ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ካብ መለስ ዜናዊ ክሳብ ኣብዪ ኣሕመድ

ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ (ፈለግ ናይል) ሃኒጻ ክትውድኦ ትቃረብ ዘላ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ፡ ኣቓልቦ ዓለም ዝሰሓበ ፕሮጀክት ኮይኑ ይርከብ።
እዚ ብ4.5 ብልዮን ዶላር ዝህነጽ ዘሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ግድብ መመንጨዊ ማያዊ ጸዓት (ሃይድሮ ኤለክትሪክ) ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ብደረጃ ዓለም'ውን ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ'ዩ።
ኣብ ንቡር እዋንን ቦታን፡ ሓበን ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ ዓርሞሸሽ ግድብ ግን፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ስትራተጂካዊ ወጥሪ ኣስዒቡ'ሎ።
ከም ሓሳብ ኣብ ዝተበገሰሉን፡ እምነ-መሰረት ካብ ዝተነብረሉን ጀሚሩ፡ ንሱዳን፡ ብዓቢኡ ድማ ነታ 'ውላድ ናይል' ተባሂላ እትፍለጥ ግብጺ፡ ድቃስ ከሊኡ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ። ኣብዚ ክውዳእ ዝቃረበሉ ዘሎ ግዜ ግን እቲ ወጥሪ መሊሱ ዓሪጉ'ሎ።
ቢቢሲ ንቐጻሊ ምዕባለታቱን፡ ኣብ ዙርያኡ ንዝግበሩ ዛጊት ዘይተዓወቱ ስሉሳዊ ልዝባትን ዝምልከቱ ጸብጻባት ከቕርብ ጸኒሑ'ሎ።
ንሎሚ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ንዝጸንሐን ዘሎን ኣተሓሕዛ ናይቲ ጉዳይ፡ ብዓይኒ መራሕቲ ናይታ ሃገር ክንድህስስ ኢና።
'ንኣባይ ዝደፈረ' መለስ ዜናዊ
ኣብ 1960ታት ንፈለማ እዋን ተኽእሎ ምህናጽ ግድብ ኣብዚ ሕጂ ዝህነጸሉ ዘሎ ቦታ መጽናዕቲ ተኻይዱ ምንባሩ ሰነዳት ይሕብሩ።
ኣብ 1993፡ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዝነበረ መለስ ዜናዊ፡ ኣብ ኣኼባ ናይ ሽዑ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ክሳተፍ ንካይሮ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ሑስኒ ሙባረክ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማይ ሩባ ኣባይ ከም ዝተዘራረበ፡ ናይ ሽዑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ኣቶ ስዩም መስፍን ምስ ሓደ ኣብ ተለቪዥን ትግራይ ዝቐርብ መደብ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ 2011 ምጅማሩ፡ ብወገን ግብጺ ነቲ ሽዑ ንፕረዚደንት ሑስኒ ሙባረክ ካብ ስልጣን ዝኣለየ፡ ሰውራ ዓረብ (ኣራብ ስፕሪንግ) ንምምዝማዝ'ዩ ዝብል ክሲ ተሰሚዑ ነይሩ። መራሕቲ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ክሲ ክነጽግዎ ጸኒሖም'ዮም።
ኣቶ ስዩም ከምዝበሎ፡ እቲ ሓሳብ ቅድሚ ብወግዒ ምግላጹ፡ ቅድሚ 8 ዓመት ዝተበገሰ ምዃኑን፡ "ብምስጢር ክተሓዝ" ስለዝነበሮ፡ "ውሱናት ሰባት" ጥራይ'ዮም ዝፈልጥዎ ነይሮም። ኣብ 1996 ባዕሉ ምስቲ ነቲ ግድብ ዝሰርሕ ዘሎ ኢጣልያዊ ኩባንያ ሳሊኒ ብስቱር ኣብ ኢጣልያ ከም ዝተራኸበ'ውን ይጠቅስ።
ግብጺ፡ ንዝኾነ ንማይ ፈለግ ናይል ዝትንክፍ ናይ ልምዓት ፕሮጀክት ብዓይኒ ጥርጣረን ስግኣትን'ያ ትጥምቶ። ስለዚ ሓቂ እንተኾይኑ፡ ብምስጢር ምሓዞም ዘገርም ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንሱ ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ እቲ ግድብ ኣብ ላዕሊ፡ ከባቢ ምንጪ ናይቲ ሩባ ኣባይ ክህነጽ'ዩ መደብ ወጺኡ ነይሩ። መለስ ግን፡ እቲ ውጥን ንግብጺ ከሰንብድን ከሻቕልን ስለዝኽእል፡ ኣብቲ ሕርሻ ዘይብሉ ከባቢ ክልል ቤነሻንጉል ጉሙዝ ክህነጽ ወሲኑ።
ብኻልእ ወገን፡ ገለ ኢትዮጵያውያን እቲ ግድብ ዝተሰርሓሉ ምኽንያት "ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ'ዩ" ዝብል ነቐፌታት የስምዑ'ዮም።
ድሕሪ'ቲ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ብሓይልታት ጸጥታ ዝተቕትልሉ ናይ 2005 (1997) ምርጫ፡ ኣብቲ መለስ ዝመርሖ ዝነበረ ገዛኢ ሰልፊ ኢህወዴግ ህዝባዊ ደገፍ እናማህመነ ምኻዱ፡ ሃገራዊን ጠማርን ኣጀንዳ ንምብጋስ ዝዓለመ'ዩ በሃልቲ'ዮም።
ድሕሪ'ቲ ኣካታዒን፡ ምናልባት'ውን ጠንቂ ናይዚ ሕጂ ኢትዮጵያ ኣትያቶ ዘላ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ዝኾነ ምርጫ፡ ሰፋሕቲ ናይ ቁጠባዊ ልምዓት ፕሮጀክትታት ኣበጊሳ'ያ።
ኣብ 2011፡ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ፡ "ውጥን ዕብየትን ለውጥን" (GTP) ዝብል ንኢትዮጵያ ካብ ድኽነት ከናግፍ ዝኽእል ሓድሽ ቁጠባዊ ፖሊሲ ሓንጺጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ኣድናቖት ዘትረፈ ን5 ዓመት ዝጸንሕ ውጥን፡ ነቲ እታ ሃገር ተርእዮ ዝነበረት ቁጠባዊ ገስጋስ፡ ንቕድሚት ዝድርኽ ዉሑስ ዓቕሚ ጸዓት ምምንጫው'ዩ። ኣብ 2015, 4180 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከተማዕብል'ዩ ነይሩ እቲ ራኢ።
ንጠለብ ጸዓት ናይታ ቁጠባኣ እናዓበየ ዝመጽእ ዝነበረ ሃገር ንምምላእ፡ ኣቐዲሙ ኣብ 2006 ዝተጀመረ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ዝወደአ ብ'ግልገል ግቤ 3' ዝፍለጥ 1870 ሜጋ ዋት ዘመንጩ ግድብ፡ ኣብ ምህናጽ ዝነበረ ኣብያ ፋይናንስያዊ ትካላት ዓለም ንቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ተሞክሮ ዘቕሰመ ከይኮነ ኣይተርፍን- ዋላ'ኳ ኣብ መወዳእትኡ ባንኪ ዓለማም ከለቅሕ ፍቓደኛ እንተኾነ።
ስለዚ በዚ መንጽር ክረአ እንከሎ፡ ካብኡ ዝዓቢ ጸዓታዊ ግድብ ክስራሕ እንተኾይኑ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕማ ጥራይ'ያ ክትምርኮስ ክትፍትን። ብፍላይ፡ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝህነጽ፡ ብድሆ ተሰማዕነት ናይታ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዋ ግብጺ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መደረኻት፡ ብቐሊሉ ዝስገር ከምዘይከውን ርዱእ'ዩ።
ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ሸውሃት ንምዕንቃፍ፡ ክሳብ ተቓወምቲ ምድጋፍ ከም ዝበጽሐት'ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘማርረሉ ዝነበረ ጉዳይ'ዩ።
ኣብቲ ናይ ፈለማ ዝርርብ፡ ኣብ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ዝተመስረተን ምዕሩይን ርትዓዊን ኣጠቓቕማ ክህሉ"ከፋቲ በሪ" ዝተባህለ ምርድዳእ ተበጺሑ ነይሩ። ይኹን'ምበር፡ እቲ ግድብ ንግብጺ፡ ንበሪ ሩባ ናይል ዝዓጸወ ድኣ ኮነ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብ2 ሚያዝያ፡ እምነ-መሰረት ኣብ ዘንበረሉ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ፕሮጀክት ንቁጠባዊ ልምዓትን ዕብየትን ኢትዮጵያ ወሳኒ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።
ፈለማ ዝተበገሰሉ እዋን ሓድሽ መዋእል ኢትዮጵያ ስለዝነበረ 'ሚልየኒም' ዝብል ስያመ'ዩ ተዋሂቡዎ ነይሩ።
"እዚ ኣብ ዓብዪ ፈለግ ኣባይ ሎሚ ክህነጽ ዝጅምር ዘሎ ግድብ፡ ሚልየኒም ተባሂሉ ክጽዋዕ ንብዙሕ ምኽንያታት ተመራጺ ኮይኑ ተረኺቡ'ሎ።
"ናይ መጀመርታ ምኽንያት፡ ኣብ ፈለግ ኣባይ ይኹን ኣብ ካልኦት ወሓዝትና ክህነጹ ካብ ዝኽእሉ ግድባት፡ እቲ ኣዝዩ ዝዓበየ ምዃኑ'ዩ።"
ባንኪ ዓለም ብ 2015 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ኣርእያ'ላ። ካብ 2004 ክሳብ 2014 ኣብ ዝነበረ እዋን ሓፈሻዊ ዕብየት [GDP] ብማእኸላይ ገምጋም፡ 10.9 ሚእታዊት ዕብየት ኣርእዩ" ኢሉ።
"እዚ ድማ ነታ ኣብ 2000 ካብ ዓለም ካልኣይቲ ዝደኸየት ሃገር ዝነበረት፡ ኣብ 2025 ናብ ማእኸላይ እቶት ዘለዋ ሃገር ክትሰጋገር'ያ። በዚ ዘላቶ እንተቐጺላ።"
ይኹን'ምበር፡ እቲ መለስ ዝተመጎሰሉ ዝንኣድ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ብዋጋ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ዜጋታት ዝተፈጸመ ምግሃስ መሰላት፡ ስቅያት፡ ፖለቲካዊ ጭቆናን ዝተረጋገጸ'ዩ፡ ነታ ሃገር፡ ንወለዶታት ዝጸንሕ ልቓሕ ኣሰኪምዋ ከይዱ ዝብሉ'ውን ኣይተሳእኑን።
ኣብ መወዳእታ ግን፡ እቲ "ኣባይ ዝደፈረ" ተባሂሉ ዝተናእደ መለስ ዜናዊ፡ መፈጸምታ ናይቲ እምነ-ሰረት ዘንበረሉ፡ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት ክፍጸም ትጽቢት ዝተገብረሉ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ብዓይኑ ክርኢ ኣይተዓደለን።
ኣብ ነሓሰ 2012 ዛጊት ብንጹር ዘይተፈልጠ ሓሚሙ፡ ኣብ ሃገረ ቤልጂም ዓሪፉ። ስሙ ግን፡ ምስቲ ፕሮጀክት ጠቢቑ ተሪፉ'ሎ።
መርገጺ ናይቲ ድሕሪ ሞት መለስ፡ ን5 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣብቲ ጉዳይ ኣይተቐየረን። ንቴክኒካዊን ስነ-ፍልጠታውን ጉዳያት ብዝምልከት ምስ ሱዳንን ግብጽን ቀጻሊ ምዝርራብ ይግበርን፡ ሓባራዊ መጽናዕትታትን ይካየዱን ነይሮም።
እቲ ናይ ቁጠባዊ ልምዓትን ዕብየትን ውጥን፡ ድሕሪ 5 ዓመት ኣብ ዘመነ ሃይለማርያም፡ ተሓዲሱ ቀጺሉ- 17,208 ሜጋ ዋት ንምብጻሕ።
ኣበዪ ኣሕመድ- ተሸላሚ ኖቤል ሰላም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ነቲ እምነ-ሰረት ካብ ዝንበረሉ ድሕሪ 7 ዓመት፡ ብ2 ሚያዝያ ናብ ስልጣን ዝደየበ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ግድብ ሕዳሰ፡ ሓደ ካብ በዳህቲ ጉዳያት ኮይንዎ'ዩ።
እቲ "ግሩህ" (ናይቭ) ተባሂሉ ዝግለጽ፡ ተመኩሮ ዝንእሶ መንእሰይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ፈለማ ምዑር ቃላት ዝተሰነየ ዲምፕሎማስያዊ መናውራታት'ዩ ክፈትሖ ፈቲኑ።
ገና ከይተበገሰ እንከሎን፡ ኣብ ሂወቱ ከይተረፈ ናይ ቅትለት ፈተነ ምስ ሓለፈን ግን፡ ሃንደበት ካልእ ተወሳኺ ፍጻመ ኣጋጠመ፡- ቅትለት ናይቲ ህቡብነት ዘጥረየ ዋና ኣካያዲ ናይቲ ፕሮጀክት ኢንጂነር ስመኘው በቀለ።
እቲ ዳርጋ ብኹሉ ኢትዮጵያዊ ተፈላጥነት ዝረኸበን ናይ 'ሰለብሪቲ ስታተስ' (ህቡብነት) ዝነበሮ ኢንጂነር በቀለ፡ ኣብ ወጋሕታ 26 ሓምለ 2018፡ ኣብ ሕምብርቲ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መኪንኡ ተቐቲሉ ተረኺቡ።
እቶም ኣስማቶም ምስ ግድብ ሕዳሰ ተጣቢቑ ዝርከብ ክልተ ሰባት (መለስን ስመኘውን) ፍጻሚኡ ከይራኣዩ- ብሞት ተፈልዮም።
እቲ ናዕብታት ከይተረፈ ዘለዓዓለ ቅትለት ናይዚ ግኑን ኢንጂነር፡ ቁጠዐ ዝፈጠረ ዘሕዝን ፍጻመ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተፈላለዩ "ሽርሒታት" (ኮንስፒራሲ ቲዮሪስ) ዝተናፈስሉን ኮነ። ጠንቂን ዕላማን ናይቲ ቅትለት፡ ግድብ ህዳሰ'ዩ ዝብል ወረ እቲ ዝያዳ ተቐባልነት ዝረኸበ'ዩ ነይሩ።
ፖሊስ ኣብ መስከረም ናይቲ ዓመት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዝተገብረ መርመራ ኢንጂነር በቀለ ርእሰ-ቅትለት ፈጺሙ ክብል ደምዲሙ'ዩ። ይኹን'ምበር፡ ብዙሓት ነዚ ኣይተቐበልዎን። ብናጻ ኣካል ክምርመር ኣለዎ ዝበሉ'ውን ኣይተሳእኑን።
ነቲ ምስ ግብጺ ዝነበረ ምስሕሓብ፡ ፈለማ ብጽቡቕ መንፈስ'ዩ ጀሚሩዎ። ንግብጺ "ለስሊሱላ" ተባሂሉ'ውን ተኸሲሱ'ዩ። ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ብፍላይ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ዝመስረቶ ጥቡቕ ዝምድና'ውን፡ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምፍታሕ ዲፕሎማስያዊ መኽሰብ'ዩ ተባሂሉ።
ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ምፍታሕ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዓመታት ዝቐጸለ ግጭትን፡ ኩነተ-ኲናትን ወሳኒ ተራ ነይሩወን ተባሂለን ይግለጽ። እቲ ስምምዕ'ውን፡ ብወግዒ ኣብ መስከረም 2018 ኣብ ጂዳ'ዩ ተፈሪሙ። ኣብዪ፡ ምስ ኤርትራ ብዝወሰዶ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ምዕዋቱ ይፍለጥ።
ኣብ ጥቅምቲ 2019፡ ሰበ-ስልጣን ግብጺ፡ ባንኪ ዓለም ዝርከቦ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ነቲ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ኣብቲ ጉዳይ ክሳተፍን ጸዊዖም ነይሮም። ይኹን'ምበር፡ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ንተሳተፍነት ካልኦት ወገናት ኣይተቐበሎን።
"ኲናት እንተኾይኑ፡ ኢትዮጵያ ብዙሕ ህዝቢ ኣለዋ፤ ሚልዮን ክነሰልፍ ንኽእል ኢና" ክብል፡ ብ22 ጥቅምቲ ኣብ ፓርላማ ዝኣወጀ ኣብዪ፡ ንህንጸት ናይቲ ግድብ "ደው ዘብሎ" ሓይሊ ከምዘየለ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ ንመንጎኝነት ኣመሪካን ባንኪ ዓለማን ክርዕሞ ተራእዩ። በዚ ድማ እቲ ስሉሳዊ ጉዳይ ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካርቱምን ካይሮን፡ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ተሰጋጊሩ። እቲ ንዓመታት ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ክግበር ዝጸንሐ ዝርርባት ንፈላማ እዋን ብኣላይነት ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ክካየድ ተራእዩ።
ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ኣሜሪካ፡ ብፍላይ ድማ ምስቲ ፕረዚደንት ጽቡቕ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዘለዎ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ። ዋላ'ኳ ብጉዳይ ንኣብዪ ዝተዋህበ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 እንተተሰሓሓቡ- ትራምፕ ንዓይ'ዩ ዝግባኣኒ በሃላይ'ዩ ነይሩ።
ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ብፍላይ ህወሓት 'ራባዓይ' ኣካል ኣብቲ ጉዳይ ክኣቱ ምዕዳሙ "ልኡላውነት ሃገር ኣሕሊፍካ ምሃብ'ዩ" ዝብል ተሪር ነቐፌታን ክስታትን ኣስዒቡሉ'ዩ።
ተቓውሞ ምስበዝሖ ግን፡ ክሳብ ካብቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝግበር ዝነበረ ልዝባት ክስሕብ ተገዲዱ'ዩ።
"ኲናት እንተኾይኑ፡ ኢትዮጵያ ብዙሕ ህዝቢ ኣለዋ፤ ሚልዮን ክነሰልፍ ንኽእል ኢና" ክሳብ ምባል'ውን በጺሑ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መጀመርታ ሰነ ንፓርላማ'ታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ምውዳእ ናይቲ ፕሮጀክት ካብ ምርግጋጽ መሰረታዊ መሰል ዝፍለ ኣይኮነን፡ ከምቲ 98 ሚእታዊት ህዝቢ ግብጺ ኤለክትሪክ ዝረክብ።"
"ምልማን ኣጽሊኡና ኣሎ። ክንለምዕ ዘለና ድሌት ግን ንካልኦት ክንሃሲ ሃቐነ ኣለና ማለት ኣይኮነን" ከም ዝበለ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ምፅብፃቡ ይዝከር።
ካብቲ ኣብ ዘመነ-ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዘጋጠመ፡ ካልእ ዓንቃፊ ምዕባለ ድማ ናይ ሱዳን'ዩ። እታ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ንመርገጺ ክትድግፍ ዝጸንሐት ሱዳን፡ ኣንፈታ ናብ ካይሮ ከም ዝቐየረት ኣፍሊጣ'ላ።
ንኣስታት 30 ዓመታት ዝመርሓ ዑመር ኣል-በሽር ኣብ ሚያዝያ 2019 ድሕሪ ምእላዩ፡ ናብ ፖለቲካዊ ቅልውላ'ያ ኣምሪሓ። ኣብዪ ኣሕመድ ድማ፡ ኣብ ምትዕራቕ ሰራዊት'ታ ሃገርን፡ ተቓወምቲ ወገናት ዓቢ እጃም'ዩ ነይሩዎ።
ይኹን እምበር፡ ጠንቁ ብዘይተፈልጠ፡ ኣብ ምምላእ ማይ ናይቲ ግድብ ብዝምልከት፡ ተሪር ተቓውሞ ከም ዘለዋ ገሊጻ'ላ- ኣብዪ ክሰግሮ ዘለዎ ተወሳኺ ብድሆ።
እቲ ኣካታዒ ኮይኑ ዘሎ ማይ ናይ ምምላእ መስርሕ በዚ ኢትዮጵያ ሒዛቶ ዘላ እንተቐጺሉን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እንተስ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19፡ እንተስ ብምርጫ ዘመነ ስልጣኑ ክናዋሕ እንተኽኢሉ፡ ኣብ ታሪኻዊ ጽምብል ምዝዛም ተረኺቡ 'ሪቫን' ክቖርጽ'ዩ።
እቲ ግድብ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክዛዘም ትጽቢት ይግበረሉ።
ኣብ መወዳእታ፡ እዚ፡ መለስ ዜናዊ ዝሰረቶ ግድብ፡ እንተ በቲ እንተ በዚ፡ ክሳብ ዓንቀሩ ማይ መሊኡ፡ ከምቲ ተስፋ ዝግበረሉ ቁጠባዊን ማሕበራውን ዕብየት ዘረጋግጽ ጸዓት ድዩ ከመንጩ፡ ወይ ሓደገኛ ግጭትን ዘይምርግጋእን፡ ኣብ ኣተሓሕዛ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገር ዝምርኮስ ክኸውን'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







