ግድብ ህዳሰ፡ ምምላእ ማይ ኣብ ውሽጢ 7 ዓመት ክፍጸም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

ግድብ ህዳሰ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መስርሕ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብደረጃታት ክፍጸም ሰለስቲአን ሃገራት ተረዳዲአን ኣለዋ

ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ "ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሸውዓት ዓመታት" ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ማይ ክመልእ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ገሊጾም ክብል ኣገልግሎት ዜና ፋና ሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸውን፡ ሚኒስተር ማይ ዶ/ር ስለሺ በቀለን ኣብ ዋንሺንግተን ዲሲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ብረቡዕ ምስ ግብጽን ሱዳንን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ "ካልኦት ግድባት ንኸይትሰርሕ ዝእግዳ ከምዘይኮነ" ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ፡ ግብጺ፡ እቲ ግድብ ማይ ዝመልኣሉ ግዜ ካብ ሸውዓተ ዓመት ንላዕሊ ክናዋሕ ጠሊባ ምንባራ'ውን እቶም ሚኒስተራት ጠቒሶም።

ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ምስ ካልኦት ልኡኻቶም ካብ 13-15 ጥሪ 2019 ኣብ ዋሺንግተን ተራኺቦም ነይሮም።

ኣብቲ ብምንጎኝነት ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ንሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደ ዘተ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣፈናዊ ስምምዕ ከም ዝበጽሓን፡ ይኹን እምበር፡ እቲ ግድብ ዝመልኣሉ ናይ ግዜ ገደብ ከምዘየቐመጣን'ዩ ተገሊጹ ነይሩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ድማ ናይ መወዳእታ ሓፈሻዊ ስምምዕ ክፍርማ ትጽቢት ይግበር።

መስርሕ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብደረጃታት ክፍጸም፤ እዚ ድማ ንኩነታት ማይ ሩባ ኣባይን ኣብ ታሕተዎት ተፋሰስ ንዝርከቡ ሓጽብታትን ኣብ ግምት ብዘእተወ ልዝብን ምትሕብባርን ክኸውን ተረዳዲኦም።

ምምላእ እቲ ግድብ ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ካብ ሓምለ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዘ ክፍጸም፤ ከከም ኩነታቱ ድማ ክሳብ መስከረም ክቕጽል እውን ተሰማሚዖም።

እንተኾነ፡ ቅድም ክብል ቀንዲ ናይ ዘይምርድዳእ ነጥቢ ዝነበረ፡ ማይ ናይቲ ግድብ ኣብ ክንደይ ዝኣክል ዓመታት እዩ ክምላእ ዘለዎ ንዝብል ግን እንታይ ከምዝተሰማምዑ ኣብቲ ሽዑ ዝወጸ መግለጺ ኣይተነጸረን።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ግድብ ዝውህለል 74 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ማይ፡ ኣብ ሽድሽተ ዓመታት ክትመልኦ እያ ትደልይ።

ግብጺ ድማ ብውሕዱ ኣብ 10 ዓመት ክምላእ እያ ሓሳብ ክተቕርብ ጸኒሓ።

ግድብ ህዳሰ

ምንጪ ስእሊ, Grand Ethiopian Renaissance Dam

ሰለስቲአን ሃገራት፡ 28-29 ጥሪ ኣብ ዋሺንግተን ተራኺበን ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክፈራረማ እየን።