መራሕቲ ኢትዮጵያን ግብፅን ኣብ ጉዳይ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ዘትዮም

ምንጪ ስእሊ, Office of President , Egypt
ሎሚ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ፕሬዝደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ አል ሲሲ ብሓባር ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ እንትኮን ኣብ ጉዳይ ዓብይ ግድብ ኢትዮጵያን ካልኦት ክልተኣዊ ጉዳያትን ድማ መብርሂ ሂቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ንመዘነኦም ዓበደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ዘብፀሖ ጉድኣት ከምዘየለ ኣረጋጊፆሙሎም ክብሉ፥ ምንጭታት ቢቢሲ ካብ ካይሮ ሓቢሮም።
"እቲ ግድብ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ዘብፀሖ ጉድኣት የለን። የግዳስ ናይ ክልቲአን ሃገራት ናይ ዕብየት ባእታ ኮይኑ ከገልግል እዩ" ክብል ኢጂፕት ቱደይ ፀብፂቡ።
ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ብወገኖም፥ "ድሌታት ማይ ግብፂ ክሳብ ዘይተተንከፉ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሩባ ኣባይ ንእተካይዶም ንጥፈታት ልምዓት ፀገም የብልናን።" ኢሎም።
ቀጺሎም፡ "ንግብፂ ዝጎድእ ነገር ኣይንሰርሕን ኣብ ዝብል ሓሳብ ምፅናዕኹም ነመስግን። ይኹን'ምበር እዚ ዘተኣማምን ዝኸውን ቴክኒካዊ ፅንዓት እቲ ግድብ ተግባራዊ እንተኸውንን ህንፀት እቲ ግድብ ንሱ መሰረት ገይሩ እንተኸይድን ጥራሕ እዩ" ኢሎም።
ቅድሚ ወርሒ ግብፂ ብዛዕባ ዘቕረበቶ ሓድሽ እማመ ሰላም፡ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ መልሲ ዘይምሃባ ድማ ኣልሲሲ ስክፍተኦም ገሊፆም።
ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ምስ ፕረዚደንት አልሲሲ ተራኺቦም ኣብ ዙርያ ግድብ ተፈጢሩ ዝፀንሐ ዘይምርድዳእ ኣፅርዮም እቲ ተቛሪፁ ዝነበረ ልዝብ መሊሱ ንክጅመር ሓደ መዓልቦ ገይሮም ንክምለሱ ዓሊሞም'ዮም ተጓዒዞም፥ ይብሉ ምንጭታት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ።
"ተስፋ እገብር"
ስሙይ ጋዜጣ ግብፂ፥ ኣልኣህራም፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ሳሜህ ሽኩሪንን ኣብ ሓደ ሓደ ርእሰ ጉዳያት ቀዲሞም ልዝብ ከምዘካየዱ ፀብፂቡ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ድማ ሚንስትራት ወፃኢ ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ካልኦት ክልተኣዊ ጉዳያት ምርድዳእ ዝተበፀሐሎም ሓባራዊ ጉዳያት ስምምዕ ፈሪሞም።

ምንጪ ስእሊ, Office of the president, Egypt
ምስዚ ተዛሚዱ ድማ፥ ኣብዚ ሰሙን ናይ ክልቲኦም ሃገራት ሓበራዊ ኮሚቴ ሻድሻይ ኣኼብኡ ከምዘካየደ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብቲ ልዝብ ዝተሳተፉ ኣብ ግብጺ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ታየ ኣፅቀስላሴን፥ ፥ እቲ ልዝብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብያዊ ጉዳያት ምትሕብባር ንምፍጣር ጠቓሚ ከምዝኾነ ኣብ ትዊተሮም ኣስፊሮም ነይሮም።
ሳሜህ ሽኩሪ ፥ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ አመልኪቶመ ንአልኣህራም ኦንላይን ከምዝገለፁዎ፥ "ታሪኻዊ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ተጠቒመን ናይ ሓባር ረብሓአን ንምርግጋፅ ፖሊቲካዊ ውሳነ ከምዘሎ ዘመላኽት'ዩ" ኢሎም።።
ግብፂ ከኣ ኣብ መጋቢት 2015 ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተፈረመ ሓባራዊ መትከላት ከምእተኽብር አረጋጊፆም። "እቲ ዑደት ትርጉም ዘለዎ ልዝብ ንኽካየድ ዓብይ በሪ ክኸፍት ከምዝኽእል ተስፋ እገብር"'ውን ኢሎም።
"ኣብ ጉዳይ ፈለግ ኣባይ ዘይምርድዳእ ክሳራ'ዩ"
ዓብዱል ፈታሕ ኣል ሲሲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት "ንሃገርና ክከላኸል ዝኽእል እኹል ሓይሊ ኣለና፤ ምስ ካልኦት ኣይንሓብርን፤ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት እውን ኢድና ኣይነእትውን" እንትብሉ ተዛሪቦም ነይሮም።
ፖለቲካዊ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪካ ስቲቨ ኩክ "ሩባ ኣባይ ኣብ መንጐ ግብፂ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ልዑል ወጥሪ ፈጢሩ'ሎ። ኣብዚ ጉዳይ ዘተ ምክያድን ምርድዳእን ድማ ንኹሉ የርብሕ" ክብሉ ይገልፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ናብ ካይሮ ብምኻድ ዘተ ምክያዶም ሰናይ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ጉዳይ ኣባይ ዘይምርድዳእ ንኹለን ሃገራት ክሳራ እዩ ይብሉ ስቲቭ ኩክ።
እቶም ፖለቲካዊ ተንታኒ ኩለን ሃገራት ውሽጣዊ ፀገማት ኣለወን። ግብፂ ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ሲናይ ሰሊኾም ምስ ዝኣትዉ ሓይልታት ትታዀስ'ላ። ከምኡ እውን ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ምንቅስቓስ ፈጠርቲ ራዕዲ ይረአ'ሎ።
ኢትዮጵያ እንተዀነት ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው እያ ዘላ። ስለ'ዚ እዘን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ፀገመን ካልእ ፖለቲካዊ ረስኒ ካብ ምእጓድ ኣብ ሓደ ዕሉብ ምርድዳእ እንተዝበፅሓ ኩለን እየን ዝረብሓ ብምባል የረድኡ።

ምንጪ ስእሊ, MOfa, Ethiopia
ስሉሳዊ ልዝብ
ናይቲ ተፋሰስ ሰለስቲአን ምብራቓዊ ክፍሊ ሃገራት ማለት'ውን ኢትዯጵያ፥ ግብፅን ሱዳን ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ጀሚሮሞ ዝነበሩ ዝርርብ ምቁራፁ ዝዝከር'ዩ።
ብድሕርዚ ብፕረዚደንት ኣብደልፈታሕ ኣልሲሲ ክወሃቡ ዝፀንሑ መግለፂታት ከካትዑን ከዘራርቡን ቀንዮም።
ሎሚ ቕነ ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብፅን ዝተወሰነ ምስሕሓብ ዝተፈጠረ እንተኸውን፥ ብፍላይ፡ ሱዳን፡ ግብፂ ናብ ኤርትራ ወታሃደራዊ ሓይልን ኣፅዋር ውግእን ልኢኻ ምባላ እቲ ወጥሪ ከጋድዶ ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖሊለቲካ ክዛረቡ ቀንዮም።
ይኹን'ምበር ሱዳን እቲ ቅድም ክብል ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ብኤርትራ ስግኣት ኣለኒ ዝበለቶ፥ ሓሳባ ኣልዒላ ናይ ባዕላ ተቓወምቲ ውድባት ስግኣታት ፀጥታኣ ከምዝኾኑዋ ገሊፃ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







