"ነዚ ፈለግ ነምልኾ ኢና ኔርና፡ ሎሚ ግና ክንሪኦ እውን ኣይንደልን"

ምንጪ ስእሊ, Jonathan Rashad
እዚ ናይ መወዳእታ ናይ እግሪ ጉዕዞና፡ ናይቲ ኣብ ዓለም ዝነውሐ ፈለግ-ካብቲ ምንጩ ዝኾነ ቀላይ ጣና ክሳብቲ ናብ ባሕሪ መዲተራንያን ዝጽንበረሉ እዩ።
ፈለግ ናይል ኣብ ካይሮ ምስ በጽሐ ኣመና ረሳሕ'ዩ ዝኸውን።
ገማግም እቲ ፈለግ ብጎሓፍ ዝመልአን፡ ማዩ'ውን ብናይ ሽቓቕ ርስሓት ሓፊሱን ብመርዚ ከብለጭልጭ'ዩ ዝረአ።
ድሮ ሓረስቶት ሰሜናዊ ደልታ፡ ብሕጽረት ማይ ከማርሩ ጀሚሮም ኣለዉ። ምኽንያቱ ድም እቲ ውሑድ ማይ በቶም ዝተዓብሱ ናይ መስኖ ካናለታት ክሓልፍ ይሽገር ስለዘሎ'ዩ።
ፓለቲካዊ ወጥሪ
"ናይል ንዓና ኩሉ'ዩ - ንበልዖን ንሰትዮን'ዩ" ይብል ዓሊ መኖፊ ካብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ማይ። "ሓደ ነገር እንተኾይኑ መቕዘፍቲ'ዩ ክኸውን"።
ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ዝተኻየደ፡ ምስ ናይ ናይል ተፋሰስ ዝተኣሳሰር ፓለቲካዊ ክትዓትን መግለጺታትን፡ ናይቲ ጉዳይ ኣገዳስነት ዘርኢ'ዩ።
ኣብ 2013 ሓደ ግብጻዊ ፓለቲከኛ ናይቲ ዝሓለፈ ምምሕዳር ግብጺ፡ ሃገሩ ኣብልዕሊ እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ መጥቃዕቲ ከተካይድ ጸዊዑ ነይሩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ብመንግስቲ ዝውነኑ መራኸቢ ብዙሃን'ውን ብግዲኦም ተሪር ግብረ መልሲ ክህቡ ጸኒሖም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Leyland Cecco
ግድብ (ዲጋ) ዓቢዪ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ክዛዘም ኣብ ዝቃረበሉ ዘሎ እዋን፡ ግብጺ ስትራተጅያዊ ዓቕምታታ ንምሕያል ክልተ ስርሓት ፈረንሳ ዝኾና ሚስትራል ዝባሃላ ናይ ርሑቕ መጥቃዕቲ መራኽብ ዓዲጋ'ላ።
ወተሃደራዊ ተንተንቲ ከም ዝብልዎ ድማ፡ እዚ ብኸፊል ነታ ናይ ደቡብ ተቐናቓኒታ ኢትዮጵያ ንምፍርራሕ ዝዓለመ'ዩ።
"ኩሎም ኣማራጺታት ድልዋት ኣለዉ'" ይብል እቲ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያትን ቅድሚ ሕጂ ሓደ ካብ ተላዘብቲ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ጉዳይ ናይል ዝነበረ ኣሕመድ ኣቡ ዘይድ።
ታሪኽ ዘመልክቶ ነገር እንተ ሃልዩ፡ ጌና እዘን ናይ ናይል ተፋሰስ ሃገራት ኣብ ረጽሚ ከም ዘይኣትዋ'ዩ።
ስግረዶባዊ ናይ ማይ ክርክራት ብሰለማዊ ኣገባብ ከምዝፍትሑ ዘርእይ ሓያል ጭብጥታት እዩ ዘሎ። ግብጺ'ውን ንክውንነት ምህላው ናይቲ ዲጋ ዝተቐበለቶ'ያ ትመስል።

ምንጪ ስእሊ, Jonathan Rashad
እንተኾነ ግና፡ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ዲጋ ዘለዋ ክቱር ምስጢራውነት ዕንቅፋት ኮይኑ ይርከብ።
ከምኡ'ውን እቲ ዓቢ ግድብ ክመልእ ዝወስደሉ ግዜ ብዝምልከት ዝግበሩ ልዝባት'ውን እቲ ካልእ ዕንቅፋት'ዩ።
እቲ ናይ ቃላት ረጽሚ'ውን ደስ ብዘይብል መንገዲ ይቕጽል ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Leyland Cecco
ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተወለድቲ ኦሮሞ ኣብ ግብጺ፡ ጉዳይ ናይቲ ዲጋ ኣብ ዜናታት እታ ሃገር ክለዓል እንከሎ ብዙሕ ምስርጣይ ከም ዝበጽሖም ይዛረቡ።
እተን ንብዙሕ ዓመታት ምስ ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ቤተ ክርስትያን ጥቡቕ ዝምድና ዝጸንሐን ገለ ናይ ኢትዮጵያ ደብርታትት፡ እንተላይ እተን ኣብ ደሴታት ቀላይ ጣና ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ዝምድና ከም ብምብታኽ ግብጻውያን ፈለስቲ ንዓዶም ከም ዝሰጎጉ ጌረን ኣለዋ።
እቲ ፈለግን ባሕርን ዝራኸብሉ ቦታ
ነቶም ኣብ ከባቢ ሮዘታ ዝተባህለ፡ ምዕራባዊ ክፋል ናይቲ ፈለግ ናብ ባሕሪ ዝልሕኮሉ ቦታ ንጥፈታቶም ዘካይዱ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ሕማቕ ኩነታት ናይል ብጣዕ ኣዕናዊ ኮይኑ'ዩ ተረኺቡ ዘሎ።
እቲ ካብቲ ፈለግ ዝሕዝዎ ዝነበረ ሕጂ የለን፡ እቲ ዝርካቡ ዝሕዝዎ ድማ ኣዝዩ ዘጸይን ስለዝኾነ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይበልዕዎን'ዮም። ክሳብ እቲ ኣፍ ናይቲ ፈለግ ዘሎ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ፡ ናይል ኣዝዩ መርዛም ብምዃኑ፡ ውሑዳት ሂወታውያን ጥራይ'ዮም ክሰሩ ዝኽእሉ፡ ይብል እቶም ገፈፍቲ።
" ነዚ ፈለግ ነምልኾ ኢና ኔርና፡ ሕጂ ግና ክንሪኦ ከማን ኣይንደልን" ይብል ካሚስ ካላ ዝተባህለ ገፋፊ፡ ኣብ ጥቓ'ቲ ናይ ጥንታዊት ግብጺ ጽሑፍ፡ ሄሮግሊፍክስ ክፈትሕ ዝኽእል እምኒ ሮዘታ ('Rosetta Stone') ዝተረክበሉ ቦታ መርበቡ እናዘርዘረ። "ኩላትና ሓደ ስልቲ'ዩ ዘለና፡ ንሱ ድማ፡ ካብዚ ሩባዚ ብዝተኻእለ ኣርሒቕካ ምኻድ'ዩ"።

ምንጪ ስእሊ, NASA
በበዳሂ ናይ ምግፋፍ ኩነታት ዝተቐጥቀጡን፡ ዝገብርዎ ዝጠፍኦም ሓረስቶት ኣብ ምግፋፍ ምእታዎም ዝተፍጥረ ምውድዳር ብዝገበረሎም ጸቕጢ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ገፈፍቲ ዓሳ ጀላቡ፡ ናብ ገበን ምፍጻም ክኣትዉ ተገዲዶም'ዮም።
መሓመድ፡ ኣብ ሮዘታ ዝመደበሩ ገፋፋይ'ዩ፡ ክልተ ግዜ ንኣውሮጳ ዝነቐሉ ስደተኛታት ኣሰጋጊሩ። ክልተ ግዜ ድማ ዳርጋ ተታሒዙ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ፈለግ ዝህቦ ዝነበረ ገንዘብ ስለዝነጸፈን፡ ዝተሸገሩ ሰባት ናይ ናይል ተፋሰስ ድማ ክኸፍሉ ድልዋት ክሳብ ዝኾኑ፡ ካብ ምስግጋሮም ከም ዘይዕገት'ዩ ዝዛረብ።
"ልክዕ ከም ናይ ኣቦይን ኣበሓጎታተይን፡ መነባብሮይ ካብ ናይል ክኸውን'የ ዝመርጽ። እንተኾነ ግና ካብ ሕጂ ንንየው ዝከኣል ኣይኮነን" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







