ፡ ኣብ ዶባት ዝርከቡ አሕዋት ጎረባብቲ አህዛብ ብምፍልላዩ ብዙሕ ሰብ እዩ ተጎዱኡ። ዕርቀ ሰላም ተኣዊጁ ዶባት ምስተኸፍተ ከኣ አህዛብ ዶባት ብንብዓት ናፍቖት ተሓዋዊሱ።

ደጊም ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ክምለስ እዩ እናተባህለ ግን እቲ ቀንዲ መቐናቕቲ ህወሓት 'ገይም ኦቨር' ስለዝተባህለን፡ ምእንቲ ውሑስን ነባርን ዕርቀ ሰላም በቲ ክኸኖ ዝግበኦ ዝነበረ ኣብ መስርሕ እቲ ዕርቂ ስለዘይተሓቑፈ፡ እቲ ሕዱር ቂምን ቅርሕንትን ካልእ ጸገማት ከየኸትል ዘሻቕሎም ብዙሓት እዮም። ዶክተር ዳንኤል ረዘነ እውን ሓደ ካብኣቶም እዩ።

ኣዳነ ገብረመስቀል
መግለጺ ስእሊ, ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል

እንተኾነ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ቀዳማይ ምኒስተር መለስ፡ 'ተወሪርና' ምስ በለ፡ ኩሉ ኢትዮጵያዊን ንሱ ንባዕሉን ዶባቱ ከኽብር ናብ ባድመ ከምዝኸተተ ሕጂ ከኣ ነቲ ብኮሚሽን ዶባት ዝተበየነ ፍርዲ ናይ ምትግባር ናይ ቀዳማይ ምኒስተር ስልጣን ምዃኑ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኣረጋጊጹ ኣስሚሩሉ እዩ።

ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ስርዓት ዓብላሊ ዝነበረ ህወሓት፡ ሕጂ ካብ ማእከላይ ስልጣን ኢትዮጵያ ተኣልዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብታ ኮሚሽን ዶባት ንኤርትራ ዝፈረዳ ከም ጠንቂ ኵናት እትግለጽ ባድመ መሬት ይዕድልን ኣባይቲ ክስራሕን የፍቅድ ብምህላው ብግብሪ ነቲ ብይን ንምትግባር ቅሩብነት የብሉን ክብል መንግስቲ ኤርትራ ይነቅፍ። እዚ ከኣ ነቲ ዕርቀ ሰላም ዝዘርግን ዘሰክፍን ተግባር ከምዝኾነ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

እቲ ንብይን ኮሚሽን ዶባት ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ፡ ተባዕ ስጉምቲ ወሲዱ ብድፍረት ኣስመራ በጺሑ ነቲ ሕልሚ ዝመስል ዝነበረ ጉዳይ ጋህዲ ብምግባሩ ናይ ኖቬል ሽልማት ዝተቐበለ ዶክተር ኣቢይ፡ ንመስርሕ ሰላም ንቕድሚት ከይወስዶ፡ ገና ዘይተረጋግአ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣይድግፎን ዘሎ።

እቲ ን18 ዓመታት ንዝምልከቶም አውሓስቲ መንግስታት ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ኢትዮጵያ ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ክትወጽእ ክጽውዕ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ሕጂ ከም ቀንዲ መሻርኽቱ ዝርእዮ ዶ/ር ኣቢይ ንምድጋፍ "ጉዳይ ዶባት ካልኣዊ እዩ - ቅድም ፖለቲካዊ ምርግጋእ እዩ ዘገድስና" ብምባል፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳዩ ስለዝኾነ አእዳዉ ኣጣሚሩ ከምዘይርኢ ዝሃቦ መግለጺ ሓደ ኣብነት እዩ።

ነዚ ጉዳይ እዚ ብቐረባ ዝከታተሉዎ ተዛተይቲ እዚ ዛዕባ ኤርትራውያን ምሁራት ብሓፈሻ፡ ድሕሪ ሕጂ ኢትዮጵያ ኣብ ሓድሕዳ ኮነ ምስ ጎደቦታታ ከምኡ እውን ሃገራት እዚ ዞባ ካብ ኩናት ዝኸስበኦ ነገር ስለዘይብለን፡ ብፍላይ ገሊአን ዝበዝሐ ካብ መዋእለን ኣብ ኩናትን ህውከትን ስለዘሕለፈኦ፡ ልቢ አዕብየን ሰላማዊ ጉዕዞ ክኸዳን ዘቤታዊ ኮነ ጎደባዊ ጉዳያተን ብዘተን ልዝብን ክፈትሐኦ ተማሕጺኖም።

ዶክተር ዓወት ተወልደ፡ ጉዳይ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ከም ግብጺ፡ ኢሜሬት፡ ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ዝኣመሰሉ ሓይልታት ፖለቲካን ብዙሓት ግዱሳት ኣመሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት ብስቱርን ቅሉዕን ዝተዋስኡሉ ጉዳይ ምንባሩን፡ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ፡ ካብቲ ተጻዐዒኑዎ ዝነበረ እገዳ ንክላገል ልዑል ድሌት ስለዝነበሮ ነቲ ዕርቂ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ይሕብር።

ኣብ ርእሲኡ እውን መንግስቲ ኤርትራ፡ ብሰንኪ እቲ ብቐጻሊ ዝፍጽሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ልዑል ጸቕጢ የጋጥሞ ስለዝነበረ፡ እቲ ናይ ዕርቂ ኣጋጣሚ ነቲ ን18 ዓመታት ብይን ዶባት ከይትግበር ዝሓንገደን ዝዓንቀፈን መቐናቕንቱ ህወሓት ስልጣኑ ተሸምሪሩ ፡ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ተኣልዩ ኣብ መቐለ ሰፊሩ ኢሉ ስለ ዝኣመነ ከም ዓወት ክርእዮ ግድን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ፡ ንሕቶ ዕርቀ ሰላም ምላሽ ክህብ እንከሎ፡ "ወያነ ገይም ኦቨር" ዝበለ።

መግለጺ ቪድዮ, ነጥብታት ብዛዕባ ኢትዮ ኤርትራ

ዋላ እውን እቲ ዕርቀ ሰላም ክፍረም እንከሎ ህወሓት ኣባል ልፍንቲ ኢህወደግ እንተነበረ እቲ ከም ሓሳብ ኣንቂሉዎ ዝበሃል ውጥን ዕርቀ ሰላም ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ከተግብሮ ብዘይምኽኣሉ ሞራላዊ ክብሪ ኣይረኸበን። ኣብ መስርሕ እቲ ዕርቂ ዶክተር ኣቢይ ምስ ደመቐ ከኣ ንዝምድና ኢሳይያስን ኣቢይን፡ ከምዚ ጸላኢ-ጸላኢየይ ዝዓይነቱ ፍቕሪ ገይሮም ዝገልጹዎ እውን ኣይተሳእኑን።

ዓብላልነት ማእከላይ ስልጣን ካብ ትግራይ ናብ ኦሮሞ፡ ካብ ህወሓት ናብ ኦሆዴድ ምስ ሰገረ፡ ህወሓት ብቐጻሊ ሕገ መንግስቲ ተጣሒሱ እናበለ እዩ ክጣራዕ ጸኒሑ። ፖለቲከኛታት ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ከኣ 'ትማል ሕገ መንግስቲ ይጠሓስ ኣሎ፤ ድምጽና ተዓፊኑ፡ ድምጽና ካብ ሰናዱቕ ምርጫ ተሰሪቑ ኢልና ከነእዊ እንከለና ዘይሰምዓና ሓይሊ ሕጂ ንብዓት ሓርገጽ እንተነብዐ መን ክሰምዖ ይኽእል' ክሳብ ምባል በጺሖም። እዚ ኸኣ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ዝምድና ውድባት ልፍንቲ ከኣ ብፍላይ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐን ውዒሉ ሓዲሩ ፍጹም ፍትሕን ምፍልላይን ከምዝስዕብ ርኡይ ምልክት ነይሩ።

ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ነቲ ኢህወደግ ክምረሓሉ ዝጸንሐ"ወያናይ ዴሞክራሲ" ዝብል ዝጸንሐ ኣይድዮሎጂ ብ "መደመር" ቀይሩዎ፡ መራሕቲ ህወሓት ግን ኣይምእምኣናን እዩ ኢሎም ካብቲ ልፍንቲ ወጺኦም፡ ንዓኣቶም ምስ ዝመስሉ ሓይልታት ፈደራል ክሻረኹ ይሰርሑ ኣለው።

ዶ/ር ዳንኤል፡ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ኣስመራን ዘለው ሓይልታት፡ ንህወሓት ከም ሓደ ዝነደየ ሓይሊ እኳ ይርእዩዎ እንተለው፡ ህወሓት ግን፡ ገና ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ፡ ኣብ ምርግጋእን ሰላምን ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ነባሪ ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ግደ ክጻወት ከምዝኽእል እዩ ዝኣምን።

ዶክተር ዳንኤል ረዘነ

ምንጪ ስእሊ, Björn Tunbäck

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ዳንኤል ረዘነ

መንቀሊ እቲ ዘተ፡ "ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብኸመይ ክጸልዋ ይኽእል?" ዝብል ብምዃኑ፡ ዶር ኣዳነ፡ ብፕረዚደንት ኢሰያስ ዝውከል መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ናይ ኢትዮጵያ ሸምጋልን ኣታዓራቕን ኣብ ክንዲ ምዃን ናይ ሓደ ወገን ጸግዒ ወሲዱ ነገራት ክሓላልኽ እንተፈቲኑ እቲ ዕንወት ቀሊል ከምዘይከውን እዩ ዝዛረብ። " ከምኡ ዓይነት ተግባር ንኢትዮጵያ ኮነ ንኤርትራ ስለዘየርብሕ ዝኾነ ወገን ክቕበሎ የብሉን" ድማ ይብል።

ምኽንያቱ፡ ይብል ኣዳነ፡ ምጉቱ ብምቕጻል፡ ብቐዳምነት፡ ኤርትራ ዘይተወደአ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኣለዋ። ኣብዚ እዋን እዚ ከም ሃገር ደው ክትብልን፡ ዝኸሰረቶ ዕድልን ግዜን ክትመልስ እቲ ዝድለን ዝግባእን ናይ ለውጢ መስርሕ ከተተኣታቱን ሃገራዊ ርግኣትን ሓድነትን ከተረጋግጽ እያ ክትሰርሕ ዝግበኣ። ስለዚ እቲ መንግስቲ፡ ዓራቒ ምኽሪ ከቐርብ ጽቡቕ'ዩ፡ ዓመታት ዝበልዐ ገዚፍ ዕዮ ገዝኡ ኣወንዚፉ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጎደቦ ክዋሳእ ግን ዓቕምን ሞራላዊ ብቕዓትን ከምዘይብሉ የረድእ።

መራሒ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን፡ መዘናኡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G. MESKEL/TWITTER

ዝኾነት ሃገር ጎደቦኣ ብፖለቲካዊ ቁርቁስ እንዳተቐላለወ ናይ ሰላም ደሴት ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። "ብልጽግና ፓርትን ህውሓትን ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኢትዮጵያ ብጉዳይ ምርጫን ምስግጋር መንግስትን ይሰሓሓቡ ኣለው። ድሮ እውን ንዕኡ ዝምልከት ቅዋማዊ መስርሕ ጀሚሮም ይኸድዎ ኣለው። ግን ናይ ብሓቂ ፍትሓዊ መፍትሒ ድዩ ክወሃቦ ወይስ ክዕምጸጽ'ዩ ግን ምስ ግዜ ዝረአ እዩ።" ይብሉ ተዛተይቲ እዚ ዛዕባ፡ እቲ ውጽኢት ንኹላቶም ብዘረዳድእ መገዲ-ዕርቂ ክውዳእ ብምትስፋው።

"መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካ ናይ ኢትዮጵያ ብሃናጺ መገዲ እምበር ብኣሉታ ክዋሳእ የብሉን" ዝብል ዶ/ር ዳንኤል፡ እንተኾነ፡ ንሕሉፍ ታሪኽ እቲ ስርዓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ባህሪኡን ተመኩሮኦን፡ ኣብ ሰላማዊ ርጉእ ፖለቲካ ሃዋህውን ክሰርሕ ይኽእል'ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ይዛረብ።

"እቲ ጎደቦታት ብፖለቲካዊ ቁሩቁስ ህወሓትን ህግደፍን ተሃዊኹ ብምጽንሑ፡ ርግኣት ኢትዮጵያ ንኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ" ዝብል ዶ/ር ዓወት፡ ዝኾነ ሰላምን ምርግጋእን ዝደሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ እቲ ን18 ዓመታት ተኾሊፉ ዝጸንሐ ብይን ኮሚሽን ዶባት ብዝቐልጠፈ ክትግበርን ነባሪ ሰላም ክረጋገጸን ይጽውዕ። እቲ ብስም ሰላም ብኣፍ ዝዝመርን ኣብ ባይታ ዝግበርን ክሳነ ኣለዎ፡ ክብል ከኣ የስምረሉ።

ብይን ኮሚሽን ዶባት ብዙሕ ካብ መሬት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ስለዝሃበ፡ ብዙሓት ንኤርትራውነቶም ዋጋ ዝኸፈሉ ዜጋታት፡ ሃንደበት ምስ ኢትዮጵያ ኢኹም ይበሃሉ ስለዘለው፡ መጻኢኦም ተንጠልጢሉ ኣብ ሻቕሎት እዮም ዘለው። ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ምስታ ናይ ዶብን ካሕሳን ኮሚሽን ሳልሰይቲ ኣገዳሲትን ሱር መሰረት እቲ ግጭት ኣጽኒዓ ሓላፍነት እተሰክም ኮሚሽን እውን ክትምስረት ነይሩዋ። ግን እታ ኮሚሽን ኣብ ዘበነ ህወሓት ኮነ ኣቢይ ኣይተመስረተትን። መንግስቲ ኤርትራ እውን ነዚ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ከም ኣርእስቲ ኣየምጽኦን።

ዶ/ር ዓወት፡ ኣብ ርግኣት ኢትዮጵያ፡ ርግኣት ኤርትራ እውን ስለዘገድስ፡ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዘኽብር፡ ቀዳምነታቱ ዝነጸረ ውሑስ መስርሕ ዕርቀ ሰላም ምስ ዝሰኣል፡ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ምህዳእ እውን ተራ ክህልዎ ከምዝኽእል እዩ ዝኣምን።

ፕሮፌሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል
መግለጺ ስእሊ, ፕሮፌሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል

ኤርትራ ብጸገም ጎረባብታ እትሻቐል እምበኣር ምስ ጎደቦታታ ብዙሕ ዘይተወደአ መዓልቦ ክሕዝ ዘለዎ ጉዳይ ስለዘለዋ እዩ። ሓደ ካብኡ ከኣ እቲ ን20 ዓመት ንኤርትራን ኢትዮጵያን ፈላልዩ ዝጸንሐ ኣይኩናት ኣይ ሰላም እዩ። በዚ ጉዳይ እዚ ልዕሊ ማንም ዝተሃስየት እታ ውሑድ ዝብዝሒ ህዝባን ድሩት ዝቑጠበኣን ኤርትራ እያ። ብምኽንያት እዚ ጉዳይ ብዝተስገደደ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ፍልሰት ኣሽሓት መንእሰያት እታ ሃገር ኣኸቲሉ እዩ።

ሕጂ እቲ ናይ ጽልእን ህልኽን ምዕራፍ ተዓጽዩ ሓዲሽ ናይ ሰላምን ምርግጋእን ናይ ምትሕግጋዝን ምክብባርን መድረኽ ክኽፈት ድሌትን ባህግን ናይ ኩሉ ደላይ ሰላም ኤርትራውን ኢትዮጵያውን እቲ ዞባን እዩ። ተዛተይቲ እዚ ዛዕባ ከኣ እቲ ዛጊት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዝነኣድ ምዃኑ እዮም ዝግምግሙ።