ልዝብ ግድብ ህዳሰ ኣንፈቱ ስሒቱ ተባሂሉ

ኣብ ህንጸት ዝርከብ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, MOFA

መግለጺ ስእሊ, ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንጸቱ ካብ ዝጅመር 6ይ ዓመት ሓሊፉዎ

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ዝካየድ ስሉሳዊ ልዝብ፡ ኣንፈቱ ስሒቱ ናብ ጉዳይ ክፍፍል ማይ ከም ዝተሰገጋገረ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እዚ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎ በዓል ሞያ፡ ሱዳን ብወገና ናይ ቅዋም ለውጢ ገይራ፡ ከምኡ ድማ ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ንግብጺ ከም ዘዳልዩ ብምግላጽ፡ እቲ ልዝብ 4ን1 ከምዝኾነን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ከቢድ ጽዕንቶ እናተፈጠረ ከም ዝኾነን ይዛረብ።

ኣመሪካን ባንኪ ውድብ ዓለምን ኣብቲ ጉዳይ ኢዶም ክሓውሱ ምፍቃድ ከቢድ ዋጋ ከመዘኽፍል ድማ ወሲኹ ይዛረብ።

ሚኒስተር ማይ፡ መስኖን ጸዓትን ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተገበረ ዘተ

ምንጪ ስእሊ, ASHRAF SHAZLY

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ማይ፡ መስኖን ጸዓትን ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተገበረ ዘተ

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ኣይተ ፍጹም ኣረጋ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልታት እቲ ተደራዳሪ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ዝዘተየ እንተኾነ'ኳ፡ ናብ ስምምዕነት ክወስድ ዝኽእል ሰነድ ኣብ ምድላው ኣይተበጽሐን" ኢሉ ነይሩ ኣብ ትዊተር ገጹ።

Presentational grey line
ትዊተር ፍጹም ኣረጋ
Presentational grey line

ኣብ ስምምዕ ክብጸሐሉ ኣይተኽኣለን ዝተብሃለ እዚ ሰነድ መብዛሕትኡ፡ ብኣመሪከ ዝተሰናደአ ከምዝኾነን፤ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ኣመላልኣ ማይ እቲ ግድብን ምልቃቕን ካብ ምዃን ዘሊሉ፡ ኣየናይ ሃገር ክንደይ ዝኣክል ማይ ይውሰድ ናብ ዝብል ዘትኮረ እዩ፤ ይብል እዚ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ፈላጢ ውሽጢ።

ጉጅለ ሕጊ ኣርቃቒ ኢትዮጵያ ሕዚ'ውን ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ እንትኸውን፡ እቲ በዓል ሞያ፡ ኣብ ክፍፍል ማይ ንምዝርራብ ከም ሃገር ድልዋት ኣይኮናን ይብል።

ሚኒስተራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዙርኣ ግድብ ህዳሴ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተራኸቡሉ

ምንጪ ስእሊ, ASHRAF SHAZLY

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተራኸቡሉ

ብፍላይ ኣብ ምምላእን ማይ ምስዳድን ተኣሳሲሩ፡ ኣብ እዋን ድርቂ፡ ናይ ነዊሕ እዋን ድርቅን ተኸታተሊ ድርቅን ዝብሉ ኣብቲ ሰነድ ዝሰፈሩ ሓረጋት ብዝምልከት ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣይተኽኣለን።

"እቲ ቀንዲ ነገር እቲ ጉዳይ ኣብ ክፍፍል ማይ ከትኩር ኣይምነበሮን። እቲ ናብ ኣመሪካ ዝኸደ ጉጅለ ኣርቃቒ ሕጊ እንተኾነ ድማ ኣብዚ ጉዳይ ክዘራረብ፡ ስልጣን የብሉን። እዚ ጉዳይ ናይ ሰለስተ ሃገራት ጉዳይ ዘይኮነስ፡ ናይ ዓሰርቲአን ሃገራት ጉዳይ እዩ" ኢሉ።

ኢትዮጵያ ናይቲ ዓብይ ስምምዕ 'መስርሕ ምትሕብባር ናይል' ፈራሚት ሃገር ስለዝኾነት፡ ነዚ ስምምዕ ኣብ ግምት ዘእተወ ልዝብ ክግበር ከም ዝግባእ ይግለጽ።

Presentational grey line

ካብ ተዓዛቢነት ናብ ቀላስነት

ኣብቲ ልዝብ ሳልሳይ መንጎኛ ጣልቃ ክኣቱ እትሓትት ግብጺ ከምዝኾነት ዝፍለጥ እዩ።

ብፍላይ ድማ፡ ፕሬዝደንት አብዱል ፈታ አል ሲሲ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ልዝብ ሸምጋሊት ኮይና ክትሕወስ ብቐጥታ ዝዓደመ እዩ።

ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ፡ ኢድ ኣእታውነት ሳልሳይ ኣካል ከምዘይትቕበል ኣፍሊጣ ነይራ።

ምኽንያቱ ድማ፡ ሰለስቲኦን ሃገራት ዛጊድ ዝበጽሐኦ ብርኪ ስምምዕ ዘናእስ እዩ፡ ከምኡ ድማ ኣብ 2015 ዝተፈረመ ናይ ሓባር መትከል ስምምዕ - ዝጥሕስ እዩ ትብል።

ደሓር ግን፡ ባንክ ዓለምን ኣሜሪካን ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝግበር ምይይጥ፡ ተዓዘብቲ ኮይኖም ከም ዝሳተፉ ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ጥሪ 25 ኣኢ ኣብ ፓርላማ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ፡ መንግስቲ ኣሜሪካን ባንክ ዓለምን "ከደራድሩና ሕቶ ኣቕሪቦም የደራድሩና ኣለው" ኢሉ።

ወሲኹ'ውን "ኣሜሪካን ባንክ ዓለምን ክምስገንሉ ዝግባእ፡ ኣብ ቅድሚ ዝፈልጡናን ዓቕሚ ኣብ ዘለዎምን ክንዘራረብ ከሎኖ ክንሰማማዕ ጀሚርና ኣሎና" ክብል ተሰሚዑ።

እዞም ኣካላት ንገዛእ ርእሶም፡ ካብ ተዓዘብቲ ናብ መንጎኛ ኪንዮ ምስግጋር፡ "ልዑል ጸቕጢ ከሕድሩን ከፈራርሑን ጀሚሮም ኣለው" ይብል እቲ ምንጪ ቢቢሲ።

ንሱ ከም ዝብሎ ኣሜሪካን ባንክ ዓለምን፡ ብወገን ኢትዮጵያ ንዝመጹ ሓሳባት ክቕበሉ ድልየት የብሎምን። ናይ ግብጽን ሱዳንን ሓሳብ ጥራይ እዮም ዝቀባበሉ ዘለው።

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ንገዛእ ጥቕማ ክትብል ካብ ፈለማ ጎድኒ ኢትዮጵያ ደው ኢላ ዝነበረት ሱዳን፤ መርገጺኣ ቀዪራ ምስ ግብጺ ወጊና ምህላዋ'ውን እቲ ምንጪ የረጋግጽ።

እቲ ብኣሜሪካ ዝተነበረላ ማዕቀብ ክለዓለላ እትጠልብ ሱዳን፡ ነዚ ድልየታ ሒዛ ክትመጽእ ከላ፡ ኣሜሪካ ብወገና'ውን ብርክት ዝበለ ቅድመ ኩነት ኣቐሚጣ ምህላዋ እቲ ምንጪ የረድእ።

ሱዳን ንፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ናብ ኣሕጉራዊ ቤትፍርዲ ኣሕሊፋ ክትህብን ኣብ ጎድኒ ግብጺ ደው ክትብልን ካብቶም ዝተቐመጡ ቅድመ ኩነት ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረብ።

"ሳልሳይ ወገን ምእታው ካብ ዘኽፍለና ዘሎ ከቢድ ዋጋ ሓደ እዚ እዩ" ብምባል ኣብቲ ዝርርብ፡ ኢትዮጵያ ተቐርቂራ ምህላዋ ይገልጽ።

ኣሜሪካ ሰለምንታይ ምስ ግብጺ ወጊና?

ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሰላም ንብልጽግና [ፒስ ቱ ፕሮስፔሪቲ] ዝተሰመየ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ትልሙ ዕላዊ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።

እቲ ትልሚ፡ የሩሳሌም ዘይተመቕለት ናይ እስራኤል ከተማ ክትከውን እያ ድሕሪ ምባል፤ ፍልስጤማውያንን እቲ ካልእ ማሕበረሰብ ዓለምን ካብ ሕጊ ወጻኢ ምዃኑ ንዝገልጾ ሰፈራታት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣፍልጦ ዝህብ እዩ።

እዚ ትልሚ ሰላም ብፍልስጤማውያን ክንጸግ እንከሎ፡ ዒራቕን ሶርያን ተቓዊመንኦ ኣለዋ። ብዙሓተ ሃገራት ዓረብ'ውን ነቲ ውጥን ብጥርጣረ ምርኣዮም ኣይተረፈን።

ኣብ ሃገራት ዓረብ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዋ ግብጺ፡ ውጥን ትራምፕ ኣብተን ሃገራት ተቐባልነት ምእንቲ ክህልዎ ልዑል ኣብርክቶ ክህልዋ ይኽእል እዩ ይብል እዚ ምንጪ ቢቢሲ።

Presentational grey line

ሱዳንን እስራኤልን

ንእስራኤል ኣፍልጦ ካብ ዘይህቡ ሃገራት ሊግ ዓረብ ሓንቲ፡ ሱዳን እያ።

ክልቲአን ሃገራት ዘለዎን ቁጠባዊ ኮነ ፖለቲካዊ ርክብ ኣብዚ እተ ዝበሃል ኣይኮነን።

ብ1967፡ ሃገራት ዓረብ ኣብ ሱዳን ካርቱም ዘካየደኦ ኣኼባን ዘሕለፈኦ ውሳነን ዝርሳዕ ኣይኮነን እዩ።

ኣብቲ ኣኼባ በተን ሃገራት ዝተወሰኑ ሰለስተ 'እምቢታታት' [Three Nos] ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝሓዝዎ ቅዋም ኣንጸባሪቖም።

ንእስራኤል ኣፍልጦ ዘይምሃብ፣ ምስ እስራኤል ዝኾነ ስምምዕ ዘይምፍጻምን ምስ እስራኤል ዘይምልዛብን ዝብል እዩ ነይሩ።

ዛጊድ፡ ዝበዝሓ ሃገራት ሊግ ዓረብ ንእስራኤል ኣፍልጦ ኣይህባን። ካብ መንጎ እዚአን ድማ ሱዳን ኣብ ቅድሚት እያ ትስራዕ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ግን ነዚ ዝጻባእ ዝመስል፤ ታሪኻዊ ክበሃል ዝኽእል ፍጻመ ተራእዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ምስ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ወተሃደራዊ ስግግር መንግስቲ ሱዳን ኣብደል ፈታህ ኣል-ቡርሃን ኣብ ኡጋንዳ ኢንቲቤ ተራኺቦም ዘትዮም።

ድሕሪ እቲ ዘተ፡ ሱዳን ኣወንታዊ ናብ ዝኾነ ኣንፈት ተምርሕ ከምዘላ ወሃቢ ቃል መንግስቲ እስራኤል ተዛሪቡ።

ፈታዊ እስራኤል ዝኾነ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እስራኤል ብሃገራት ሊግ ዓረብ ተቐባልነት ክትረክብ ይደሊ እዩ።

ሱዳን ነዚ እንተገይራ፡ ኣብ ግድብ ህደሰ ዘለዎ ድሌት ክማለኣላ ከምዝኽእል ይእመን።

ንቢቢሲ ርእይትኡ ዝሃበ በዓል ሞያ ድማ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ሱዳን ኣብቲ ዘተ ምስ ግብጺ እንተወጊና፡ እቲ ተነቢርዋ ዝጸንሐ እግድ ክለዓለላ ቃል ከምዝተኣተወላ እዩ ዝዛረብ።

ትራምፕ እዚ እንተተሳኺዕሉ፡ እቲ ቀንዲ ድሌየቱ፡ ናይ ማእኸላይ ምብራቕ ትልሚ ሰላም ንክትግበር ወሳኒ መንገዲ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ።

ብሓጺሩ፡ "እቲ ዝኽየድ ዘሎ መንገዲ ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ" እዩ ዝብል።