መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ንምዝታይ ሎሚ ኣኼባ ከካይዱ'ዮም

ዓቢ ግድብ ህዳሰ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዓቢ ግድብ ህዳሰ

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንምዝታይ ሎሚ ሰሉስ 'ብኦንላይን' ኣኼባ ከካይዱ'ዮም።

እዚ ኣኼባ ኣብ መንጎ ሃገራት ኢትዮጵያ ሱዳንን ግብጽን ክካየድ ዝጸንሐ ስሉሳዊ ዘተ፡ ፍረ ስለዘይምጸአ'ዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክዛተይሉ ወሲኖም ዘለዉ።

ኢትዮጵያ እዚ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ነቶም ዓሰርተታት ሚልዮናት ዝኾነ ቀረብ ኤሌትሪክ ዘይብሎም ዜጋታት መስተርሆት ክፈጥረሎም እያ ተስፋ ኣንቢራትሉ ዘላ።

ግብጺ ድማ ቀረብ ጽሩይ ማያ ካብዚ ሩባ'ዚ ስለእትረክብ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ምምላእ እንተጀሚሩ ኣብ ሃገራ ሕጽረት ቀረብ ማይ ከየጋጥም ከም ዓቢ ስግኣት'ያ ትጥምቶ።

ዓቢ ግድብ ህሳሰ ካብ ዝጅመንር ኣስታት ዓሰርተ ዓማታት ገይሩ ኣሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ዋላኳ እዘን ሰለስተ ሃገራት ኣብ ስምምዕ ኣይብጽሓ እቲ ግድብ ማይ ክሕዝ ጀሚሩ'ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ዝርርባት ብዘይ ፍረ ተበቲኑ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ክካየድ ዝጸንሐ ስሉሳኣዊ ልዝብ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዘይውጽኢት ከም ዝተዛዘመ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን፡ እቶም መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ፍትሓውን ርትዓውን ስምምዕ ንምብጻሕ ሓዲሽ መገዲ ከናድዩ ትጽቢት ይግበሮም።

ኢትዮጵያ፡ ነቲ ግድብ ማይ ክትመልኦ ትደሊ ከምዘላን፡ ብወገን ሱዳንን ግብጽን ድማ እቲ ናብአን ዝበጽሕ መጠን ማይ ከይጎድል ቃለ ክእተወለንን ውዕል ክኽተም'የን ዝጠልባ ዘለዋ።

ኢትዮጵያ ንምታይ ዓብይ ግድብ ክትሃንደልያ?

ብቢልዮናት ብር ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ህዳሰ፡ ንዕብየት ኢትዮጵያ ማዕረ ትርግታ ልቢ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እዩ ዝቑጸር።

እቲ ግድብ ተሃኒጹ ስርሑ ምስ ጀመረ፡ ኣስታት 6 ሽሕ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምምንጫዉ ዓቕሚ ክህልዎ'ዩ።

ብዙሕ ህዝባ፡ ከም ልቡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንዘይረኽበላ ኢትዮጵያ፡ ኣድላይነት እዚ ግድብ ዘየወላውል እዩ።

ኢትዮጵያ፡ እቲ ግድብ ብሙሉእ ሓይሉ ጸዓት ከመንጩ ምስ ጀመረ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትሸይጥ ትኽእል እያ። ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራን ጂቡቲን ካብቲ ግድብ ክረብሓ ይኽእላ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ግድብ እትረኽቦ ልዕሊ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ረብሓ፡ ሉኣላውነት ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።