ኣብ ጉዳይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዝግበር ዝርርብ ኣበይ በጽሐ?

ምንጪ ስእሊ, GRAND ETHIOPIAN RENAISSANCE DAM
ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ማይ ምውህላል ክጅምር መዓልታት እየን ዝተርፈኦ።
እንተኾነ፡ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ኣመላልኣ ማይ ናይቲ ግድብን ካልኦት ተዛመድቲ ነገራትን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይከኣላን።
እተን ሃገራት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዝርርበን ብቪድዮ ኮንፈፈረንስ ቀጺለናሉ ነይረን። ይኹን’ምበር ኣብ ስምምዕነት ክበጽሓ ስለ ዘይከኣላ፡ ብረቡዕ እቲ ዝረርብ ክቋረጽ ክኢሉ እዩ።

ኢትዮጵያ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ገዱ አንዳርጋቸው፡ ኢትዮጵያ ካብ ሩባ ኣባይ ንዝህልዋ ተረባሕነት ዝግድብ ስምምዕ ኣይትቕበልን ኢሉ።
ሰለስቲአን ሃገራት፡ ኣብ ኣመላልኣ ማይ ዝገበርኦ ዝርርብ ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ናብ ስምምዕነት ክቐርቡ እኳ እንተኽኣሎም፡ ሕጊ ተንከፍ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ግን ፍልልያት ተራእዩ።
እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን እትገብሮም ዝርርባት ነቲ ግድብ ዝምልከቱ ጉዳያት ጥራይ እምበር፡ ኣብ መጻኢ ሩባ ኣባይ ተጠቒማ ናይ ምልማዕ መሰላ ኣይሓውስን ኢሉ።
ግብጺ ግን፡ በቲ ግድብ ዝግበር ዝርርብ ተደሪኻ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሩባ ንዘለዋ መሰል ክትግድብ ትፍትን ምህላዋ ገሊጹ።
ግብጺ፡ ካብቲ ናይ መወዳእታ ብርኪ ዝርርብ ወጺኣ እያ ዝበለ እቲ ሚኒስተር፡ ሰለስቲአን ሃገራት ዝገብረኦ ዘተ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ክትሃንጾ ንእትደሊ ግድብ ኮነ ብፍትሓዊ መገዲ ነቲ ሩባ ናይ ምጥቃም መሰላ ዘሐሉ ክኸውን ከምዘለዎ ንመራኸብቲ ብዙሓን ውሽጢ ዓዲ ተዛሪቡ።
ዝኾነ ውሽጣዊ ኮነ ደጋዊ ጸገም፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ካብ ምምላእ ኣይእግዳን ክብል እቲ ሚኒስተር ገሊጹ እዩ።
ግብጺ
ፕረዚደንት ግብጺ፡ ዓብድል ፈታሕ ኣል-ሲሲ፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ሃገሩ ምስ ኢትዮጵያ ንዘሎ ዘይምርድዳእ ብዲፕሎማስያዊ መገዲ ክትፈትሖ ድልውቲ እያ ኢሉ።
ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ክጅምር ዝተርፎ ንእሽቶ መዓልታት እዩ። ግብጺ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኢዱ ከእቱ ምሕታታ ዝዝከር እዩ።
ፕረዚደንት ሲሲ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ክንወስዶ ዝደለና፡ ነቲ ጉዳይ ክሳብ መወዳእታ ብዲፕሎማስያዊ መገዲ ክንኣልዮ ስለእንደሊ እዩ ከም ዝበለ ሮይተርስ ጸብጺቡ’ሎ።
ወሲኹ ድማ፡ ኣብ ስምምዕነት ክንበጽሕ ኣለና፡ ንናይ ኩልና ረብሓ ዘሐሉ ፍታሕ የድልየና እዩ ኢሉ።
ፕረዚደንት ግብጺ ነዚ ዝበለ፡ ኣብ ትካል ምክልኻል እታ ሃገር ኮይኑ እዩ። ሲሲ፡ ሰራዊት ናይታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ደገ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ንምውሳድ ክዳሎ ጻውዒት ኣቕሪቡ እዩ።
ብዙሓት፡ እቲ ፕረዚደንት ምስ ሰራዊቱ ምርኣዩ፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ምትፍናን ዘጋድድ እዩ እኳ እንተበሉ፡ ሚድያታት ዓረብ ግን፡ ግብጺ ኣብ ሊብያ ምስ ሓይልታት ቱርኪ ተፋጢጣ ምህላዋ እየን ዝጽብጽባ።
ሱዳን
ሱዳን ብወገና፡ ጉዳይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ መስርሕ ዘተ እንከሎ፡ ግብጺ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ምውሳዳ ነቲ ምትፍናን ከም ዘሐይሎ ኣፍሊጣ።
ሚኒስተር መስኖን ማይን ሱዳን ያሲር ኣባስ “ንሕና ወጥሪ ኣይንደልን፡ ስምምዕ ደኣ” ከም ዝበለ፡ ኣሕራም ኦንላይን ዝበሃል ሚድያ ጸብጺብዎ’ሎ።
ሱዳን፡ እቲ ግድብ ማይ ቅድሚ ምምልኡ ስምምዕነት ክግበር ድልየት ከም ዘለዋ’ውን ጸብጺቡ ኣሎ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀጻሊ ወርሒ ነቲ ግድብ ማይ ክትመልእ ናይ ዝኾነ ኣካል ፍቓድ ከም ዘየድልያ ምግላጻ ዝዝከር እዩ።
ብኻልእ ወገን፡ ምክትል ኣቦ ወንበር ሉዕላዊ ቤት-ምኽሪ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝበጽሐ ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ጀነራል ምስ ቀዳማይ ሚሰስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ልምዓት ከም ዝተዘራረቡ መራኸብቲ ብዙሓን ኢትዮጵያ ዝጸብጸባ ኮይነን፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝተገበረ ዘተ ምንባሩን ዘይምንባሩን ዝተባህለ ነገር የለን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







