ኢትዮጵያ ኣብ ዝርርብ ግድብ ሕዳሰ ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ ብዛዕባ መጻኢ ጉይዳ ግድብ ሕዳሰ ብዝምልከት ኣብ ሓዲሽ ዝርርብ ከምዘይትሳተፍ ሚኒስትሪ ማይ ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ ሓቢሩ።
እቲ ዝርርብ፡ ንጽባሕ ሓሙስን ዓርብን፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ብመንጎኝነት ኣሜረካ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክካየድ እዩ ነይሩዎ።
ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን፣ ሱዳንን ግብጽን ዝተኻየደ ስሉሳዊ ልዝብ፡ ኣንፈቱ ስሒቱ ተባሂሉ ነይሩ።
እዚ ነገር ነዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ከምዝገለጽዎ፡ ሱዳን ብወገና ናይ ቅዋም ለውጢ ከምዝገበረትን፡ ከምኡ ድማ ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ንግብጺ ከም ዝድግፉ ብምግላጽ፡ እቲ ልዝብ 4ን1 ከምዝኾነን፤ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ከቢድ ተጽዕኖ ከምዝፈጠረን ይዛረቡ።
ግብጺ፡ ኣስታት 90 ሚእታዊት ናይ ማይ ጠለባ ካብ ፈለግ ኒል እተማልእ ብምዃና፡ እቲ ፈለግ መሰረት ህላወኣ ከምዝኾነ እያ እትገልጽ።
ግድብ ህዳሰ ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ማያዊ ኤለክትሪክ ዘመንጩ ግድብ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብ 2011 ዝጀመረ ህንጸት እቲ ግድብ፡ ኣብቲ ንፈለግ ኒል 85 ሚእታዊት ማይ ዘበርክት ሩባ ኣባይ'ዩ ዝህነጽ ዘሎ።
ኢትዮጵያ ንምታይ ዓብይ ግድብ ክትሃንጽ ደልያ?
ብቢልዮናት ብር ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ህዳሰ፡ ንዕብየት ኢትዮጵያ ማዕረ ትርግታ ልቢ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እዩ ዝቑጽር።
እቲ ግድብ ተሃኒጹ ስርሑ ምስ ጀመረ፡ ኣስታት 6 ሽሕ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምምንጫዉ ዓቕሚ ክህልዎ'ዩ።
ብዙሕ ህዝባ፡ ከም ልቡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንዘይረኽበላ ኢትዮጵያ፡ ኣድላይነት እዚ ግድብ ዘየወላውል እዩ።
ኢትዮጵያ፡ እቲ ግድብ ብሙሉእ ሓይሉ ጸዓት ከመንጩ ምስ ጀመረ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትሸይጥ ትኽእል እያ። ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራን ጂቡቲን ካብቲ ግድብ ክረብሓ ይኽእላ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ግድብ እትረኽቦ ልዕሊ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ረብሓ፡ ሉኣላውነት ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







