ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ 4 ዓመት ክዛዘም'ዩ ተባሂሉ

ኣብ ህንጸት ዝርከብ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, MOFA

መግለጺ ስእሊ, ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንጸቱ ካብ ዝጅመር 6 ዓመት ሓሊፉዎ

ህንጸት ግድብ ህዳሰ 65 ሚኢታዊት ከም ዝተዛዘመን ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ንኽዛዘም 'ጽፉፍ' ትልሚ ከም ዝወጽአሉን ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ኢንጅነር ክፍሌ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እዚ'ውን ኮይኑ ግን ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ዝተትሓዘሉ ግዘ ገደብ ንላዕሊ ከም ዝወሰደ ይእመን።

ናይዚ ምኽንያት ዝብል ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ፡ ኣብ ስራሕቲ ሓጺነ መጺን ሜቴክ (ኮርፖሬሸን ሓፂነ መፂንን ኢንጂነሪንግን) ዝነበረ ምጉታት ብምልዓል፡ እቲ ኮርፖሬሸን ሒዙዎ ዝነበረ ኮንትራት ጠጠው ክብል ከም ዝተገበረ ይገልጽ።

"እቲ ፕሮጀክት ክጓተት ዝገበሩዎ ናይ ኤሌክትሮ መካኒክን ምስ ማይ ዝተትሓሓዙ ናይ ሓጺነ መጺን ስራሕትን 'ዮም። ሕጂ ግን፡ መንግስቲ ምስ ሜቴክ ዝነበሮ ኮንትራት ጠጠው ኣቢሉ፡ ተሓታትነት ዘለዎ ኣድማዒ ስራሕ ምስራሕ ዝብል ኣንፈት'ዩ ተቐሚጡ ዘሎ"። ኢሉ።

ቅድም ኢሉ ብዝተቖራረጹ ኮንትራክተራት ዝስርሑ ዝነበሩ ስራሕቲ እቲ ግድብ ውጽኢት ከምጽኡ ከም ዘይኽኣሉን ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል'ውን ንከይህሉን ስለ ዝገበሩ፡ ብሕዚ እዚ ኣካይዳ ዝኣሊ ምትእኽኻብ ከም ዝተገበረ'ውን ገሊጹ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይ ፈረንሳን ጀርመንን ዝኣመሰሉ ኣብ ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ልምዲ ምስ ዘለዎም ኩባኒያታት ብምዝርራብ፡ ህንጸት እቲ ግድብ ንምዝዛም ዘኽእል ናይ መመሓየሺ ስራሕ ይስራሕ ምህላዉ ኣመላኺቱ።

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሓላፍነት ህንጸት እዚ ግድብ ካብ ሜቴክ ዝወሰደ እንትኾን፡ እቶም ልዑል ልምዲ ዘለዎም ኣብ ትሕቲ ሜቴክ ዝነበሩ ኮንትራክተራት፡ ኮንትራቶም ናብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘይሩ ክሰርሑ ይግበር ኣሎ።

"ንተርባይንን ጀነረተራትን ምስ ኩባኒያታት ጀርመንን ንዘራረብ ኢና ዘለና" ዝበለ እቶም ኢንጅነር፡ ምስ ሜቴክ ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን ስርሖም ናውቲ ምቕራብ ጥራሕ ዝነበረ ኩባኒያታት፡ ዝጎደለ ኣማሊኦም እቲ ተኸላ'ውን ክሰርሑ ሙሉእ ኮንትራት ከም ዝተውሃቦም ሓቢሩ።

እዚ ብዕድጊት ቦንድ ህዝብን በጀት መንግስትን ዝህነጽ ዘሎ ፕሮጀክት፡ ገለ ክፋሉ ፈሪሱ ዳግም ክህነጽ'ዩ ዝብል ወረ፡ ክውጋዕ ዝወዓለ'ኳ እንተኾነ እቶም ኢንጅነር ግና "ፈሪሱ ዝህነጽ ክፋል የለን" ብምባል ይነጽጉዎ።

"ምስ ስራሕቲ ሓጺነ መጺን ዝተትሓሓዘ ኮንትራት ወሲዶም ንዝሰርሑ ኣካለት ሙሉእ ሓላፍነት ክንህብ ኢና። ብሜቴክ ዝተሰርሑ መዕጸውን መተሓላለፍን ማይ ኣለው። እዚኦም ኣብቲ ግድብ ዝተተኸሉ ስለ ዝኾኑ ብልክዕ ተላሒሖም ድዮም? ብዝግባእ ድዮም ተተኺሎም ዘለው? ዝብል ኣጻርዮም፡ ጸገም ዘለዎ ክፍሊ'ዮም ክሰርሑ እምበር ፈሪሱ ክህነጽ'ዩ ዝብል ነገር የለን"።

ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ

ምንጪ ስእሊ, ኢንጂነር ክፍሌ

ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክጓተት ጸኒሑ'ዩ ዝብል ቅርታ ብዙሓት ኮይኑ፡ ምስ በጀት ተታሓሒዙ ሕጽረት ኣጋጢሙዎ'ዩ፡ ቴክኒካዊ ጸገማቱ ብዙሓት ስለዝኾኑ'ዮም ዝብሉን ካልኦትን'ውን ሓቢሮም ይስምዑ።

"እዚ ፕሮጀክት ግን" ዝበሉ ኢንጅነር ክፍሌ "ናይ በጀት ጸገም ኣይብሉን። እኳ ድኣ ኣብቲ ግድብ ዝትከሉ ማይ ዘመሓላልፉ ቱቦታት ብዘይ ምስርሖም፣ ጀነረተራትን ተርባይናትን መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለ ዘይተተኸሉ'ዩ ተደናጉዩ" ይብል።

"ክሳብ ሕዚ ጸገም በጀት ኣይነበሮን፡ ንመጻኢ'ውን ኣይክህልዎን። እቲ ግድብ ዘይተዛዘመሉ ቀንዲ ምኽንያት ግን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ግድብ ዝትከሉ መተሓለለፍቲ ማይ ስለ ዘይተተኸሉን፡ ኣካላት ጀነረተራትን ተርባይናትን ስለ ዘይተተኸሉ'ዩ" ክብል ገሊፁ።

ብምዃኑ ድማ ምስ ቅድመ ምፍራይ ሓይሊ ዝራኸቡ ክልተ ተርባይናት ብምዝዛም እቲ ግድብ ማይ ምትሕልላፍ ንኽጅምር ቀዳምነት ሂብካ'ዩ ይስራሕ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

ምዝዛም ፕሮጀክት

ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣለሉ ኣብ ዝተብሃለ ህልዊ ደረጃ ህንጸት፡ 82 ሚኢታዊት ስራሕቲ ስቪልን 25 ሚኢታዊት ስራሕቲ ኤሌክትሮ ሜካኒክን ተዛዚሞም ኣለው።

ከምኡ'ውን 13 ሚኢታዊት ማይ መተሓላለፍን ሓጺነ መጺንን ህንጸት ስለ ዝተዛዘመ፡ 65 ሚኢታዊት ሓፈሻዊ ህንጸት እቲ ግድብ ተዛዚሙ'ዩ ይበሃል።

ኮይኑ ግን፡ ብፍላይ ምስ ግድብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተኣሳሰሩ ገዘፍቲ ፕሮጀክታት ካብ ዓሰርተ እቶም ሸሞንተ ይዝንግዑ'ዮም።

ግድብ ሕዳሰ'ውን ብምኽንያት ጂኦሎጂ ሰለስተ ዓመት ምዝንጋዕ፣ ብምኽንያት ኮንትራት ጀነረተርን ሓጺነ መጺንን'ውን ብልዕሊ ሰለስተ ዓመት ዝዘንግዐ ኮይኑ፡ ሓይሊ ምፍራይ ክጅምር'ዩ ካብ ዝብል መደብ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ ክኸይድ ኣይተርኣየን።

ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ ግና፡ ብሕጂ ክትግበር ዝኽእል 'ጽፉፍ' ናይ ኣርባዕተ ዓመት መደብ ሒዝና ኢና ንሰርሕ ዘለና ይብል።

"ሕዚ ዝሓዝናዮ ትልሚ ጭቡጥ ስለ ዝኾነ ናብ ባይታ ዝወርድ'ዩ። ክዛዘሙ ዝግብኦም መተሓላለፍቲ ማዕፆታት ምፍጻም፣ ጀነረተራት ምስ ዝሰርሕ ኩባኒያ'ውን ተዘራሪብና ናብ ስራሕ ተኣትዩ'ሎ። ስለ ዝኾነ ክትግበር ዝኽእል ትልሚ ኢና ሒዝና" ክብሉ ኣረዲኡ።

ብልሽውና?

እቲ ፕሮጀክት ከዘናግዑዎ ዝኽእሉ ስግኣታት ዘለው እንትኾን፡ ማይ ናይ ምትሓዝ ጉዳይ እቲ ሓደ'ዩ። ጎና ጎኒ ግን፡ ኣብቲ ፕሮጀክት ዝተፈጸመ ብልሽውና ኣሎ'ዩ ዝብሉ ጥርጣረታት ቐጻሊ ፈታና ከይኮኑዎ ይስጋእ።

"ብልሽውና ነቲ ፕሮጀክት ፈተና ነይሩ ክብል ዝኽእል ኣይመስለንን" ዝብል ኢንጅነር ክፍሌ፡ ኣብ ምሕደራ (ማኔጅመንት) እቲ ፕሮጀክት ብልሽውና ነይሩ ምባል ከም ዘይከኣል ኣረዲኡ።

ምስ ሜቴክ ብዝዛመድ ኣብ ዘለዉ ስራሕቲ ግን፡ እቲ ኮርፖሬሸን ብመሰረት ዝወሰዶ ኮንትራት 'ንመካየዲ ስራሕ ተፀጊምና' ክብል ከሎ ዝኽፈሎ ክፍሊት ምንባሩ ዝዛረብ እቲ ኢንጂነር፡ እቲ ክፍሊት ብምሕደራ እቲ ፕሮጀክት ዘይኮነስ ብውሳነ መንግስቲ ምንባሩ ሓቢሩ።

"ነቲ ፕሮጀክት ዝተኸፈሎም ክፍሊት ግን ብልክዕ ኣብቲ ስራሕ ኣየውዓሉዎን" ዝብል ኢንጂነር ክፋሌ፡ ካብ በዓሉ ካብ ሜቴክ ዝቐረበሎም መረዳእታ'ውን ነዚ ከም ዘረጋገፀሎም ተዛሪቡ።

"እዚ ማለት ግን ኣብቲ ፕሮጀክት ግዕዝይና ተፈጺሙ ኢለ ንኽዛረብ ኣየኽእለንን። ሜቴክን ሓይሊ ኤለክትሪክን ክልቲኦም ናይ መንግስቲ ትካላት እዮም፤ ስለዚ እቲ ገንዘብ ኣበይ ኣውዒሎሞ ዝብል መንግስቲ ኦዲት ክገብር'ዩ" ኢሉ።

ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2003 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ዝጀመረ እንትኾን፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ክዛዘም'ዩ ዝብል ትልሚ ተታሒዙ እዩ ናብ ስራሕ ኣትዩ።