ብሽምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ብዘይስምምዕ ተዛዚሙ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/@BenDoBrown
ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ክካየድ ዝጸንሐ ስሉሳኣዊ ልዝብ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዘይውጽኢት ከም ዝተዛዘመ ሚኒስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ብትዊተሩ ሓቢሩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘተ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተገበሩ ድርድራት ዝበለጸ ምምሕያሻት ምንባሩ ዝሓበረ እቲ ሚንስትር፡ "እንተኾነ ኣብ ስምምዕ ኣይተበጽሐን" ኢሉ።
ሎሚ መዓልቲ ድማ ጸብጻብ ዝተዘራረቡሎም ጉዳያት ናብ መራሕቲ እተን ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ክቐርብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ሰለስቲኤን ሃገራት 11 ተዓዘብትን ሰብ ሞያን ኣብ ዝተረኸቡሉ ዘተ ን11 መዓልታት ከም ዘካየዳ ዝሓበረ ኢንጂነር ስለሺ፡ ትማሊ ምሸት ብዘይውጽኢት ከም ዝተዛዘመ ኣፍሊጡ።
ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ሰለስቲኤን ሃገራት ብዘይውጽኢት እንተቐጸለ'ኳ፡ ኢትዮጵያ ግን ብመሰረት ዘውጽኣቶ ሰሌዳ ግዜ ማይ ክትመልእ ምዃና ትገልጽ።
ንውሳነ ኢትዮጵያ ዘይተቐበለት ግብጺ ብወገና ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ ክሓውስ ምሕታታ ይዝከር።
እቲ ዘተ እንታይ'ዩ ነይሩ?
ዝርርብ ሰለስቲአን ሃገራት፡ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ምኽኣሉ ንኢትዮጵያ ዓብዪ ዲፕሎማሲያዊ ረብሓ ከምጽኣላ ከም ዝኽእል ይግለጽ ነይሩ።
እዚ ኣብ ሞንጎ ሰብ ሞያ ሕግን ቴክኒክን ሰለስቲኤን ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፡ ኣብ መስርሕ ምምላእን ምፍናውን ማይ፣ ኣብ እዋን ደርቂ ዝህሉ ኣጠቓቕማ፣ ምሕደራን ቁጽጽርን እቲ ግድብ፣ ጉዳያት ድሕነት እቲ ግድብን ካልኦት ጉዳያትን ዝጠመተ ነይሩ።
ኣብዚ ን11 መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ስሉሳዊ ዘተ፡ ኣብ መበል ዓሽራይ መዓልቲ ድማ ሚንስትራት ማይን መስኖን ሰለስቲኤን ሃገራት ንዘተ ኮሚቴ ቴክኒክን ሕግን ከም ዝገምገሙ 'ኢጂፕት ቱደይ' ጸብጺቡ'ሎ።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኢትዮጵያ 'ኣብ ስምምዕ ዘይተበጽሓሎም ጉዳያት ናብ ካልእ እዋን ይሰጋገሩ' ምባላ ብወገን ግብጺ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ግብጺ'ውን ኣብዚ ቕነ ንመራኸቢ ብዙሃን ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ዘተ ውጽኢት ዘይተረኸቦ ምንባሩ ኣፍሊጡ'ዩ።
'ዓረብ ኒውስ' ብወገኑ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካትዑ ጉዳያት ቴክኒክን ሕግን ኣማራጺ ዝበለቶም ሓሳባት እንተቕረበት'ውን ብወገን ግብጺ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ግብጺ ብወገና ደርቅን ኣጠቓቕማ ማይን ብዝምልከት ኣማራጺ ዝበለቶ ሓሳብ ከምዘቕረበት ንሚንስትሪ ማይን መስኖን እታ ሃገር ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ግን ዝተወሰኑ ምምሕያሻት ከምዘለዉ ንሚንስትሪ ማይን መስኖን ሱዳን ብምጥቃስ ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







