ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ጎንጺ ተወሊዑ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንስምምዕ ሰላም እስራኤልን ፍልስጤምን ዘለዎ ትልሚ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ጎንጺ ተወሊዑ።
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም በቲ ምስ ሓይልታት እሰራኤል ዘጋጠመ ጎንጺ ሰለስተ ፍልስጤማውያን ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።
ኣብ እየሩሳሌም'ውን ብፍልስጤማዊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መኪና ምዃኑ ኣብ ዝተገለጸ ፍጻመ 12 ወተሃደራት እስራኤል መጉዳእቲ በጺሕዎም።
ብዘይካ'ዚ ኣብ እየሩሳሌምን ምዕራባዊ ገማግምን ብዘጋጠመ ናይ ቶኽሲ መጥቃዕቲ እስራኤላዊ ፖሊስን ሓደ ወታሃደርን ቆሲሎም።
እስራኤል ድሕሪ ዝተኻየደላ ደብዳብ ሞርታር ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ቃዛ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከም ዘካየደት ተገሊጹ።
ብዙርያኣ ብእስራኤል ዝተኸበበት ፍልስጤም ምቛም ዝብል ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝቐረበ እማመ ፍልስጤማውያን ተቓዊመምዎ እዮም።
ውጥን ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ "ባይታ ዘየሎ ሓበሬታታት ብምቕራቡ" ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ከም ዘበኣኣሶ፡ ወሃቢ ቃል በዓልመዚ ፍልስጤም ነቢል ኣቡ ሩዲና ተዛሪቡ።
"ንመሰረታዊ መሰላት ፍልስጤማውያን ዘይምልስን ነቲ ኩነታት ናብ መዕለቢኡ ዘይወስድን ስምምዕ ናብ ጎንጺ ከምርሕ ምዃኑ ኣጠንቂቕና ነይርና፤ ነዚ ድማ ኢና ንርእይ ዘሎና" ኢሉ።
እቲ ንቃዛ ተቖጻጺሩ ዘሎ ጉጅለ ሓማስ ብወገኑ፡ "እቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ኣብ እየሩሳሌምን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተቓውሞን ጎንጽን ህዝብና ነቲ ብትራምፕ ዝቐረበ ኣዕናዊ እማመ ምላሽ እዩ" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ናብ ዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ ምብጻሕ ኣብ ዛከየደሉ "ድሕነትና ንምሕላው፡ ዶባትና ንምንጻርን መጻኢና ንምውሓስን፡ ዘድልይ ዘበለ ኩሉ ክንገብር ኢና፤ ፍተው ኣይትፍተው ክንገብሮ ኢና" ዝብል ምላሽ ንመራሕቲ ፍልስጤም ሂቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







