ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ወጥሪ ግድብ ሕዳሰ ብሰላም ክፍታሕ ጸዊዖም

ቤት-ጽሕፈት ባይቶ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, THE WASHINGTON POST/GETTY IMAGES

ጸለምቲ ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ፡ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ክሰማምዓሉ ዘይኽኣላ ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኦም።

ሲቢኤስ ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ጉጅለ ጸለምቲ ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ 'ኮውከስ' ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ሞንግአን ዘሎ ዘይምርድዳእ፡ ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሕኦ ሓቲቱ።

እቲ መግለጺ፡ ህንጻት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ብዝምልከት፡ ሰለስቲአን ሃገራት ዝገብርኦ ዝነበራ ምትሕብባር ቐጻልነት ክህልዎ ክገብራን፡ እቲ ጸገም ብዝርርብ ክፈትሕኦን ኣተሓሳሲቡ።

እዘን ሃገራት፡ ኣብ ሓበራዊ ተጠቃምነት ተሰማሚዐን ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕግታት ተሞርኲዘን መፍትሒ ክገብራሉ ኣተሓሳሲቦም።

ብ2011 ዓ.ም ዝጀመረ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ዞባ ሓሊፉ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ምንጪ ጸዓት ከም ዝኸውን፡ እቶም ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብ መግለጺኦም ጠቒሶም።

እዚ ፕሮጀክት፡ ክሳብ 6 ሽሕ ሜጋ ዋት ጸዓት ዘመንጪ ዓቕሚ ክህልዎ እዩ። እዚ ድማ፡ ኢትዮጵያ ንርእሳ ክኢላ ንጎረባብቲ ሃገራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምክፍፋል ክትጅምር ዓቕሚ ከም ዝፈጥረላ ይጠቅስ።

ኮንግረስ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን 'ኮውከስ'፡ ኣሜሪካን ካልኦት ዓለምለካቂ ትካላትን ነቲ ብ2015 ሰለስቲአን ሃገራት ዝበጽሕኦ ሰነድ ስምምዕ ከኽብሩ ሓቲቶም።

ብተወሳኺ፡ እዞም ኣካላት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብቲ ዞባ ምስ ዝርከቡ ዲፖሎማሰኛታትን ብምትሕብባር ነቲ ጸገም ክፈትሑዎ ኣተሓሳሲቦም።

ብፍላይ ድማ ይብል እቲ መግለጺ፡ ብፍላይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዝግበር ስምምዕ ንኹለን ተጠቀምቲ ዝገብር እምበር ንሓደ ወገን ጥራሕ ዘዘንበለ ከም ዘይኾነ ከረጋግጽ ይግባእ ኢሉ።

"ግድብ ሕዳሰ፡ ንግብጽን ሱዳንን ይጠቕመን'ዩ"፡ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን

ምንጪ ስእሊ, CONGRESSMANHORSFORD/FB

"ፕሮጀክት ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኣባይ፡ ዋሕዚ ማይ ኣባይ፣ ቐረብ ጸዓት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዝህሉ ቐረብ መግቢ ጽልዋ ክህልዎ እዩ። ብዝሒ ህዝቢ ግብጺ ኣስታት 100 ሚሊዮን ኮይኑ፡ እቲ ግድብ ኣብ ማይ ኣባይ ዘሎ ጸቕጢ ብምንካይ፡ ህዝቢ ግብጺ ዝሓሸ ቐረብ ማይ ክረክብ ክሕግዝ እዩ።

"ኢትዮጵያ ድማ፡ 20 ሚኢታዊት ህዝባ ክጎድእ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ዝግመት ሓደጋ ደርቂ ኣንጸላሊዩዋ ኣሎ። ሓሓሊፉ ዝርኣይ ዘሎ ወራር ኣንበጣ በረኻ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ 32 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝነበረ እኽሊ ጉድኣት ኣብጺሑ እዩ። ብኻልእ ወገን፡ ሱዳን ካብቲ ግድብ ተጠቃሚት እያ። ናብታ ሃገር ዝውሕዝ ዘይጠቅም ሓመድ ብምንካይ፡ ናይ ሕርሻ ፕሮጀክታት ክተስፋሕፍሕ ክሕግዛ እዩ" ዝብል መግለጺ'ዮም ኣውጺኦም።

እቲ መግለጺ፡ ብሓፈሻ እቲ ግድብ፡ ንኹለን ሃገራት እወንታዊ እጃም ዘለዎ፣ ቐረብ መግቢ ዘመሓይሽ፣ ጸዓት ዘመንጩ፣ ጽሩይ ማይ ዘቕርብን ንቑጠባዊ ዕብየት እቲ ዞባ ዝሕግዝን እዩ ይብል።

"ናይ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ኣባላት ኮንግረስ 'ኮውከስ'፡ ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ኣባይ ዝካየዱ ሰላማዊ ዝርርባት እዩ ዝድግፍ። ንሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ኣካላትን ድማ ኣድላዪ ሃገዝ ብምግባር፡ ኩለን ተጠቀምቲ ዝኾናሉ ስምምዕ ክብፋሕ ጻዕሪ ክገብር እዩ" ኢሎም።