ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዙርያ ግድብ ኣባይ ሓድሽ ዘተ ክጅምራ እየን

ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዙርያ ግድብ ኣባይ ዘተ ክጅምራ እየን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብ2011 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ

ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ሩባ ኣባይ ትሃንጾ ብዘላ ዓብዪ ግድብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ስሉሳዊ ዘተታት እናካየዳ ዝመጽኣ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ክሰማምዓ ኣይክኣላን ዘለዋ።

እቲ ብዘይስምምዕ ተቛሪጹ ዝነበረ ዘተ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ደግማይ ከም ዝጅምርኦ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብትዊተር ሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝሓበሮ፡ ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ተራኺቦም ብምዝታይ፡ ፍትሓዊ መፍትሒ ክበጽሑ ትጽቢት ይግበር።

እቶም ሚኒስትራት መዓስ ከምዝራኸቡ ግን ኣይተገለጸን።

ኢትዮጵያ፡ እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግድብ ማይ፡ ኣርባዕተ ቢልየን ዶላር ወጻኢ ከም ዝሓትት እዩ ዝግለጽ።

እቲ ግድብ ድማ ንዶብ ሱዳን ቐረባ ኮይኑ፡ 90 ሚእታዊት ቐረብ ዝስተ ማይ ግብጺ ካብ ናይል ዝምንጩ ብምዃኑ፡ ግብጺ ናባይ ዝመጽእ ማይ ክንኪ እዩ ብዝብል ስግኣት ህንጸት እቲ ግድብ ኣይትድግፎን። ሰለስቲአን ሃገራት፡ ንውሕ ንዝበሉ ዓመታት ስሉሳዊ ዘተ ከካይዳ'ኳ እንተጸንሓ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ግብጺ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ብሞንጎኝነት ከዛትዩና ኣለዎም ዝብል ጻውዒት ኣቕሪባ ተቐባልነት ረኺቡ።

ብመሰረት እዚ፡ ሚኒስትራት ማይን መስኖን ከምኡ'ውን ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዋሽንግተን ተራኺቦም ብምንጎኝነት ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ኣብ ዙርያ ምምላእን ምፍናውን ማይ እቲ ግድብ ክዛተዩ ጀሚሮም ነይሮም።

እንተኾነ፡ ተዓዛቢት ኮይና ከም ዝቐረበት እትገልጽ ኣሜሪካ፡ ህንጸት እቲ ግድብ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ክውዳእ ኣይክእልን ብምባላ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ኢትዮጵያ ኣብቲ ቐጻሊ ዝካየድ ዘተ ከም ዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ።

ኣብቲ እዋን፡ ነዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ከም ዝገለጽዎ፡ ሱዳን ናይ ቅዋም ለውጢ ከም ዝገበረትን፡ ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ንግብጺ ከም ዝድግፉን ብምግላጽ፡ እቲ ልዝብ 4ን1 ከም ዝኾነን፤ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ከቢድ ተጽዕኖ ከም ዝፈጠረን ተዛሪቦም ነይሮም።

ሱዳን'ውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት፡ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሓድሽ ናይ ስምምዕ ሓሳብ ኣይተቐበለቶን።

ሱዳን እዚ ሓድሽ እማመ ዝተርፉ ነገራት ኣለውዎ ብዝብል ክትነጽጎ እንከላ፤ ግብጺ'ውን ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ኣብ ስምምዕ ከይበጻሕና ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ክትመልእ የብላን ብዝብል፡ ቅድም ክብል ንዝተበጽሑ ስምምዓት ብምጥቃስ ኣይተቐበለቶን።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ግን፡ ኢትዮጵያ ብዝሓዘቶ ትልሚ፡ ነቲ ግድብ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ማይ ምምላእ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ'ያ።